ድለ

ኣብ ሮማ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን ኣብ ሮማ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን 

ኣብ ሮማ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን

ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን ዕለት 12 ለካቲት ብምኽንያት ዕለት 14 ለካቲት ዓመታዊ በዓል እዞም ቅዱሳን ኣሕዋት ሓለውቲ ኤውሮጳ

ዕለት 14 ለካቲት ዓመታዊ በዓል ናይ ኤውሮጳ ሓለውቲ ቅዱሳን ስላቫውያን ቅዱስ ቀርሎስን መጢዮዶስን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ቀለመጦስ ኣብ ስሎቫኪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ጆርዳኖ ብዝሰርዕዎን ብማሕበረሰብ ምእመናን ስሎቫኪያ ብዝተመርሐ መንፈሳዊ መዛሙር ዝተሰነየ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተፈጸመ ስዒቡ እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብታ ጥንታዊት ባዚሊካ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ቀርሎስ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝዓረፈሉ ስፍራ ብዝተፈጸመ መንፈሳዊ ንግደት ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ስሎቫኪያን ቸክን ክሮኣሺያን ስሎቨኒያን ጳጳሳዊ ተቕዋም ብዘዳለውዎ መደብ ተሰንዩ ዕለት 14 ለካቲት ዓመታዊ በዓል ሓለውቲ ኤውሮጳ ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ቀለመንጦስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተርኽብሉ ስነ ስርዓት ኣብ ስሎቫኪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ማሪዮ ጆርዳኖ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን ዕለት 12 ለካቲት ብምኽንያት ዕለት 14 ለካቲት ዓመታዊ በዓል እዞም ቅዱሳን ኣሕዋት ሓለውቲ ኤውሮጳ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር በዓል መዚ ኣባ ማረክ ዱርላክ ሰዓት 11.30 ብናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ልሂቅ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ጆሰፍ ቶምኮ ተሰንዮም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስሎቫኪያ ልኡከ መንግስቲ ማረክ ሊሳንክስኪን ናይ ረፓብሊካዊት ቸክ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ቫችላቭ ኮላጃን ከም ዝሓበሩን ገሊጹ፥ ድሕሪ ፍጻሜ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ናይ ስሎቫኪያዊ ጳጳሳዊ  ተቕዋም ኣበ ነፈስ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፒተር ጂራሰክ ዘሰናደውዎ ናይ ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን ቅዱሳን ኣሳዕል ምርኢት ከም ዝቐረበ ኣፍሊጡ።

15 Feb 2022, 17:13