ኣብያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ስደተይናታት ዘቕረብዎ ጻውዒት ምላሽ ይህባ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞምን ብፍላይ ከኣ ዕለት 22 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብዚ ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ብዙሓት ኣሕዋትና ኣሓትን እናሓሰቡ ጒዳያት ስደተይናታት መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ ህጹጽ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ስጒምቲ ክውሰድ ዘቕረብዎ ጻውዒትን፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እተሸገሩ ሰባት ተቐበሉ ኣብ ምቕባሎም ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ንኵልንትናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት እውን ድጋፍ ኣሎ። ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሃይማኖታውያን ጒባኤታት ከምኡ እውን ካቶሊካውያን ማሕበራት ሓንጐፋይ ቢለን ክቕበለኦም ናብ ውጽኢታዊ ኵለንትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ከሰንይኦም ድልዋት ኢያተን፡ እቲ ዘድሊ ልቢ ምኽፋት ጥራሕ እዩ” ከምዝበሉን ነዚ መሰረት ብምግባር ብፍላይ መራሕቲ ኤውሮጳ ክብርን ሰብኣዊ መሰላትን ስደተይንታት ንምሕላው ናይ ሓባር ስጒምቲ ክወስዱ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታውያን ጒባኤታትን ካቶሊካውያን ማሕበራትን ብሓደ ድምጺ ድጋፍ የቕርባ።
ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት
ምስ ምሕንጽንታ ር.ሊ.ጳ. ብምሕባር ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽ ንሰበ ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ፥ “. . . ነቶም ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዝርከቡ ስደተይናታት ከምቲ ኣብ ቀረባ ማዕልታት ሒደት ዝኾነ ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ ክእንገዱ ዝተበጽሐ ውሳኔ መሰረት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ተመሳሳሊ ውሳኔ ክገብራን ንስደተይናታት ዘድልዮም ዕቝባን ድጋፍን ከቕርባ” ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ በዓለ ልደት እዚ ይብሉ ብጹዕነቶም “ናይ ክርስቶስ መሰኻኽር” ምእንቲ ክንከውን ነቶም ዕቝባ ዘድልዮም ስደተይናታት ሓንጐፋይ ቢሎም ምእንቲ ክቕበላ ብሓባር ምስተን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
ናይ ስሎቨኒያ ፈረንሳ ኦስትሪያ ጀርመን ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምሕጽንታን መልሲ ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽን ናቶም ገይሮም ብምቅላሕ መንግስታቶም ስደተይናታት ብሕጋዊ መገዲ ንምቕባል ቆራጽ ውሳኔ ክግገብሩን ቁስምናታትን ሰበኻታትን ምእመናን ኣብዚ መዳይ ክንነጥፍን ምእንቲ እቶም ኣብ ሕሱም ጸገም ዝርከቡ ስደተይናታት ክንዓዪ ነቲ በራት ሃገራት ኤውሮጳ ዝዅሕኵሕ ዘሎ እግዚኣቤር በራተክ ክኸፍታ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።