ኣብ ኣፍሪቃ መገዲ ስፍሓት ሲኖዳውነት ዘጒልሕ ዘተ
ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 11 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ኣብ ናይሮቢ ኣብ ባህርያትን ስፍሓትን መስርሕ ሲኖዳውነት ተመርኵስካ ናይት ሲኖዳውነት ራእይ ዘስተንተነ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ኣብ ዛዕባ ሲኖዳውነት ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፍጻመ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ሲኖዳውነት ተበግሶታት ዝከታተል ሽማግለ፥ ሓልዮ ኪደት ሲኖዳውነት ኣብ ኣፍሪቃን ምስ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓቑፍ ኣፍሪቃዊ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ብምትሕብባር ዘዳለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ምሁራትን ክኢላታትን ካብ እተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ኢየሱሳውን ማሕበር ቤት ምኽሪ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ዝተዋጽኡ ምሁራት ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተመክሮታትን ብድሆታትን ብምክፋል ፍሉይነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃን ንጥፈታትን ኣብ ዞባውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንጥፈታት ሲኖዳውነትን እማእኪሎም ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ተበግሶ እዚ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሕብረትን ሱታፌን ተልእኾን” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ ክልተ ዓመት መስርሕ ሲኖዳውነት ክፍሊ ክኸውን እንከሎ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ብብዝትይ ሲኖዶስ ዝዛዘመ ኰይኑ ቅድሚ እዚ መዛዘሚ እዚ መስርሕ ሲኖዳውነት ኣብ ኵለን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ማሕበረሰብ ምእመናን ኣብ ዛዕባ ወሳኒ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ድምጾም ከስምዑ ዘተባብዕ እዩ።
ምስማዕን ልልያን - ኣስተውዕሎ
ኣብቲ ብቋንቋ እንግሊዘይናን ፈረንሳይናን ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ብሓፈሻውን ብናይ ዘተ ጉጅለታት ናይ ክቢ ጠረጴዛ መደብ ዘተ ተሰንዩ ዝተኻየደ ከምዝነበረን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ እናቴ ናታሊ በኵዋርት ተረኺበን ካብ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣትሒዝና ምስታ ንዅሉ ሰብ ኣብዚ ዲኖዶስ እዚ እትሓቍፍ ዘላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ፍጻመታት ንነብር ከም ዘሎና ብሰፊሕ ዘብርህ መደረ ከም ዘስምዓ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብተወሳኺ እውን ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለት ክፉት ምዃን ምስቲ ናይቲ ከባቢ መስርሕ ሲኖዳውነት ኣሰንዩ ፍረ ናይቲ መስርሕ ምእካብን እዚ ኸኣ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምክፋል ኣድላዪ ስለ ዝዀነ ናይ ምስትውዓል መገድታት ምስማዕን መሃዝነትን ኣድላዪ ምዃኑ ከምኡ እውን መንእሰያትን ደቀንስትዮን ንሲኖዳውነት ኣገዳሲ ሓይሊ ከም ዝዀኑ ብዘፊሕ ከም ዘጒልሓ ኣፍሊጡ።
ናይ ቤተ ክርስቲያን ብድሆታት ኣብ ኣፍሪቃ
እቲ ዓውደ ኣኼባ ብድሆታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ፥ ምስ ክርስቲያናዊ እምነት እተተሓሓዘ ባህላዊ እምነታትን ልምድታትን ከምኡ እውን ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ግደ ነዚ እውን ኣብ መርሕነት ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ንምትሕብባር ናይ ምእመናን ርእይቶ ኣብ ግምት ዘእቱን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ግጒይ ምርድእ ከይህሉ ኣብ ዝብሉ ዝተፈላለየ ነጥብታት እውን ከም ዝዘተየን ካብ ሰነጋል መንበረ ጥበብ ቻይክ አንታ ዲኦፕ ዝመጹ ፕሮፈሰር ዶክተር ፊሊፕ ቲነ ኣብ ኣፍሪቃ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳዊት ክትከውን እተካይዶ ዘላ ጻዕርን ኣብዚ ጻዕሪ እዚ ዘጋጥማ ዘሎ ዕንቅፋታት ጽን ክትብልን ክትሰምዕን ልልያ ክትገብርን ነቲ ኣፍሪቃውያን ዘሕልፍዎ ተመክሮ ከም ቀዳማይ ነጥቢ ብምምልካት ምምርማር ኣድላዪ ምዃኑ ዘረድእ መደረ ከም ዘስምዑን ብፍላይ ኣብ መንጐ ሲኖዳውነትን ባህልታት ኣፍሪቃን ዘሎ ምትእስሳር ሰፊሕ መጽናዕትን ምርምርን ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዝበለ ዜና ቫቲካን፥
ከም ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ራእይ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ
እቶም ኣብቲ መጽናዕታዊ ዘተ እተሳተፉ ናብ ዝዓበየ ምትሕብባር ዝመርሕ ስጒምትታት ክሓትቱ ከለዉ ንብምሉኡ እቲ መስርሕ ከም ናይ ተሓድሶ ጒዕዞ ገይሮም ከጒልሕዎ እንከለዉ ገለ ካብዚ ኸኣ ንቤተ ክርስቲያን ዘድልያ ነገራት ምልላይን ምስጢር ዘኽርብ ግልጽነትን ምትእምማንን ምህናጽ ከምኡ እውን ንቕጽና ወይ ትረት ዘሕድሩ ባህርያት ምስባርን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ናይታ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምትእምማን ለውጢ ምግባር፡ ምስ ኵሉ ፍጥረት ኣብ ሓባራዊ ቤትና ሓድነት ክህልወና ኣብ መንጐ ሃይማኖታውን ስነ ምግባራውን ኣጋጣሚታት ሓድነት ክህሉ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕ ንእተፈላለየ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ክቡር ዋጋ ምሃብ፡ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ምትሕብባር ውሉደ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናን ክተባባዕ ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
እቶም ተጋባእያን እታ ናይ ሳልሳይ ሺሓዊ ዓመት ቤተ ክርስቲያን መገዲ ሲኖዳውነት ክትቅበል ከምዘለዋን እምነት ብምምስካር ኣገዳስነት ሰባት ንምድንፋዕ ባህሊ ሲኖዳውነት ንምህናጽን ከም መጋበርያ ኰይኑ ከገልግል ኣድላይ ምዃኑ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።