ቄጵሮስ፥ ነቶም ዝተጠንጠኑን ከም ጓሓፍ ዝሕሰቡ ኣረጋውያን ዝናብያ ደናግል
ደናግል ፍራንቸስካውያን ዘቕዱስ ልቢ ኣብ ቄጵሮስ ከተማ ላርናካ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ዘገልግላ ዘለዋ ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝዀኑ ኣረጋውያን ብሰብኣውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ቀረባ ኮይነን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ነቶም ካብ ኣገግሎት ወጻኢ ቢሉ እዋናዊ ዓለም ዝንጽሎምን በቲ ጓሓፋይ ባህሊ ዝመዝኖም ክፍሊ ሕብረተሰብ ብተወፋይነት የገልግላ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እዘን ደናግል እዚኣተን ዘገልግላሉ መእለዪ ኣረጋውያን “ቅድስቲ መሬት” ዝብል መጸውዕ ዘለዎን ኣብ ሰብዓታት ዝተሓንጸ ብናይ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቓቢ በዓል መዚ ብዘቕርቦ ሓገዝ ዝመሓደርን ጥቓ ኣብታ ከተማ ዘላ ቁምስና ዝርከብ ከም ዝዀነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ኣረጋውያን
ኣብቲ ክሳብ 38 ዝዀኑ ኣረጋውያን ከአንግድ ዝኽእል መእለዪ ኣረጋውያን ህንጻ፥ ካቶሊካውያን ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ኣርመናውያን ኣንግሊካውያን ኣይሁዳውያን ኣስላምን ዝውክሉ ከም ዝርከቡ ሓላፊት እቲ ማእከል እናተ ጀርማና ቶማ ገሊጸን፥ ምስ ሓሙሽተ ደናግልን ሓኻይምን ኣለይቲ ሕሙማንን ኰይነን ነዞም ኣባላት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝዀኑ ኣረጋውያን ይኸናኸናን ከከም ሃይማኖቶም ከኣ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ። እቶም ኣብቲ መእለዪ ኣረጋውያን ዝኣትዉ ናይ ምሕዋይ ተስፋ ዘይብሎም ኣባይቲ ስድራኦም እውን ንኸሕክምዎም ኤኮኖሚያዊ ዓቕሚ ዘይብሎም እቲ ዘጋጠሞም ሕማም ዝሓቶ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ መዓልትን ለይትን ክከታተልዎም ኵለ መዳያዊ ዓቕሚ ካብ ዘይብለን ኣባይቲ ስድራ ዝመጹ እያቶም። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፥ እቲ ‘ጓሓፋይ ባህሊ’ ንዝተፈላለየ ስቓይ ዘቃለዖም ተረሲዖምን ተነጺሎምን ኣብ ስቓዮም ንኽነብሩ ዝተገዱ እያቶም። “ልዕሊ ዝዀነ ይዅን ጸገምናን ስቓይናን ክርስቶስ ህያው እዩ። ነቲ ዝቖሰለ ኣካሎም ምትንካፍ ከኣ ናይ ኢየሱስ ኣቑስል ምትንካፍ ኣሎ፡ ምእንታና ተሳቝዩ እዩ። ስለዚ ነዞም ኣረጋውያን እዚኣቶም ገዛእ ርእስና ኸንውፍየሎም ዝደልየና ኸኣ ንሱ እዩ” ኢለን።
ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ቍምስና
ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቄጵሮስ እትርከብ ሳልሰይቲ ዓባይ ከተማ ላርናካ ዝርከብ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብርትን ዓቃቢ በዓል መዚ ዘመሓድራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቍምስና ቅድስተ ማርያም ጸጋዊት ጥቓ ዝርከብ መእለዪ ኣረጋውያን ክኸውን እንከሎ ኣብታ ከተማ ካብ 1300 ዓመታት ኣትሒዙ ዝነበረ ካብ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብርትን ዓቃቢ ዝመጹ ኣሃው ዘቖምዎ ገዳም ኣሃው ፍራንቸስካውያን ዝርከበሉ ስፍራ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ሒደት ምእመናን እኳ እንተለዉ ካብ ግሪኽን ስሪ ላንካን እንግሊዝን ኣየርላንድን ከምኡ እውን ካብ ፊሊፒንስ ዝመጹ እተፈላለየ ቋንቋን ባህልን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ምእመናን ኣብ ሰናብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝረኽቡሉን ከከም ቋንቋኦም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉን በቢ ቋንቋኦም እውን መስዋዕተ ቅዳሴ ዝከታተልሉ ቍምስና ምዃኑ ይሕብር።