ዛዕባ መዲትራኒያን ዞባ ዝምክር ዓውደ ኣኼባ፥ ፈላላይ መንደቕ ምቛን ንዋላ ሓደ ኣይጠቅምን!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ኣብ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ “መዲትራንያን ዶብ ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ጳጳሳት ዘካየድዎ ናይ ሓባር ዘተ ንምቕጻል ኣጋጣሚ ዝኸፍት ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ኣቡናትን ከንቲባታትን ዘሳትፍ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ናብተን ኣብ መዲትራኒያ ዘዳውባ ሃገራትን ስደተይናታት ዘጓንፎም ብድሆታትን ንምጒላሕ ዝኣመተ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ ካብ ዕለት 23 – 27 ለካቲት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፊረንዘ ክካየድ ከም እተወሰነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓደ ካብቶም ኣብዚ ዓውደ ኣኼብ እዚ ዝሳተፉ ተወላዲ ከተማ ፊረንዘ ኣብ ቱርኪ ናይ ሰበኻ ኣናቶሊያ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ቢዘቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ፈላላይ መናድቕ ምቛን ዝህቦ ውሕስነት ከም ዘየለን ንዋላ ሓደ ዝጠቅም እውን ከምዘይኮነ የመላኽቱ።
ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታት
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2022 ዓ.ም. ኣብ ዶብ ግሪኽን ቱርክን 21 ስደተይናታት ከም ዝሙቱን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 2021 ዓ.ም. ማለት ካብ ወርሒ ጥሪ - ለካቲት 55 ስደተይናታት ከም ዝሞቱ ኣህጉራዊ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታት ዝሃቦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም ኣብ ዶብ ቱርክን ግሪኽን ዝርከቡ ስደተይናታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንኸይኣትዉ ምዕጋት፥ “ምስቲ መግንስታት ኣብ ትሕቲ ኣህጉራውን ዞባውን ሕጊ ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ምስጓግ ክልኵል እንክብል ዝእዝዞ ዓንቀጽ ዝተቐበለኦን ዝኣተወኦ ምብጻዓታትን ግዴታን ዝጻረር እዩ” ዝብል ናይቲ ውድብ መግለጺ ኣደጊፉ የመላኽት።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ፊረንዘ ኣብ መወዳእታ ወርሕ ለካቲት ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ኣማእኪሎም ኣብ ቱርክ ናይ ኣናቶሊያ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ቢዘቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ዕላማ ሓድነት ምርካብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ። ስለዚህ እቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን መንግስታትን ዞባ ሃገራት መዲትራኒያን ዝግበር ኪዳን ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንኰ ኪኸውን ዘለዎ ሓባራዊ ጥቕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝኣምን እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ኣቡዳቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ሳልሳይ ዓመቱ ተባዒሉን ካልዓይ መዓልቲ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕውነት እውን ኣብዒልና፡ እዚ ሰነድ እዚ ንመንግስታትን ፖለቲከይናታት ዓቢይ ሕቶ እዩ . . . መራሕቲ ሃይማኖት ንሓድሕዶም ንኺከባበሩን ንኺሰማምዑን ብሓባር ንምባር ዝከኣሎም ሰናይ ጻዕርታት ይገብሩ ከም ዘለዉ እኣምን። ኣብ መንጐ መንግስታትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን እውን ተመሳሳሊ ኣካይዳ ክህሉ ተስፋ ንገብር፡ ፈላላይ መናድቕ ዘቑውም ውሳኔታት እናገበርካ ዝፍጠር ምፍልላይ ነቷጊ እዩ። ብፍጹም መልሲ ክኸውን ዝኽእል ኣይኰነን፡ እዚ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ሰነድ ዘማላኽቶ ጭቡጥ ኣምር እዩ።
ብመንፈስ ሲኖዳውነት . . . ኣብ ቱርኪ ኣብ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ገዳማውያንን ካህናትን ዝያዳ ምትሕብባር ዓለማውያን ምእመናን የድልዮም ትብሉ ዶ? ብርግጽ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ፥ ክርስትና ዓለማውያን ምእመናን ቀንዲ ተዋሰእቲ ዝዀኑሉ ናይ እምነት ስፍራ እዩ ከም ዝበልዎ። ስለዚህ ምእመናን ብመንፈስ ቄስሳውነት ዘይኮነ ከም ምእመናን ዘዋስእ ኣገባብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖውሎ ኣገዳሲ እዩ። ህዝበ እግዚኣብሔር ንዅሉ ከከም ጽዋዕታኡ ዝሓቍፍ ናይ እግዚኣብሔር ምዃና ዝግለጽ ጭቡጥ መጸውዕ እዩ። ስለዚ እቲ ምትሕብባር ነዚ መሰረት ዝገበረ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣኼባ ዕለት 23 ለካቲት “ከተማታት ሜዲትራኒያንን ዜጋታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ብዝቐርብ መደረ ክኽፈትን ዕለት 24ን 25 ለካቲት ንሰላም ኣበርክቶ ንምግባር ኣቡናት ኣብ “መሰላትን ግዴታታትን” እተን ኣብ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ዘለዋ ሃይማኖታትን ማሕበረሰባትን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘተኰረ ዘተ ከካይዱ እዮም። . . . ዕለት 26 ለካቲት ተጋባእያን ኣቡናትን ከንቲባታትን ዝፍረም ናይ ሓባር ናይ ውዕል ሰነድ ከሰናድዉን ዕለት 27 ለካቲት ሰንበት ንጐሆ ቅድም እቲ ንመዕጸዊ እቲ ኣኼባ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መስቀል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከቕርቡሎም ከም ዝኾኑን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍሪቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክልግሱን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከዕርጉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።