ኣብ መዲትራኒያን ንስደተይናታት ዘጓንፎም ብድሆታት ዘጒልሕ ዓውደ ኣኼባ
ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ኣቡናትን ከንቲባታትን ዘሳትፍ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ናብተን ኣብ መዲትራኒያ ዘዳወባ ሃገራትን ስደተይናታት ዘጓንፎም ብድሆታትን ንምጒላሕ ዝኣመተ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ ካብ ዕለት 23 – 27 ለካቲት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፊረንዘ ክካየድ ምዃኑን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ድራጊ ክሳተፉን እቲ ዓውደ ኣኼባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑ ዕለት 10 ለካቲት ዛዕባ እዚ ዝተወደበ ዓውደ ኣኼባ መደባቱ መሰረት ዝተወሀበ ጋዜጣዊ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓውደ ኣኼባ ጳጳሳትን ከንቲባታትን ሃገራት ዞባ መዲትራኒያን ካብ ዕለት 23 – 27 ለካቲት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፊረንዘ ኪካይድ ከም ዝኾነን እዚ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ኣብ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ “መዲትራንያን ዶብ ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብ ንምቕጻል ኣጋጣሚ ዝኸፍት ከም ዝዀነ ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ኣሰናዳኢ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ፥ ብፍሉይ ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ንኽስደዱ ኣብ ሜዲትራኒያ ባሕሪ ዘጋጥሞም ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው መንቅሊ ስደትን ብድሆታ ጉዕዞ ሜድትራኒያን ኣብ ዝብል ነጥቢ ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳትን ከንቲባታትን ብሓባር ክዝትዩ ምዃኖም የመላኽት።
ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ፐሩጃን ከተማ ፒያቨን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ዝተመርሐን ናይ ከተማ ፊረንዘ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ በቶሪን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶኒኖ ራስፓንቲን ናይ ከተማ ፊረንዘ ከንቲባ ዳሪዮ ናርደላን ዘሳተፈን እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣገዳስነት እቲ ዓውደ ኣኼባ
ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ እቲ ኣብ ፊረንዘ ንኽካየድ እትወደበ ዓውደ ኣኼባ ናይቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ብሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተነቓቒሑ ተመሪሑ ናይ ዝተኻየደ ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ጳጳሳትን ከንቲባታትን ዓውደ ኣኼባ መቐጸልታ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዘን ሃገራት እዚኣተን ነቲ ዘጋጥም ብድሆታት ብውልቅን ብሓባራን ከመይ ገይረን ክገጥመኦ ከም ዘለወን ሓሳብ ዘቕርብ እውን ምዃኑ ሓቢሩን ኣብ ከባቢ ሃገራት መዲትራኒያን ዝርአ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ብሓባር ኰይነን ክገጥመኦ ዘተባብዕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ናይ ከተማ ፊረንዘ ከንቲባ ናርደላ እውን ብወገኖም ዝሓለፉ ናይ ከተማ ፊረንዘ ከንቲባ ጆርጆ ላ ፒራ ኣብ መዲትራኒያን ከባቢ ሃገራት ዝነበረ ድኽነትን ስእነት ስራሕን ንምዳህ ዘበገስዎ ናይ 1955 ዓ.ም. ኣኼባ ዘኪሮም ሎሚ እውን ብተምሳሳሊ መገዲ ነቲ እዋናዊ ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ብድሆታት ብሓባር ንምግጣም ዝጽዕር ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ሰበ ስልጣናት
ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶኒኖ ራስፓንቲን እውን ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ እቲ ኣኼባ ዕለት 23 ለካቲት “ከተማታት ሜዲትራኒያንን ዜጋታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ብዝቐርብ መደረ ከም ዝኽፈትን ዕለት 24ን 25 ለካቲት ንሰላም ኣበርክቶ ንምግባር ኣቡናት ኣብ “መሰላትን ግዴታታትን” እተን ኣብ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ዘለዋ ሃይማኖታትን ማሕበረሰባትን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘተኰረ ክኸውን እዩ። . . . ዕለት 26 ለካቲት ተጋባእያን ኣቡናትን ከንቲባታትን ዝፍረም ናይ ሓባር ናይ ውዕል ሰነድ ከሰናድዉን ዕለት 27 ለካቲት ሰንበት ንጐሆ ቅድም እቲ ንመዕጸዊ እቲ ኣኼባ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መስቀል ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከቕርቡሎም ከም ዝኾኑ ሓቢሮም ኣተሓሒዞም እውን ነቲ ቀጻሊ ዝኾነ መስርሕ ሲኖዳውነት ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተበግሶ እዚ ክትቕበሎ ከም ዘለዋ ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ ኵሎም እቶም ዝተጠመቝ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ብብርሃን ወንጌል ብምስትውዓል ፍታሕ ንኺረኽቡ ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመሰረት እቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ኣቢሎም መፍትሒ ኣብ ምቕራብ እጃሞም ከበርክቱ ንምንቕቓሕ ዝዕድም እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እንግዶት ፊረንዘ
ናይ ከተማ ፊረንዘ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል በቶሪ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ተጋባእያን ኣቡናትን ከንቲባታትን ከተማ ፊረንዘ ኣአንጋዲት ከተማ ምዃና ዝገልጽ ባህላውን ታሪኻውን ቦታታት ንኽበጽሑ መደብ ከምዘሎን እቲ ዑደት ሓሙሽተ ምዕራፍ ዘለዎ ምብጻሕ ኰይኑ እቲ ቀዳማይ ምስ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝተተሓሕዘ ኰይኑ ኣብ መንጐ ስነ ጥበብን እምነትን ዘሎ ምትሕንፋጽ ዘርእን እቲ ካልኣይ ጆርጆ ላ ፒራ ናይ ከተማ ፊረንዘ ከንቲባ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣገልግሎቶም ዘጽደቕዎም ሕግታትን ነገልግሎት ዝብል ዕዮም ዝድህስስ ኣብ ሜዲትራኒያን ዝሃብዎ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘነጽር እዩ እቲ ራብዓይ ኣብ ስነ ምግባራውን ሃይማኖታውን መዳይ ዘተኰረ ኣብ መወዳእታ ከኣ ግብረ ሰናይን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊረንዘ ዝብል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣኼባ ከንቲባታት
ከንቲባ ከተማ ፊረንዘ ናርደላ ኣስዒቦም ነዚ ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣኼባ እዚ ኣብ ፊረንዘ ንኽካየድ ስለ ዝተወሰነን ከተማ ፊረንዘ ብምሕራያ ኣመስጊኖም ናይ ሃገራት ዞባ መዲትራኒያን ከተማታት ከንቲባታት ንምእካብ ኣብ 1955 ዓ.ም. ናይ ከተማ ፊረንዘ ታሪኻዊ በዓል ርሑቕ ኣማቲ ላ ፒራ ዝፈጸምዎ ዓቢይ ዕማም ዘኪሮም ብሓቂ ዘዅርዕ ልምድን ኣብነታውን እውን እዩ ቢሎም፡ ከንቲባታት ዘካይድው ኣኼባ ዘጠቓልል መደብ እውን ምህላውን እዚ እውን ብዛዕባ እተፈላለዩ ኣርእስታት ክመያየጡ ኣጋጣሚ ዝፈጥረሎም እዩ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕቤት ዞባ ሜድትራንያን ድሕንነት ጥዕና ክንክን ከባቢ ከምኡ እውን ጸኣት ስደተይናታት ዝብል እጠቅስ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ል`ኢ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ኣኼባ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መስቀል ከዕርጉን ፍሪቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክልግሱን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከዕርጉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።