ሰማእታት ፈለስቲ ዘቲብሂርነ ዘማእከለ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ
ኣብ ሮማ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማእትነት ፈለስቲ ኣብ ቲብሂርነ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 4 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. እቲ ሓዲጎምዎ ዝሓለፉ መንፈሳዊ ውርሻታቶም ድርሳናቶም ዓቃቢ ማሕበር ምስ ጳጳሳዊ ምስ ዘፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ከካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ዝበለቶም ኣብ ኣልጀርያ ቅድሚ 25 ዓመት ሰማእት እምነት ዘቲብሂሪነን ምስኦም ዝተቐትሉ ብጽዕና ዝተኣወጀሎም ኣብ ኣልጀርያ ዝተወልዱ ብጹዕ ኣቡነ ፒየር ክላቨሪየን ብጠቕላላ እዞም ብጹዓን ሰማእታት በነዲክታውያን ፈለስቲ “ንናይ እዋንና ቲዮሎጊያን ስነ መንፈሳውነትን ህያው ምንጪ” ከምዝኾኑ ፈልዩ ዝድህስስ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ እቲ ናይዞም ሰማእታት ሃይማኖታውን ሰብኣውን ባህልን ድርሳናቶም ዓቃቢ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፥ ምስ እዞም ሰማእታት ብሓባር እውን ካልኦት 12 ኣልጀርያውያን ከምእተቐትሉ ዘዘኻኽር ኮይኑ፥ እዚ ዝተኽፍለ ሰማእትነት እዚ ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘደንፍዕ እውን እዩ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። እዚ ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 4 ታሓሳስ 2021 ዓ.ም. ንኽካየድ ተዳልዩ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ምስክርነት ናይቶም ብቐጥታ ነቶም ብጹዓን ሰማእታት ዝፈልጥዎምን ነቶም ሎሚ ኣብቶም ሰማእታት መንፈሳውነት ኣስተንፍሶ ዝገብሩ ኣገልገልትን ምእመናንን ብምቕራብ እውን ካብቲ ምስክርነት ድማ ቲዮሎጊያውን መንፈሳውን ጒስነትን ድራኸታት” ንምልላይ ዝብል ምዃኑ ናይቲ ማሕበር መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ እውን እቲ ኣብ ሮማ ንኽካየድ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳን ስዒቡ እውን ኣብ ፍሪቡርግ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ስዒቡ ዝካየድ ሳልሳይ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ የመላኽት።