ድለ

ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ተልእኾ፥ ልኡካነ ወንጌልን መገድታት ዓለምን ኣብ ጒዕዞ ወንጌል ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ተልእኾ፥ ልኡካነ ወንጌልን መገድታት ዓለምን ኣብ ጒዕዞ ወንጌል 

ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ተልእኾ፥ ልኡካነ ወንጌልን መገድታት ዓለምን ኣብ ጒዕዞ ወንጌል

ሰንበት ዕለት 24 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮ ዀነ ዝሰማዕናዮ ሱቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝምራሕ ምዃኑ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ የዘኻኽረና

ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ተልእኾ ብምኽንያት ወርሒ ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ ወርሓ ተልእኾ 2021 ዓ.ም.  “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ኰነ ዝሰማዕናዮን ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና” ብዝብል መርሕ ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ብምዝኽኻር ኣብዚ ርእሰ ጒዳይ እዚ ዘመእከለ ዝተፈላለዩ ተገብሶታት የሳልጡ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ስጋ ዝዀነ ቓል ዜምጸኦ ሓጐስን ጽባቐን ካብ ዓለም ክንሓብኦ እንኽእል ብኸመይ እዩ? እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ ኣብ ድሮ ምጅማር ወርሒ ጥቕምቲ ወርሃ ተልእኾ ወንጌልን ከምኡ እውን ፒዮስ መበል 11 ብማዕረ ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ሓላዊት ቅድስቲ ተልእኾ ወንጌል እንክብሉ ናይ ዝኣወጁላ  ዓመታዊ ዝኽረ በዓል ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዘ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ኣብ ተልእዀ ወንጌል ዘተኰረን ነታ ሕቶ እቲኣ ዘቃልሕ ብክሱት ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሎም ቃል ምስክንረት የቕርቡ።

ሱቕ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ

ሱቕ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ

ሰንበት ዕለት 24 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮ ዀነ ዝሰማዕናዮ ሱቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝምራሕ ምዃኑ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ የዘኻኽረና። ኣብ ዓዓመቱ ወርሒ ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ ወርሃ ተልእኾ ወንጌልን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌልን ምብዓል ከብሃል እንከሎ - ናይ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ተልእኾ ተግባር ኣቦ መንበር የኔታ ኣባ ጃምፒየትሮ ዳል ቶዞ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “እምነትና ወትሩ ልኡካነ ወንጌል ምዃና ምዝካር ማለት እዩ፥ እምነትና ንገዛእ ርእሱ ተልእኾ ወንጌል እዩ፡ ስለዚህ ንሕና እንኣምን ልኡካነ ወንጌል ኢና” ይብሉ።

ድምጺ ዓለም

እቲ ዝተመሓላለፈ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ካብቲ ኣብ መንጐ ሃገራዊ ጨንፈር ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተግባርን ዓለም ሓቆፍ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተግባር ካብ ዘሎ ምትሕብባር ዝተዳለወ ኮይኑ እቲ ድምጺ እውን ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ናይ ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል ድምጺ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ወርሒ ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ንምድላውን ንምብዓልን ዝድግፍን ዛዕባ ተልእኾ ወንጌል ንምርዳእን ዘነኽቱ ዝተፈላለዩ ዛዕባ ተልእኾ ወንጌል ዝምልከት ጸሎትን ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ ምስክርነትን ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዘቕርብ ምዃኑን እቲ መግለጺ ከምዝሕብሮ ካብ ኣፍሪቃ ክሳዕ ሰሜን ኣመሪካ ካብ እስያ ስካዕ ኤውሮጳ፥ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብመሰረት እቲ ዝመሓላለፍ ተመክሮ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘሎ ብድሆታት ንምስናፍ ዝሕግዞ መገዲ ከለልይ ዝሕግስ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

02 Oct 2021, 16:32