ድለ

2022.02.04 Locandina Giornata contro la tratta 2022 2022.02.04 Locandina Giornata contro la tratta 2022 

ሕሱም ቊስሊ ዘመንና ንዝኾነ ንግድ ደቂሰባት ጸሎትን ኣስተንትኖን!

ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይታ ብሕሱም ጐዳና ባርነት ተጓዒዛን ተሳቅያን ኣብ ቅድስና ዝበጽሐት ቅድስት ጁሰፒና ባኪታ ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎትን ኣስተንትኖን ንምፍዋስ ሕሱም ቊስሊ ዘመንና ዝኾነ ንግድ ደቂሰባት ይግበር፤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚ ኣብሔር ኣዘካርሮም ነሮም።

ዜና ቫቲካን!

ነዚ ኣብ ዘመንና ገኒኑ ዘሎ ንክትዝክሮ ጥራይ ዘስካሕክሕ ክብርን መሰልን ደቂሰባት ዝግህስ ብኣርኣያን ኣምሳልን ንዝተፈጥረ ወዲሰብ ከም ማንም ኣቅሓ ምሻጥን ምልዋጥን ናይ ዘመንና ዝሓሰመ ቊስሊ ክብሉ ዝጸውዕዎ ቅዱስነቶም ዕምቈት ናይዚ ቊስልን ቃንዛኡን ድሕሪ ምግላጽ ዘሕፍር ሃነፍነፍ ጥቅምን ቊጠባዊ መኽሰብን ንወዲሰብ ኩሉ ክብሪ ከምዝነፍግ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።

“ብዙሓት ኣዋልድ ኣብ ጐዳናታት ንዕዘበን ኢና! እወ ብዙሓት ኣዋላድ ምንም ነጻነት ዘይብለን በራዩ ናይ ሸቀጥቲ ደቂሰባት ኰይነን ኣብ ጐዳናታት ክሰርሓ ብምንዝርና ገንዘብ እንተዘየምጺኤን ኣደዳ መውቃዕቲ ዝኾና ኣለዋ፤ እዚ ሎሚ ኣብ ከተማታትና ዝኸውን እዩ፤ እዚ ንመሰል ደቂሰባት ረጊጽካ ቊጠባዊ ጥቅሚ ንምርካብ ዝግበር ዘሕፍር ተግባር እዩ ኢሎም ነሮም።”

ዝኽሪ ናይዚ ኣነዋሪ ተግባርን ንምውጋዱ ዝግበር ጸሎትን ኣስተንትኖን ከኣ ኣብ ዝኽሪ በዓል ቅድስት ባኪታ ክኸውን ተወሲኑ፤ እዛ ዓለምለኻዊ ምልክት ቃልሲ ቤተክርስትያን ተጻይ ንግድ ደቂሰባት ዝኾነት ቅድስት እዚኣ ብ1869 ኣብ ዳርፉር ዝበሃል ዓዲሱዳን ተወሊዳ ገና ጓል 9 ዓመት እንከላ ንባርነት ተሸይጣ፤ እቲ ባኪታ ዝብል ስም እውን በቶም ሽዑ ዝዓደግዋ እዩ ተዋሂብዋ ትርጉሙ ከኣ ዕድለኛ ማለት ኰይኑ ንክብርን መሰልን ደቂሰባት ዓቢ ጽፍ ዒት ምዃኑ እዩ፤ ካብዚ ብዙሕ ውርደትን ጭንቅን ተሰጊሩ ብረድ ኤት እግዚኣብሔር ኣብ ሃገረ ጣልያን እምነት ትቅበል፤ ብመብጽ ዓ ን እግዚኣብሔር ዝተወፈየት ድንግል ትኸውን ድሕሪ ሞታ ታሪኽ ነጻነታ ንብዙሓት ምልክት ተስፋ ኰይኑ።

ሎምዘመን ንሻምናይ ግዜ ዝዝከር ዘሎ ዓለምለኸ ዕለት ተቋውሞ ንግድ ደቂሰባት ‘ሓይሊ ሓልዮት፤ ደቂ ኣንስትዮ ቁጠባን ንግድ ደቂሰባትን’ ብዝብል ተማ ይዝከር ኣሎ፤ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ 72 ሚ እታዊ ግዳይ ንግድ ደቂሰባት ሕጻናትን ደቂኣንስትዮን ምዃኖም የመልክት፤ ኣብ ርእሲኡ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ናይቶም መሃይምነት ዘየጥፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብና ደቂኣንስትዮ ምዃነን እውን ይምልከት፤ ብሓቂ ድርብ ወጽዓ እዩ። ከምኡ እውን ሥራሕ ናይ ምርካብ ዕድል 90 ሚ እታዊት ንደቂተባዕትዮ ኮይኑ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ ክልተ ሲሶ እዩ፤ 30 ሚ እታዊት ናይ ደቂኣንስትዮ ዓለምና ኣይመሃራ ኣይሰርሓ ምንም ዓይነት ሥልጠና ኣይረኽባ፤ ነዚ ዘጋድድ ከኣ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስ ዓቦ ቅልውላው ኣሎ።

ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብም እታው ሎሚ ካብ ሰዓት ትሽ ዓተ ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ብበይነ መረብት ብቀጥታ ክጽለ ውዒሉ። ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለምና ከኣ ምስክርነታት ቀሪቡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 Feb 2022, 13:45