ኣባ ሰመንኮቭ፥ ውግእ ዘቕርቦ ፍታሕ ዘላቕነት የብሉን
እቲ ዝፍነው ተወንጫፍን ቦምብታትን ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ንምዝብልናን ይዳርግ ምህላዉን ኣብ ዩክረይን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ - ኵርያን ከም እተወቕዔን ስግደትን ኣምልኾን ምፍጻም ዘጸግምን ብዙሓት ካህናትን ደናግል እውን ኣረገውንትን ኣንስትን ቈልዑን ካብ ሞት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ የሰንይዎምን ከም ዘለዉ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻ ክሃርኪቭ ዛፖሪዝዣ ኣመሓዳሪ ኣባ ግረጐርይ ሰመንኮቭ ብዋትስ ኣብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ይሕብሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዘሎ ኵነታት ኣዚዩ ሓደገይና እዩ። ናይ መጠንቀቕታ ጸረ ነፈርቲ ደወል ወትሩ እዩ ዘድምጽ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ከም እተወቐዐን ኣብ ከርኪቭ ዛፕሮዝያ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ - ኵርያ እውን ብኽፋል ከም እተወቕዔን ናይታ ሰበኽ ሓዋርያዊ ቤተ ምሕደራ ኣመሓዳሪ ኣባ ግረጎሪ ሰመንኮቭ ምስ ዜና ቫቲካን ብዋትስ ኣፕ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥
ሞትን ማህሰይትን
ኣብ ዩክረይን ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይት ዝዀነት ካብ ሩሲያ 70 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ክርኪቭ ካብተን ብውግእ እተተንከፋ ከተማ ከም ዝዀነትን በማኢት ዝቝጸሩ ከም ዝሞቱን ከም ዝቘሰሉን ብዙሓት እውን ይስደዱ ምህላዎም ገሊጾም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ናይታ ከተማ ሰበኻ ሓዋርያዊ ሕንጻ እውን ብኸፊል ተወቒዑ እዩ። ዝሞተን ዝቘሰለን የሎን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ካህናትን ደናግልን ቈልዑን ኣረጋውያንን የሰንዩ
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካህናትን ደናግልን ገዳማውያንን ዜጋታት ካብ ሞትን ማህሰይትን ንምድሓን ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ተዋፊሮም ብፍላይ ቈልዑን ኣረጋውያንን ኣደታትን ህይወቶም ንምድሓን ኣብ ዝገብርዎ ጒዕዞ የሰንዩዎም ከም ዘለዉ እውን ገሊጾም፡ ናብቲ ሓደገይና ዘይኰነ ቦታ ክግዕዙ ይድግፍዎም ኣለዉ።
ውግእ ይካየድ ስለ ዘሎ ኣገልግሎት ስግደትን ኣምልዀን ስርዓተ ቅዳሴ ተቛሪጹ እዩ። ናይታ ሰበኻ ኣቡን ኵላትና ካህናት ኣብኡ ክንተርፍ ኢና መሪጽ፡ ህዝቢ እውን ቤተ ክርስትያን ምስና ኣብዚ ክሳብ ዘላ ትስፉዋት ኢና እዩ ዝብል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።