ድለ

2019.03.18 mani in preghiera, mani giunte, rosario 2019.03.18 mani in preghiera, mani giunte, rosario 

ጳጳሳት ኣውስትራልያ መንግሥቲ ተጻይ ኣድልዎም እምነታት ንዝሓገጎ ኣዋጅ ኣመጒሶም!

ፓርላመንት ሃገረ ኣውስትራልያ ረሊጀስ ዲስክሪሚነይሽን ቢል ብዝብል ኣዋጅ ዕለት 23 ሕዳር ንዝኾነ ኣድልዎ እምነት ብምቅዋም ንዝኣወጆ ጳጳሳት ናይታ ሃገር ‘ንኣመንትን ዘይኣመንትን ኣውስታራልውያን መሠረታዊ መሰላት ደቂሰባት ዘውሕስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነፍሲወከፎም ሓራ ኰይኖም እምነት ንምግላጽ እውን ዘኽእል እዩ’ እንክብሉ ዕግበቶም ከምዝገለሹ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ፓርላመንት ሃገር ኣውስትራልያ ሕዳር 23 2021 ዓም ኣብ ዝገበሮ ጉባኤ ንነጻነት እምነት ዝምልከት ኣዋጅ ‘ረሊጀስ ዲስክሪሚነይሽን ቢል ማለት ንኣድልዎ እምነት ዝጻረር ኣዋጅ ከምዘድቀ ብቀዳማይ ሚኒስተር እስኮት ሞሪሶን ኣቢሉ ከምገለጸ እንክምልከት፤ ጳጳሳት ኣውትራልያ ብሓጐስ ከምዝተቀበልዎ ዝገለጹ ናይ ኣውስትራልያ ረኪበ ጳጳሳት ሃገራዊ ኮሚሽን ሕይወትን ስድራቤትን ሕዝባዊ ርክባትን ፕረሲደንት ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት አቡነ ፐተር ኮመንሶሊ ‘ንነጻነት እምነት ብዝምልከት ኣዎንታዊ መግለጺ ዘወፊ ንድፊ ሕጊ ኰይኑ ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ ምስ ዝተኣወጁ ካል ኦት ሕግታት ተጻይ ኣድልዎ ተደማሚሩ ኣብ ኣውስትራልያ ማዕርነት ንምንጋስ ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ’ እንክብሉ ዝተሰም ዖም ዕግበት ገሊጾም።

ገና ብዙሕ ዘይተፈልጡ ኣድልዎ እምነት ኣለው!

ብፁዕነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል ‘ሽሕ’ኳ ፈደራላውን ሃገራውን ሕግታት ሃገረ ኣውስትራልያ ን ኣውስትራላውያን ካብ ሰፊሕ ክፍልታት ኣድልዎ ዝከላኸል እንተኾነ ንእምነትን እምነት ዝርኢ ተግባራትን ኣብተን ኣድልዎ ብዙሕ ዘይተፈልጠለን ኣከባቢታት ነዚ ዝድግፍ ዳርጋ የለን ክትብሎ ዘድፍር ጉዳያት ኣሎ፤ ስለዚኸስ ኩሎም ዜጋታት ኣውስትራልያ እምነቶምን እምነታዊ ተግባራቶምን ሰጊሮም ኣብ ሕብረሰብና ብምል ኣት ክሳተፉ እጽውዕ፤ ኩሎም ብሕጊ ዘድሊ ከለላ ንክረኽቡ ብዘይ ምንም ኣድልዎ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት እታ ሃገረ ብማዕረ ክረኣዩ ኣለዎም’ እንክብሉ ን ኣድልዎ እትቃለሰሉ መንገዲ ማዕርነት ኩሎም ዜጋታት ከም ዜጋታት ምዃኑ ገሊጾም።

ኩሎም እምነቶም ንክገልጹ መሰል ክህልዎም ይግባእ!

ብፁዕነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል ‘እዚ ኣዋጅ እዚ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብ2017 ዓም ከምዝጀመረን ዝተፈላለዩ መጽናዕቲ ሰነዳትን ምእራማትን እናተገብረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣዋጅ ከምዝበጽሐ እንክምልከት ካብቲ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ናይ ሥራሕ ሰነድ ብዙሕ ምምሕያሽ እኳ እንተተገብሮ ንኩሉ ነቲ ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያን ነጻነት እምነት ንምሕላው እተቅርቦ ሕቶታት ግን ገና ብምል ኣት ኣይመለሸን፤ ንኩሉ ኩሉ ኣጠቃሊልካ እንክትምልከት ግን እምነት ንዘለዎም ዜጋታትን ምስ እምነቶም ንዝተታሓሓዘ ነገራት ክገብሩን ክገልጹን መሰል ከምዘለዎም ዘመልክት ኣድላዪ ሕጊ እዩ’ እንክብሉ ገሊጾም።

እዚ ኣዋጅ እዚ ብኩሎም ፓርቲታት ክድገፍ ኣለዎ!

ብፁዕነቶም ኣብ ምዝዛም መገልጺኦም ከም ቀንዲ ጉዳይ ዝገለጽዎ ‘እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ተቊዋምት እምነታት ኣብቢቤትትምህርታት ከይተረፈ ምስ እምነቶምን ዚኣምኑሎም ዕላማታት ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ሰባት ምቊጻር የድሊ፤ ኣብ ተቊዋማትና ሰባት እንክንቈጽር ከምቲ ኣብ እምነት ዘይምስረቱ ተቊዋማት ዝገብርዎ ምስ ተልእኮና ጽቡቅ ብዝኾነ መንገዲ ክንቈጽር ንደሊ፤ ናይ እምነት ተቊዋማት ንግለሰባት ከማኡ እውን ንማሕበረሰብ ብሓፈሻ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ተል እኮ እምነቶምን ንክኽተልዎ ኣብ ዝግበር ተኽ እሎን ይውሰን፤ ስለዚ ነዚ ኣዋጅ እዚ ኣብ መንግሥቲ ዘለውስ ይኹን ተቋወምቲ ፓርታት ክድግፍዎ ዘሎኒ ምንዮት እገልጽ’ እንክብሉ ኣቋም ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያን ብሓጺሩ ኣብሪሆም።      

ብድምጺ ንምክትታል!
26 November 2021, 17:10