ድለ

ኣባ ሶዛ፥ ከም ዜጋታት መጠን ኣብ ኤውሮጳ ንጥቕሚ ኵሉ ነተባብዕ

ምስትውዓል እትብል ቃል ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንፈልጦም ሰባት ተዘኻኽረኒ። ቅድም ቀዳድም ኣብርሃም እዩ! ኣብርሃም ድሮ ብሱልን ዕዉትን ዝነበረ፡ ጐይታ ንዅሉ ነገራት ስድራ ቤቱ እውን ከይተረፈ ሓዲጉ ኪጓዓዝ ዝሓተቶ ሰብ እዩ ነይሩ

ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ጠቕላሊ ሓለቓ ዕለት 12 መጋቢት ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ኣዋጅ ቅድስና መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ምኽንያት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ከም ሎሚ ቅድሚ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ኢግናዚዮ ዘሎዮላን ቅዱስ ኢግናዚዮ ናይ ዝመስረቶ ማሕበር ኣባል ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ተረዛ ዘኣቪላን ፊሊፖ ነሪ ሓረስታይ ኢሲዶሮ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ከም ዝኣወጀትሎምን እዚ ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ቅድስና ኣብዚ ንኤውሮጳ ዘድሚ ውግእ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እንታይ ትርጒም ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ሰፊሕ መልሲ ይህቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 12 መጋቢት 1622 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ተወላዲ ስፐይን ኢሲዶር ቅድስና ክትእውጀሉ ትጽቢት እናተገር እንከሎ ናይ ካልኦት ኣርባዕተ ብጹዓን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ማለት ቀርመለሳዊት ተረዛ በዓልቲ ኣቪላ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መስራቲ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውን ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ፊሊፖ ነሪ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ቅድስና ክትእውጀሎም ዝሓትት ኪደት ተጠናቒቝ ምስ ቀረበ ር.ሊ.ጳ. ጎርጎሪዮስ መበል 15 ይዅንታ ስለ ዝሃቡሉ ኣብታ ዕለት እቲኣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብኢድ ጎርጎሪዮስ መበል 15 ቅድስና ከም ዝኣወጀትሎምን ነዚ ምኽንያት ብምግባር ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ኣዋጅ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መስራቲ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላን ከምኡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር እውን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ብኢየሱሳውያን ማሕበር እትመሓደር ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሱስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጒ እዮም ነዚ ኵሉ እዚ ምኽንያት ብምግባር ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካይዶም፥

ኣባ ሶዛ ዕለት 12 መጋቢት ዝበዓል ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ቅድስና ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ፍሉይ ታሪኻዊ ህሞት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ከይዘከርና ክንሓልፍ ዝከኣል ኣይኮነን ብዛዕባ እዚ ግጭት እዚ እንታይ ይስምዓኵም ሰላም ክትህነጸሉ ዘኽእል መገዲ እንታይ እዩ? ብቐዳምነት እቶም ዝዝከሩ ቅዱሳት ሓሙሽተ ምዃኖም ክዝክር እደሊ። እዚ ኸኣ ንዅላትና ብሓቂ ዘነቓቕሕ እዩ። ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ቅድስና ክእወጀሎም ናይ ኣጋጣሚ ጒዳይ እዩ። ብቐዳምነት ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ኣብዚ ጽንኵር እዋን እዚ እቲ ዘድሊ ጸሎት እዩ። እምነትና ኣብ ታሪኽ እቲ ስጒምቲ ዝወስድ ኣምላኽ ምዃኑ ምስቲ ኣብኡ ዘሎን ኣብ ኵሉ ህሞት ንሰብኣዊ ፍጻሜታት ዘሰንዮ ጐይታ ብምርኻብ፡ ኣብኡን ምስኡን ክንከውን ክንጽዕር ከም ዘሎና እኣምን። . . . ከም ካቶሊክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ንሃሉ ንጡፍ ሓድነት ኣሎና. . . ስለዚ ኵለንተናኻ ንጐይታ ምኽፋትን ጽን ምባልን እዩ ዘድሊ። ኣብ ኵለ መዳይ ምእንቲ ስምምዕ ክህሉ። እቲ ዘገድስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋ ምዃን ዘይኰነ ናይዛ ምድሪ እዚኣ ዜጋታት ምዃና እዩ ክረጋገጽ ዘለዎ። እዚ ምስ እነስተውዕል ፍልልያት ኵሉ መጋበርያ ኵላዊ ዜግነት እዩ ዝኸውን። ስለዚ እዚ ንገዛእ ርእሱ ፖለቲካ እውን ከይተረፈ ናብ ሓባራዊ ጥቕሚ እዩ ዘሰጒም። እዚ ነቲ ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት ዘንቀሳቕስ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣምር እዚ ክዕወት ከኣ ናይ ኵሉ ብፍላይ ናይተን ዝማዕበላ ሃገራት ሓገዝ የድሊ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ቅዱስ ኢግናዚዮ ክዛረቡ ከለዉ ‘ኣስተውዕሎ’ ኣብ ብዙሕ ዝተሓላለኸን ጥውይዋይን መገዲ ክትጓዓዝ ዘኽእል ቡሶላ ምዃኑ ይገልጹ። ንሰብ እንታይ ዘድልዮ ይመስለኵም? ነዚ ምስትውዓል ክንመሃሮ የድሊ። ምስትውዓል እትብል ቃል ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንፈልጦም ሰባት ተዘኻኽረኒ። ቅድም ቀዳድም ኣብርሃም እዩ! ኣብርሃም ድሮ ብሱልን ዕዉትን ዝነበረ፡ ጐይታ ንዅሉ ነገራት ስድራ ቤቱ እውን ከይተረፈ ሓዲጉ ኪጓዓዝ ዝሓተቶ ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚህ ነፍሲ ወከፍና ናበይ ክኸይድ ቢሉ ይሕተት። መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ኸኣ ጐይታ ንኣብርሃም ከም ዝበሎ ባዕሉ ክነገረና እዩ። ኣእዳውና ንኽንቆጻጸር ዘይኮነ ኣምላኽ ኣእዳውና ክቈጻጸር ምፍቃድ እዩ። እቲ ዘገድስ ኣብዚ እዋን እዚ ሓይሊ - ስልጣን ብኸመይ ከም ዝርአ እዩ። ሓይሊ ከም ኣነ እየ ዝቆጻጸር። ድሕሪኡ ሰባት ዝቆጻጻርን ናይ ሓባር ጥቕሚ ከይሓሰብኩ ምስ ናይ ውልቂ ሸቶታተይ ዚሰማማዕ ነገር መሳለጢ ገይረ ክሓስቦ የብለይን። ስለዚ ንሕና ክንቆጻጸር ከም ዘይንኽእልን ንታሪኽ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣምላኽ ክንገድፎን ኣምላኽ ነዚ ብኸመይ ከም ዝገብሮ ክንመሃርን ከም ዘሎና ነታ ናቱ መገዲ ንኽንስዕብ እንታይ ትእምርትታት ከም ዝህበና ክንርዳእ ኣሎና። ምስትውዓል እምበኣር ከስ እዚ እዩ። ኣምላኽ ከም ሰብኣውያን ናበይ ኪወስደና ከም ዚደሊ ዝሕብር ምልክታ ታሪኽ ምንባብ ማለት እዩ። ከም ሰብኡትን ኣንስትን መጠን ነዚ ንኽንርድኦን ምልክታ ናይዚ ግዜና ምንባብ ክምነመሃርን የድልየና።

