ጒዕዞ ሲኖዶሳውነት ኣብ ዮርዳኖስ ክርስቶስ ንምምስካር ኣጋጣሚ ጒዕዞ ሲኖዶሳውነት ኣብ ዮርዳኖስ ክርስቶስ ንምምስካር ኣጋጣሚ 

ጒዕዞ ሲኖዶሳውነት ኣብ ዮርዳኖስ ክርስቶስ ንምምስካር ኣጋጣሚ

“ኣብቲ እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ንምብጋስ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መልኪታውያንን ሶርያውያንን ዝኣመስሉ ኣብታ ሃገር ኣብ እተፍላለየ ከከም ዝስዕብዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝሳተፉ ኵሎም ብሓባር ተረኺቦምን ኣብዒሎሞን እዮም

ኣብታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገረ ዮርዳኖስ ናይ ምስማዕን ናይ ምስትውዓልን መገዲ ብወግዒ በቲ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኸፍተ ሲኖዶስ ብወግዒ ከም እተበገሰን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣባል ማሕበር ኦሪዮነ ኣባ ሃኒ ፖሉስ ሓል ጃሚል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብ ቤተ ክርስትያን ናይ ምሕባርን ሱታፌን ባህጊ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርኢ ባህጊ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ድማ ንግብረ ሰናይ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ዘኽእላ ጭቡጥ ኣጋጣሚ” እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ንእሽቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዮርዳኖስ እውን ናይ ሲኖዶስ ጒዕዞ ጀሚራ እያ። ኣብታ ክርስቲያን ዳርጋ 6 ሚእታዊ ዝዀኑላ ኣብ ቀረባ ምብራቕ እትርከብ ሃገር ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም ዘሎ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ሰበኻታትን ዓለም እተገብረ ናይ ምስማዕን ምስትውዓልን መስርሕ ከተበገስ ብዙሓት ምእመናን ኣሳቲፉ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተራእየ ልባዊ ሓጐስ ዓቢይ እዩ ነይሩ” ኢሎም።

ድላይ ሓድነት

“ኣብቲ እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ንምብጋስ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መልኪታውያንን ሶርያውያንን ዝኣመስሉ ኣብታ ሃገር ኣብ እተፍላለየ ከከም ዝስዕብዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝሳተፉ ኵሎም ብሓባር ተረኺቦምን ኣብዒሎሞን እዮም። እዚ ኸኣ ድላይ ሓድነት ዘረጋግጽ እዩ፡ ኣብታ ህሞት እቲ ውዕዉዕ ተሳታፍነትን ሕውነትን ንምርካብ ሃንቀው እትብል ቤተ ክርስቲያን ከም ዘላ ተስተውዕል” ኢሎም።

መስካሪት ቤተ ክርስቲያን

እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቤት ምኽሪ ኤጲስ ቆጶስ ነቲ ንሲኖዶስ ዝምልከት ጭቡጥ መምርሕታት ዘይገለጾ እኳ እንተዀነ እቲ ትውክልቲ ዝግበሮ መሰኻኽር ወንጌልን ግብረ ሰናይን ንምዃን ዓቢይ ኣጋጣሚ እዩ። “ሓቂ እዩ እነሆ ሒደት ኢና እንተዀነ ግን ንገዛእ ርእሱ እቲ ህላወና ናብ ምስክርነት ቤተ ክርስቲያን ክንቅይሮ ዝድርኽ እዩ። ንኽርስቶስ ንቶም ብዛዕባኡ ሰሚዖም ዘይፈልጡ ከነፍልጥ ይድርኸና። ነቲ ኣብ መንጐ እተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምትሕብባር ንምድልዳልን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ብሓባር ንምብዳህ ክንዓዪ ዝኽእል ኣጋጣሚ እውን እዩ። እቲ ሎሚ እንገብሮ ዘሎና ወሳኒ ጒዳያት ግብረ ሰናይ ልዕሊ ኵሉ ሓድሽ ድኽነትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታትን ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ናብ ዮርዳኖስ ንዝውሕዙ ንእነርእዮም ቅርበትን ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን ዘደልድል እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

18 November 2021, 08:45