ድለ

ላቲን ኣመሪካ፡ ኤቅለሲያዊ ዓውደ ጉባኤ፥ ንእትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ትብዓትን ምህዞን ላቲን ኣመሪካ፡ ኤቅለሲያዊ ዓውደ ጉባኤ፥ ንእትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ትብዓትን ምህዞን 

ላቲን ኣመሪካ፡ ኤቅለሲያዊ ዓውደ ጉባኤ፥ ንእትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ትብዓትን ምህዞን

ኣብ ህይወት ብድሆታት ዘሎ ምዃኑን እዚ እውን ነታ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እተራኸብናላን ህይወትና ዝለወጠ ምርኻብ ዳግም ብምስትውዓልን ብምምስካርን ንተልኾ ወንጌል ዝተጸዋዕና

ኣብ ከተማ መክሲኮ እተኻየደ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኤቅለሲያዊ ዓውደ ጒባኤ ዕለት 28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ከምእተዛዘመን ኣብ ፍጻመ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ዕዮ ብጹዓን ጳጳሳት ንዕቝባ ፍጥረትን ተነቀፍትን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ደቂ ኣንስትዮን ምእመናን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስትያን ዝያዳ ተሳትፎ ክገብሩ ዘኽእሎም ሃዋሁ ክፍጠር ብርቱዕ ምሕጽንታ ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብድሆታትን ተስፋታትን፥ እዚ ቀንዲ ናይቲ ካብ ዕለት 21 – 28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ከተማ ናይ እተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ ዘመላኸቶ ጐደና ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ናብቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ እትወደበ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዚመርሕ ኮይኑ “ኵላትና ዝወጹ ደቀ መዛሙርቲ ልኡካነ ወንጌል” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ንቤተ ክርስቲያን እታ ክፍለ ዓለም ናብቲ “ዝዓበየ ሓላፍነት ጒስነት” ዘሰንይ ብቐዳምነት ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ምልዋጥ ከምዘድሊ ጻውዒት ዘቕረበን “ሓባራዊ ምስማዕን ምስትውዓልን” ዝተራእየሉ “ሲኖዳውነት ተመክሮ” ዝተነበረሉን ናይ ሕዝቢ “ስቓይን ተስፋታትን” ብዕምቆት ዝተዳህሰሰሉ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ለብዒ ዘስዓቦ ከቢድ ስቓይ

እቲ ንድኻታትን ተኣፋፍያንን ዘሳቕዮም “መከራን ምጉዳል ፍትሕን ስእነት ስራሕን”  ብዛዕባ እቲ ንደቂ ኣንስትዮን ንስደተይናታትን ኣረጋውያንን ደቀባትን ኣዚዩ ዘጥቅዕ ዘሎ ጓሓፋይ - ባህሊ ብጹዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብብርቱዕ ኮኒኖም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ዘይማዕርነት ኣዚዩ ክብ ከምዘበሎን ንውሕስነት መግቢ ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዎን ኣብ ገለ ገለ እዋን ዝርአ ቄስስነት መላኽነት ብብርቱዕ ኮኒኖም ምእመናን ብፍላይ ከኣ ደቂ ኣንስትዮን ናይታ ናይ እተወጽእ ልእኽቲ ወንጌል ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ተዋሰእቲ ክኾኑ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር ኣገዳሲ ከም ዝኾነን፥ እዚ ንሲኖዳውነት ዘተባብዕ መገዲ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንእተነጸሉ ቀረባ ምዃን

ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብጹዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን፥ ቅድም ቀዳድም “ምስቶም ዝደኸዩን ተነቀፍትን ውጽኢታዊ ሓድነት” ንምጥራይ ካልኣይ ከኣ ብኸመይ “ቃል ብስራት ከም እትምስክርን ከም እትነብርን” ኣብ መወዳእታ ከኣ ሲኖዳውነት ነቲ ዘደንቕ ማሕበራውን መዋቕር ንምሕዳስ ዓቢይ ቦታ ግልጽነት ከምዝኾነን ብምምልካት “ንልኡካነ ወንጌላውነት ቅንኣትን ንእተገሉ ቀረባ ምዃንን” ዝብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ህይወት ካብ ምጽናስን ባህርያዊ ሞትን ምክንኻን

ኣብ ህይወት ብድሆታት ዘሎ ምዃኑን እዚ እውን ነታ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እተራኸብናላን ህይወትና ዝለወጠ ምርኻብ ዳግም ብምስትውዓልን ብምምስካርን ንተልኾ ወንጌል ዝተጸዋዕና ኢና፥ ዘጋጥም ብድሆታት ኵሉ በዚ መንጽር እዚ ብምምልካት ምንባብን መፍትሒ ምንዳይን ከምዘድልን ንመእሰያት ቀረባ ምዃንን ኣብ ጐደና ህይወት ምትብባዕን ነቶም ግዳያት ማህሰይቲ ዝኾኑ ሰባት ግቡእ ቈላሕታ ምግባር ከምዘድሊ እውን ኣመላኺቶም ህይወት ወዲ ሰብ ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምክልኻልን ከምኡ እውን “ምእመናን ኣብ ባህላውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤቅለስያውን ሓቅታት ዝያዳ ተሳትፎ ክህልዎም ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

ሲኖዳውነት ንቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣገዳሲ እምበር ዝሓልፍ እዋን ኣምጸኦ ኣገባብ ኣይኮነን

ብጹዓን ጳጳሳት ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ብተወሳኺ ካልኦት ዓቢይ ኣትኵሮ ዘድልዮም ነገራት “ዘይንጽል ማሓድሮን ናይ ደቀባት ክቡራት ዋጋታት ምኽባርን ወንጌል ኣብ ባህሊ ምስራጽን ኵለንተናዊ ሕንጸትን” ኣቃልቦ ክግበረሉ ከም ዝግባእን ሲኖዳውነት እዋን ከም ዘምጽኦ ቅዲ ዘይኮነ ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ መወዳእታ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ነታ ናይቲ ክፍለ ዓለም ሓላዊት ንዝኾነት ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ሕዲሪ ቢሎም፥ ነታ ንሲኖዳውነትን ንተልእኾ ወንጌል ብትብዓትን ብምህዞን ንእትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ከተሰንያ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

30 November 2021, 08:55