ድለ

ናይጀሪያ፥ ተጨውዮም ዝነበሩ ካህን ናጻ ተለቒቖም ናይጀሪያ፥ ተጨውዮም ዝነበሩ ካህን ናጻ ተለቒቖም 

ናይጀሪያ፥ ተጨውዮም ዝነበሩ ካህን ናጻ ተለቒቖም

ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ላዕልዎት ሓለፍቲ በርገሳውያን ማሕበራት መንግስቲ ንህይወትን ንብረትን ዜጋታት ንምዕቋብ ዝሕግዝ ህጹጽ ስጒምቲ ክወስድ ጻውዒት ብምቕራብ ዘለዎም ስግኣት ከም ዝገለጹ

ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ካዱና እትርከብ ኣብ ከተማ ኢኵሉ ናይ ቁምስና ቅድስቲ ሞኒካ ቆሞስ ኣባ ጆሰፍ ሸካሪ ንመዓልታት ተጨውዮም ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 8 ለካቲት ናጻ ከም እተለቁ ናይ ናይጀሪያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 6 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ተጨውዮም ዝነበሩ ኣብ ናይጀሪያ ናይ ሰበኻ ካፋንቻን ካህን  ኣባ ጆሰፍ ዳንጁማ ሸካሪ ዕለት 8 ለካቲት ናጻ ከም እተለቁ ናይ ናይጀሪያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ እቶም ካህን ኣብ እተጨወዩላ ዕለት ዝተቐትሉ ናይታ ቁምስና ሰራሕተይና ኵሉ ክጽልን ኣብ ሰበኻታት ግዝኣት ካዱና ናይ ፍትሓት ጸሎት ከም ዝዓረገን እቶም ኣብ መላእ ናይጀሪያ ኣብ ኢድ ጨወይቶም ዘለዉ ናጻ ክልቐቑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ሓቢሩ።

ኣብ ናይጀሪያ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ እስላማዊ መንግስቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስ ዝብል ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና  ምትእስሳር ዘለዎ ባኮ ሃራም እንክብል ገዛእ ርእሱ ዝጽውዕ ጒጅለ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዙሕ መጥቓዕትን ግብረ ጨወያን ዝፍጽም ምዃኑ ክንገር እንከሎ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ላዕልዎት ሓለፍቲ በርገሳውያን ማሕበራት መንግስቲ ንህይወትን ንብረትን ዜጋታት ንምዕቋብ ዝሕግዝ ህጹጽ ስጒምቲ ክወስድ ጻውዒት ብምቕራብ ዘለዎም ስግኣት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Feb 2022, 17:27