ድለ

ናይጀሪያ፥ ናይ ርእሰ ሰበኻ ካዱና ካህን ተጨውዮም ናይጀሪያ፥ ናይ ርእሰ ሰበኻ ካዱና ካህን ተጨውዮም 

ናይጀሪያ፥ ናይ ርእሰ ሰበኻ ካዱና ካህን ተጨውዮም

ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ካብቲ ከባቢ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታት መሰረት ገይሩ፡ ብጀካ እቶም ካህን ካልኦት ዝተጨውዩ ሰባት እውን ከም ዘለዉን በቶም ዕጡቓት ሓይሊ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ እውን ከም እተወስዱ

ኣብ ናይጀሪያ ናይ ግዝኣት ካዱና ርእሰ ከተማ ዕለት 8 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ብረት ዝተዓጥቁ ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሞም ንናይታ ከተማ ርእሰ ሰበኻ ካህን ኣባ ጆሰፍ ኣከተህን ጨውዮም ካብቲ ቦታ ከም ዝወጹ ካብቲ ሰበኻ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደቡባዊ ከተማ ካዱና ክፍለ ከተማ ኩደንዳ ኣጽዋር ዝተዓጥቑ ሰባት ዕለት 8 መጋቢት ድሕሪ ዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ ኣባል ውሉደ ክህነት ርእሰ ሰበኻ ካዱና ኣብ ቍምስና ቅዱስ ዮሓንስ ዘገልግሉ ካህን ኣባ ጆሰፍ አከተህ ከም እተጨውዩን ሓደ ኣባል ሓለዋ ጸጥታ ከም እተቐትሉን ናይቶም ካህን ተራዳኢ ከም ዘምለጡ ካብ ርእሰ ሰበኻ ካዱና ዝወጸ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ካብቲ ከባቢ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታት መሰረት ገይሩ፡ ብጀካ እቶም ካህን ካልኦት ዝተጨውዩ ሰባት እውን ከም ዘለዉን በቶም ዕጡቓት ሓይሊ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ እውን ከም እተወስዱን ኣብቲ ርእሰ ሰበኻ ምእንቲ እቶም ዝተጨዉ ጸሎትን ምህለላን ይካየድ ምህላዉ የመላኽት።

10 Mar 2022, 16:50