ኣኼባ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ድሕሪ ለብዒ ንሓድሽ ጅማሮ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር
ዕለት 7 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. እቲ ብፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ እተመስረተ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ መበል 35 ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘራኽብ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ድሕሪ ቐትሪ ብወግዒ ከምእተጀመረን ተስፋ ዝተመላኦ ፍጻሜ እውን ከም ዝኸውን እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ኣኼባታት የረጋግጾ። ዕለት 8 ጥቅምቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት መደረ ክስምዑን ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮለሰዩም ኣደባባይ ር.ሊ.ጳ. ዝሳተፍዎ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት መደብ ክካየድ እዩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እምነትካን ሃይማኖትካን ብዘየገድስ ከም ኣሕዋትን ኣሓንትን ኴንካ ነታ ካብ ለብዒ ዝወጸት ዓለም እንደገና ሕሰበላ። ወከልቲ ዓብይቲ ሃይማኖታት “ሓው ዝዀነ ህዝቢ፡ መጻኢ መሬት፥ ዝተፈላለያ ኵለን ሃይማኖታትን ባህልታትን ኣብ ዘተ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ እተወደበ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. እተበገሰ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ኮሎሶዩም ኣደባባይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ መልእኽቲ ሰላም ብምቕራብን ምእንቲ ሰላም ብናይ ሓባር መደብ ጸሎት ክዛዘም እዩ።
ወሃቢ ቃል ሰላምን ሰናይን ምዃን
ናይ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብቲ ናይቲ ጉባኤ ውዕሎ ኣብ ዘስምዕዎ አምደረ፥ እቲ ካብ ኣርብዓ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓደ ዝነብርዎ ኵነት ሓደ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ታሪኻዊ ሓቅታት ዝኾነ ሓባራዊ ጉዕዞ ዝምስክርን “ምእንቲ ሰላምን ሰናይን ጸሎትን ናይ ሓድሕዳዊ ጽን ምብህሃልን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሰብኡትን ኣንስትን ናይ ሰላምን ሰናይን ወሃቢ ቃል ንምዃን ዝኣመተ እዩ፥ እዚ ብድሆ ናይታ ድሕሪ ለብዒ ዘላ ዓለም እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብሓባር ሓድሽ ጅማሮ
“እቲ ቅድም ዝነበረት ዓለም ከምቲ ዝነበረቶ ኣይኮነትን ዘላ ብሓባር ጥራይ ክኽወን ዝኽእል ሓድሽ ጅማሮ ናይ ምህናጽ ኣጋጣሚ ኣብ ኢድና ኣሎ” እዚ ኸኣ ካብ ፍልጠትን ሓድሕድ ምርድዳእን ምክብባርን ዝብል ሰለስተ ኣዕኑድ ዘለዎ ኮይኑ እዚ ግን ኣባል ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዃን ካብ ዝብል ምስትውዓል ዘይንጸል እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ክዀኑ እንከለዉ፥
ምውዳቕ ጣዖታት
“ቅኑዕ ዘበለ ንምጥባቕ ናይ ምሕሳብ ክእለትን መሪሕነትን ትብዓትን የድልየና ኢዩ።” እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ጣዖታት - ጥዕና ስነ ፍልጠት ሃብቲ ምኽዕባት ወይ ዝዀነ ይዅን ካልእ ኣቃልቦና ዝሰርቕ ንገር - ተገልቢጡ ሓይሊ ዘይብሉ ኮይኑ ተረኽበ። ይዅን ደኣ እምበር ነቲ በቲ ለብዕ ብዝያዳ ዝርአ ዘሎ ዘይማዕርነት ንምስናፍን ንኸም ለውጢ ኵነታት ኣየር ዝኣመሰሉ ሓባራዊ ጸላእቲ ንምስጋርን እንጽዕር “ሓዳስ ዓለም ክንፈጥር ኣጋጣሚ ስለ ዘሎና እተባረኽና ወለዶ ኢና።” ነዚ ዝበሉ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጸጋውነቶም ጃስቲን ወልባይ ክዀኑ እንከለዉ፥ ናይ ኢጣሊያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒትር ሉቻና ላሞርጀዘ እውን ወገን፥ “ከም ጸኣት ስደተይናትት ዝኣመሰሉ ብድሆታት ሳላ እቲ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝገብሮ ኣበርክቶ ከምኡ እውን ሳላ እቲ ሓደ ካብቲ ኣብ ሰፊሕ ዓውዲ ስደተይናታትን ሓቛፊ ባህሊ ኣብ ምስፋሕን ሓዳስ ዓለም ኣብ ምህናጽ ንጓዓዝ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰብኣዊ ሕውነት ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ
ኣብ ምስሪ ናይ ዓል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ህየንተ ዓቢይ ዓቢይ መምህር ሞሃመድ ኣል ዱዋይኒ ነቲ ብሚሊዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ዘጋጠመ ስቓይን ጓህን ምኽንያት ስቓይን ርህራሀን ከምዝኾነና ገሊጾም፡ ተስፋን እወታዊ ኣረኣእያን ዘለዎ ስቓይ ምዃኑ እንከመላኽቱ፥ “እቲ ትርጒሙ ንኽንርድኦን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን እዚ ኸኣ ሰባት ካብ ሓደ መበቈል ከም ዝመጹን ንህይወት ዝሓሸን ንዅሎም ሰባት ዝያዳ ጽቡቕን ብዝገብር ነገር ከም ዝሓብሩን እዩ። ሰብኣዊ ሕውነት ንምርካብ ዚግበር ብሉጽ ጻዕሪ” ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝልገጽ ኣዋጅ ኣቡ ዳቢ ክኽትሙ እንከለዉ ኣብ ኣእምሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ከምኡ እውን ኣብ ኣእምሮ ናይ ዓል ኣዝሃር ዓቢይ መምህር ዝነበሩ ሚስትር ምጽውዋርን ሃይማኖታዊ ህላወን ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ዝነበሩ ሼኽ ናሕያን ቢን ሙባራክ ኣል ናህይን “ኵሉ ሰብ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኑ ዝነብረሉን ዝሰርሓሉን ዓለምለኻዊ ሕብረትሰብ” ንምግባር ብልክዕ ኣበርክቶ ኽገብሩ ኸለዉ ተዘክሮኦም ይገልጹ። “ስኒትን ሰላምን ብሰናይ ፍቓድ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምስ ኣምላኽ ፍሉዩ ርክብ ምምስራት
ናይ ሃገራት ኤውሮጵ ጉባኤ ራባይ ኣቦ መንበር ፒንካስ ጎልድሽሚት እውን ብወገኖም፥ “ካብቲ ኣብ ‘ዕቤት ዘሎና መሕብኢ ቦታታት ቀስ ብቐስ ክንወጽእ ከሎና ካብቲ መደያይቦናን ኣምልኮናን ናብ ህዝባዊ ኩነ ማሕበረሰብ ክንምለስ ኮለና” ሕድሕዳዊ ምርኰሳን ሰብኣዊ ሓባራዊ ርክብን ነማዕብል። እታ ድሕሪ እዚ ለብዒ እዚ እትዓቢ ዘላ ሓዳስ ዓለም ካብቶም ቀዳሞ ክልተ ኣሕዋት ቃኤልን ኣቤልን እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብውልቂ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብኡትን ኣንስትን እውን ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዝክእል ክትምህረና ኣለዋ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓልሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።