ድለ

ካርዲናል ራንጂት፥ ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ ልዕሊ ንጡፋት ካቶሊካውያን ዝፍጸም ማእሰርቲ ከብቅዕ ይሓቱ ካርዲናል ራንጂት፥ ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ ልዕሊ ንጡፋት ካቶሊካውያን ዝፍጸም ማእሰርቲ ከብቅዕ ይሓቱ  

ካርዲናል ራንጂት፥ ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ ልዕሊ ንጡፋት ካቶሊካውያን ዝፍጸም ማእሰርቲ ከብቅዕ ይሓቱ

ኵሉ ሰብ ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ናይ ምግልጻ ናጽነት ኣለዎ እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ መሰረታዊ መሰል እውን እዩ

ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ ልዕሊ ንጡፋት ካቶሊካውያን ዝፍጸም ምፍርራሕ ከብቅዕ ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓቲቶም እቶም ዝተኣሰሩ ውሩይ ንጡፍ ካቶሊካዊ ማላካ ጋማጅ ብዘይ ግቡእ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጾም ናጻ ክልቐቑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰኑዕ ዕለት 14 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ውሩይ ንጡፍ ካቶሊካዊ መእሰይ ምእመን ጋማጅት ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምርኡይ ናይ ሰበኻ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማልኮልም ራንጂት ኮኒኖም እቲ ዝተወስደ ስጒምቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዝምልከት ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ዝግህስ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዘይግቡእ ማእሰርቲ

ካቶሊካዊ መንእሰይ ንጡፍ ምእመን ሸሃን ማላካ ጋማጀ ብኽፍሊ ገበነይና መርማሪ ሓይሊ ጸጥታ ኣባላት ካብ ቤቱ ተወሲዶም ከም እተኣሰሩን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ኵነታት በቲ ኣብ ፈይስ ቡክ ማሕበራዊ መረብ ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከም ዘቃለዑን ገሊጹ፥ ብጹዕ ካርዲናል ማልኮልም ራንጂት እውን ብወገኖም እቲ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ጭውያ ምዃኑ ብምግላጽ መንግስቲ ነቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን ዝተፈጸመ 270 ዜጋታት ንሞት ከምኡ እውን 500 ንከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ ዝዳረገ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ተሓተትቲ ንሕጊ ንምቕራብ መንግስቲ ዘካይዶ ናይ ይምሰል ምርመራ ዝነቕፉ ሰባት ከም ዝእሰሩን ገሊጾም ነዚ ተግባር እዚ ከም ዝኾነኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2019 ዓ.ም. በዓለ ፋሲካ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ

ጋማጅ ሓደ ካብቶም እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክጻረን ተሓተትቲ ንሕጊ ክቐርቡ ብዘይ ምቍራጽ ፍትሒ ዝሓቱ ከም ዝኾኑን ናይታ ሃገር ወሃቢ ቃል ሓይሊ ጸጥታ ኒሃል ታልዱዋ ጋማጅ ዝተኣስሩ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሃብዎ ርእዮት ምዃኑ እንክግለጹ ቅድም ክብል ኣብ 2021 ዓ.ም. እውን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕትን ብዛዕብኡ ዝህብዎ ርእይቶን ምኽንያት ፍታሒ ሓታቲ ክነሶም ንሸሞንተ መዓልቲ ብሓይሊ ጸጥታ መርመራ ከም እትገበረሎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ማእሰርቲ ዘይኰነስ ጨወያ እዩ ተፈጺሙ

ብጹዕ ካርዲናል ራንጂት ሓይሊ ጸጥታ ንሓደ ሰብ ንመርመራ ክኣስር ብወግዓውያን ማካይን ሓይሊ ጸጥታ ደኣ ይጥቀም እምበር ናይ ግሊ መኪና ክጥቀም ማእሰርቲ ዘይኮነስ ጨወያ እዩ ዝፍጸም ቢሎም ኣብ 1980 ዓመታት ብዙሓት በተን ጻዕዳ ማካይን ተወሲዶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ብዙሓት እውን ምዃኖም ኣዘኻኺሮም ሓደ ሰብ ንመርመራ ክውሰድ እንከሎ ገበኑ ክንገሮ ኣለዎ እምበር ኣይትጨውዮን፡ ስለዚ እቲ ሓይሊ ጸጥታ ዝፈጸሞ ዘሎ ተግባር ዘይስነ ምግባራውን ዘይ ስልጡን ኣገባብን እንክብሉ ገሊጾም ሓቂ ብምፍርራህ ምጭፍላቕ ዘይኮነስ ንሕቶ ህዝቢ ብቑዕን ግቡእን መልሲ ብምሃብ እዩ ዝረጋገጽ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናጽነት ኣብ ሓደጋ

ኣባል ኮሚተ ምእመናን ርእሰ ሰበኻ ኮሎምቦ ኣባ ሲሪል ጋሚኒ ፈርናንዶ እውን እቲ ኣብ ስሪ ላንካ ብጸዓዱ ናይ ግሊ ማካይን ዝፍጸም ሰባት ናይ ምእምሳር ተግባር ኣብ ሰማንያታት ይፍጸም ከም ዝነበረ ዘኪሮም እቲ እከይ ባህሊ ገና ከም ዘይጠፈአን ንስርዓት ደሞክራሲ እውን ዓቢይ ዕንቅፋት ብምዃኑ ክቕጽል ዘይብሉን ማንም ክድግፎ ዘይግብኦ እዩ። ኵሉ ሰብ ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ናይ ምግልጻ ናጽነት ኣለዎ እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ መሰረታዊ መሰል እውን እዩ እንክብሉ ብዛዕባ ማእሰርቲ ጋማጅ ኣደገፊም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘመልከቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

17 Feb 2022, 17:22