ፍረ ሱቚታ ጸሎት! ፍረ ጸሎት እምነት! ፍረ እምነት ፍቅሪ! ጸጋፍቅሪ ተወፋይነት እዩ! ቅ.ማዘር ተረዛ
ዜና ቫቲካን!
እዛ 80 ገጻት ጥራይ ዝሓዘት መጽሓፍ ነቲ ንብዙሓት ሰባት ዓቢ ዓቀብ ኮይኑ ዘሎ ኣብዛ ሸበድበድ ዝመልኣ ዓለምና ሃዲእካ ብሱቊታ ምስትንታን ከመይ ገቢርካ ከምዝግብርን ዓሚቚ ትርጉሙን ጥቅሙን ትገልጽ።
ንኩነታት ዓለምና ንክገልጹ ተርጓሚ ‘ዓለም ሎሚ ቅድድም ጥራይ ኮይና፡ ህድእ ኢሉ ዝሓስብ ዳርጋ የቦን ክበሃል ይከኣል። ኣብ ጸሎትናን ኣስተንትኖናን ስቕታ ተሳኢኑ፡ ንኣስተንትኖና’ውን ከይተረፈ ክላሲካል ሙዘቃ እናኣእቶና ህድኣቱ ኣጥፊእናሉ። ጸሎታትና ብታህዋኽ ተዓብሊሉ። “መዓስ ይዉድእ እዚ ጸሎት!” እናበልና፡ ጸጸኒሕና ሰዓትና ብምርኣይ ንጸሎትና ነባኽኖ። ኣዝዩ ሓጺር ጊዜ ኣስተንትኖ እንተሎና እዉን ብዘመን ኣምጽኦ ሞባይላትና እናጠወቕና ነቲ ስቕታ ነጥፍኦ። ንኣምላኽ ዝኸውን ጊዜ ስኢና። ኣብ ሥ ራሕና ኣብ ትምህርትና ኣብ ሱባኤታትና ምጒያይ ጥራይ ኮይኑ፡ ነቲ እንገብሮ ህድእ ኢልና እነስተንትነሉ ጊዜ የልቦን። መንእሰያትና’ውን እንተኾኑ ብጊዜ ዘምጽኦ ኲነታት ተጸሊና ኣብ ዓውዓውታን ጒያን እንተ ዘይኮይኑ ሃዲእና ኣይንኸይድን። ምዝማርና እንተ ርኢናዮ’ውን ህዱእን ንኣስተንትኖ ዝዕድም መዝሙር ኣይኮነን’ እንክብል ኩሉ ኩሉ ነዛ ምንጪ ሰላምን ቅሳነትን ዝኾነት ቅድስት ሱቊታን ጽሞናን ኣስተንትኖን ዘይዕድም ምዃኑ ይገልጹ።
ነታ መጽሓፍ መባእታ ዝጸሓፉላ ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን እውን “አገዳስነት ስቕታ ምስ አምላኽ ንምዝራብ” አድላይትን እዋናዊትን ከምዝኾነት ተረዲኤ። ሎሚ ኣብ ዓለምና ዝደለ ዘሎ ብስቕታ ንሰባት ኮነ ንኣምላኽ ምስማዕ ድአ እምበር፡ ምዝራብን ዓውዓው ምባልን ኣይኮነን። ሎሚ ብዛዕባ ብከላ ኣየርን ማይን ኣከባብን ጥራይ ኣይኮነን ዝዝረብ ዘሎ፡ ብዛዕባ ብከላ ባሕርያዊ ስቕታ’ውን እዩ። ር. ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዚ ጫውጫውታ ከም’ዚ ቢሎም ይገልጽዎ፤ “ስሉጥ መራኸቢ ብዙኃን አብ ኵሉ ቦታ ምስ ዘስፋሕፍሕ፡ አብ ልዕሊ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ፡ ብጥበብ ናይ ምንባርን፡ አዕሚቍካ ናይ ምሕሳብን፡ ብልግሲ ናይ ምፍቓርን ክእለትና የጓድል2። ከም’ዚ እንድሕሪ ኮይኑ፡ ነቶም ናይ ቀደም ጥበበኛታት ሰባት ክንሰምዖም አይንኽእልን፡ ከመይ ብዲጂታል መዲያን ብብዝኂ ሐበሬታን ዝተፈጥረ ጫውጫውታን ምዝንጋዕን ምስምዖም ይኽልክለና። ዲጂታል መዲያን ኃበሬታን፡ ንናይ ሓቀኛ ሃብትና ዝኾነ ጥበብ መኸላእታ ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ፡ ምንጪ ሓድሽ ባህላዊ ምዕባለ ወዲሰብ ንኪኸውን ክንጽዕር አለና። ሐቀኛ ጥበብ፡ ፍረ ናይ ኅልና መርመራ፡ ፍረ ዘተ ንለጋስ ሰብአዊ ተዋስኦን እዩ። ሐበሬታ ጥራይ ምውህላል፡ ናብ እምብዛ ምድንጋር ጥራይ እዩ ዜምርሓና` ብማለት እዋናውነትን ኣድላይነትን ናይታ መጽሓፍ የብርሁ።
ኣብ ኣጸላልያናን ሥርዓታትናን ዘሎ ምህዋኽን ገረ ንክትብል ዝፍጸም መንፈሳዊ ጒዳያትን ትርጉሙ ንምርዳእን ብመንፈስ ተመሲጥካ ንምፍጻሙን ዝጐደለ ነገር ከምዘሎ ዝተረድኡ ደራሲ ነዚ ኩሉ ይጽብጽቡ እሞ ‘ነዝን ካልእን ንኽትሕግዘና ኢለ እየ ነዛ መጽሓፍ ተርጒመያ` እንክብሉ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ነታ ካርዲናል ኒውማን ጸሎት ምስ ኣምላኽ ልቢ ንልቢ ምውሳእ እያ ኣብ ዝበልዋ ደረጃ ንምብጻሕ እሞ ካብ ብልማድ ዝግበር ጸሎታት ልቢ ንልቢ ምስ ኣምላኽ ኣብ ምውሳእ ንምብጻሕ እዩ።
ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለምና ተዘርጊሓ ብምህላዋ ነቲ ንሕና ኣብ ዝመጽእ መዳባትና በብክፋል እነቅርቦ ብዝበለጸ ንምስዓብ እንተነበብኩምዋ እውን ዝሓሸ ምኾነ። ምናዳ ኣብዛ ግዜ ጾም ኣርባዓ ብዙሕ ክትሕግዘና ትኽእል።