ድለ

2020.02.21 Stanislaus Gadecki Arcivescovo presidente della conferenza episcopale della polonia 2020.02.21 Stanislaus Gadecki Arcivescovo presidente della conferenza episcopale della polonia 

አቡናት ፖላንድ ስለ ሰላም ንጸሊ ብማለት ጻውዒት ኡክራይና ናብ ኣቡናት ሩስያን ኡክራይናን የቅርቡ!

ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት ቤተክርስትያን ፖላንድ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት እስታኒስላው ጋደኪ ናብ ፓትርያርክ ኪሪልን ናብ ጳጳሳት ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተክርስትያን ኡክራይናን መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት፣ ‘ናብ ጽልኢ ኣይትዘምቡሉ እኳ ናብ ዕርክነት ሓድሕድ ዘምብሉ። እዚ መንፈስ እዚ መሰል ኩሉ ሕዝቢ ክሳብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ውሕስነት ዝህብ ኩነት እዩ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን!

እቲ ኣብዚ ዕለታት እዚ ዝጋዋሕ ዘሎ ውግእን ወረ ውግእን ዘሻቀሎም ጳጳሳት ሃገረ ፖላንድ ምስ ምሉእ ሕዝቦምን ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘሎዎም ተኸተልቲ ክርስቶስን ኰይኖም እዚ ደመና ውግእ እዚ ንክእለ መራሕቲ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ምናዳ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተክርስትያን ዝተኻእሎም ንክገብሩ ‘መንፈሳውያን ሓይላት ናይ ኩሎም ኣብ ሩስያን ኡክራይናን ፖላንድን ዝርከቡ ዝተፈላለያ ብክርስቶስ ዚኣምና ማሕበረ ክርስትያን ብምትሕብባር ኣብዚ ዞባና ካልእ ውግእ ከይለዓል ንምውጋዝ ንስመር’ እንክብሉ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት አቡነ እስታኒስላው ጋደኪ ናብ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ጳጳሳት ሩስያን ኡክራይናን ጽሒፎም።

እዚ መልእኽቲ ካብ ዝተጻሕፈሎም ናይ ሞስኮን መላእ ሩሳን ፓትርያርክ ክሪልን መትሮፖሊታ ናይ ክየቭ ኦኖፍርዮ ቀዳማዊ መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኡክራይና አፒፋኖስ ከማኡ እውን መትሮፖሎቲኣ ክየቭን ኩላ ሩሶ ኡክራይናን ኣውቶሸፋላ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኡክራይና ቀዳማዊ መራሒ ሊቀ ጳጳስ ሽውያቶስላው ናይ ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቀዳማይ መራሒ ኣቡነ ፓውሎ ፐዚን ይርከብዎም።

ብፁዕነቶ ነዚ ጻውዒት እቲ ንክመጽእ ንዘለዎ ሞትን ስቃይን ንምውጋድ ዝቀርብ ገዓር እንክብሉ ይሰምይዎ እሞ ቀንዲ ንክጽሕፉ ዘድፈሮም ከኣ ከም ጐረቤት ሓውን ካብቲ ንሩስያን ኡክራይናን ዝተኣሳስር ሓባራዊ ታሪኽን ቅዱስ እምነት ክርስትናን ከምዝኾነን ነዚ መዓት እዚ ንምቊራር ጐይታ ጸጋኡ ክህብ እሞ ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ሞት ኣሽሓት ንጹሓንን ናይቶም ድኹማትን ዝከላኸል ዘይብሎምን ስቃይን ሞትን ክከከላኸስል ኣብ ምህለላ ከምዘለው ገሊጾም።

ዝኾነ ውግእ ትራጀዲ ዘመድ ኣዳም ከምዝኾነን ሕይወት ብዙሓት ግለሰባትን ስድራቤታትን ስለዝቀዝፍ ከም መራሕቲ እምነት ብመንፈስ ምሳኦም ሓቢሮም እዚ ውግእ እዚ ንከይከውን ንሓድሕዶም ፍሉይ ዕርክነት ምክብባርን ብምፍጣር ክጽዕሩ ሓደራ ኢሎም።

በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎ ‘ሓደ ውግእ ካልእ ውግእ የስዕብ’ ንዝበልዎ ብምዝኽኻር ክብሪ ሓድሕድ ክሳብ ርእሰ ምሕደራ ከምዝሕሎ ብምግባር ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ሰንሰለት ውግእን ዕንወትን ክግታእ ከምዝከኣል ገሊጾም።

ካብዚ ጽላለ ውግእ ንክድሕኑ ነቶም ሰበኽቲ ወንጌል ናይቲ ዓዲ ዝኾኑ ቅዱሳን ቄርሎስን መተድዮስን ብምምሕጻን እግዚአብሔር ልቢ መራሕቲ እዘን ሃገራት ክልውጥ እሞ ኣብ ዘተን ሰላምን ክብጻሕ ኣብ ክርስቶስ ንዘሎና እምነት ብሓባር ኣጣሚርና ንጸሊ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 Feb 2022, 13:37