በዚ መዳይ እዚ ኸኣ ንዓመት ኢግናዚዮ ወይ ነቲ ኣብ መጀመርታ እተዘራረብናሉ ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ኣዋጅ ቅድስናኡ ከነንብቦ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ንሕሉፍ ኣብ ምጥማት ጥራይ ኣተሓጽረ ኣይኰነን . . . ብርግጽ! ነዚ ከም ተዘክሮ ምዝካር ማለት ከም ተዘክሮ ቅዱስ መጽሓፍ ጌርና ኢና እንርእዮ። ካብ ባርነት ምስሪ ዝወጹ፥ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ሕይወቶም ዝፈጸሞ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ምሕባር ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ዝገበረልካ ምዝካር እዩ። እቶም ሓሙሽተ ቅዱሳን ንኣምላኽ ኣብ ኣጸጋሚ ሓቅታት እውን ከይተረፈ ምስኡ ናይ ምርኻብ ዓሚቝ ተመክሮ ኣሕሊፎም እዮም። እቶም ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እነብዕሎም ሓሙሽተ ቅዱሳን እውን ዓቢይ ለውጢ ዘሕለፉ ሰባት እያቶም። . . . ጽምኢ ኣምላኽን ጽምኢ ወንጌልን ከም ዘሎ ዝፈለጡ፡ ካብ ገዛእ ርእሶም ዝወጹ ኣካል ህዝቢ እዮም። . . . ስለዚ ምዝካሮም ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ብፍቓድ ኣምላኽ ንኽንድረኽ እዩ። እቲ ኣሕዋት ዝገብረና ቅኑዕን ርትዓውን ዓለም ንኽንናጽ ዝድርኸና ብስራት ቃል ኣምላኽ ከነካፍል ዘተባብዕ ዝኽሪ እዩ።

ዕለት 13 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኽሪ ታሽዓይ ዓመት ሕርየቶምን ንዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ሕርየቶም ዘሰጋግር ዕለት እውን እዩ። ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. እንታይ ይስምዓኵም? ቅዱስ ኣቦና ካብታ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ነቲ ምስትውዓል ዝብል መገዲ ክንስዕብ እዮም ዝመርሑንናን ዝምዕዱናን። ስለዚህ ጵጵስናኦም ምስቲ ምስትውዓል ዝብል ቃል ዝተኣሳሰረ እዩ። ነዚ እሓስብ። ቀጺለ ኸኣ ብዛዕባ እታ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን እሓስብ። ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ክዛረቡ እንከለዉ እታ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘላ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እቶም ኣብ ጒዕዞ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቶም ንጐይታ ኣብ ተልእኾኡ ዝሰዓበ ህዝቢ እምላኽ እዮም ዝዛረቡ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ክሓብሩ ዘኽእሎም እንኰ መገዲ ተልእኾ ጐይታ ማለት ድሕነት ደቅሰብ እዩ። እዛ ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ኣዚኣ ኸኣ ብልክዕ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ኵሉ ሰብ ንተልእኾ ጐይታ ብምስዓብ ዚገብሮን ዘርእዮን ዝብሎን ከም ዘለዎ ዘነጽር ጒዳይ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሓስብ እንከለዅ ነዚ እየ ዝሓስብ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

12 Mar 2022, 16:17