ሕሱም ቊስሊ ዘመንና ንዝኾነ ንግድ ደቂሰባት ጸሎትን ኣስተንትኖን!
ዜና ቫቲካን!
ነዚ ኣብ ዘመንና ገኒኑ ዘሎ ንክትዝክሮ ጥራይ ዘስካሕክሕ ክብርን መሰልን ደቂሰባት ዝግህስ ብኣርኣያን ኣምሳልን ንዝተፈጥረ ወዲሰብ ከም ማንም ኣቅሓ ምሻጥን ምልዋጥን ናይ ዘመንና ዝሓሰመ ቊስሊ ክብሉ ዝጸውዕዎ ቅዱስነቶም ዕምቈት ናይዚ ቊስልን ቃንዛኡን ድሕሪ ምግላጽ ዘሕፍር ሃነፍነፍ ጥቅምን ቊጠባዊ መኽሰብን ንወዲሰብ ኩሉ ክብሪ ከምዝነፍግ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።
ዝኽሪ ናይዚ ኣነዋሪ ተግባርን ንምውጋዱ ዝግበር ጸሎትን ኣስተንትኖን ከኣ ኣብ ዝኽሪ በዓል ቅድስት ባኪታ ክኸውን ተወሲኑ፤ እዛ ዓለምለኻዊ ምልክት ቃልሲ ቤተክርስትያን ተጻይ ንግድ ደቂሰባት ዝኾነት ቅድስት እዚኣ ብ1869 ኣብ ዳርፉር ዝበሃል ዓዲሱዳን ተወሊዳ ገና ጓል 9 ዓመት እንከላ ንባርነት ተሸይጣ፤ እቲ ባኪታ ዝብል ስም እውን በቶም ሽዑ ዝዓደግዋ እዩ ተዋሂብዋ ትርጉሙ ከኣ ዕድለኛ ማለት ኰይኑ ንክብርን መሰልን ደቂሰባት ዓቢ ጽፍ ዒት ምዃኑ እዩ፤ ካብዚ ብዙሕ ውርደትን ጭንቅን ተሰጊሩ ብረድ ኤት እግዚኣብሔር ኣብ ሃገረ ጣልያን እምነት ትቅበል፤ ብመብጽ ዓ ን እግዚኣብሔር ዝተወፈየት ድንግል ትኸውን ድሕሪ ሞታ ታሪኽ ነጻነታ ንብዙሓት ምልክት ተስፋ ኰይኑ።
ሎምዘመን ንሻምናይ ግዜ ዝዝከር ዘሎ ዓለምለኸ ዕለት ተቋውሞ ንግድ ደቂሰባት ‘ሓይሊ ሓልዮት፤ ደቂ ኣንስትዮ ቁጠባን ንግድ ደቂሰባትን’ ብዝብል ተማ ይዝከር ኣሎ፤ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ 72 ሚ እታዊ ግዳይ ንግድ ደቂሰባት ሕጻናትን ደቂኣንስትዮን ምዃኖም የመልክት፤ ኣብ ርእሲኡ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ናይቶም መሃይምነት ዘየጥፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብና ደቂኣንስትዮ ምዃነን እውን ይምልከት፤ ብሓቂ ድርብ ወጽዓ እዩ። ከምኡ እውን ሥራሕ ናይ ምርካብ ዕድል 90 ሚ እታዊት ንደቂተባዕትዮ ኮይኑ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ ክልተ ሲሶ እዩ፤ 30 ሚ እታዊት ናይ ደቂኣንስትዮ ዓለምና ኣይመሃራ ኣይሰርሓ ምንም ዓይነት ሥልጠና ኣይረኽባ፤ ነዚ ዘጋድድ ከኣ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስ ዓቦ ቅልውላው ኣሎ።
ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብም እታው ሎሚ ካብ ሰዓት ትሽ ዓተ ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ብበይነ መረብት ብቀጥታ ክጽለ ውዒሉ። ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለምና ከኣ ምስክርነታት ቀሪቡ።