መክሲኮ፥ ናይ ስደተይናታት ናይ እግሪ ጒዕዞ፥ ቤተ ክርስቲያን ተሓታትነትን ዘተን ትላበው
ዕለት 23 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ካብ ዞባ ቻፓስ ርእሰ ከተማ ታፓቹላ ነቒሉ ክሳብ ናይ ሃገረ መክሲኮ ርእሰ ከተማ እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተይናታት ዝነብርዎ ዘለዉ ጽንኵር ኵነትን ኵለ መዳያዊ ጸገማቶም መንግስቲ ፍታሕ ክህበሉ ዝጽውዕ ሰላማዊ ናይ እግሪ ጒዕዞ ከምእተኻየደን ናይ መክሲኮ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጒዳይ ሓላፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፍራንቺስኮ ሞረኖ ባሮን ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ማሕበረሰብን ሰበ ስልጣንን ስደተይናታትን ዓመጽ ኣቕዲሞም ደው ንምባል ሓላፍነት ዝስምዖም ንኽዀኑ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 24 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ናይ ቱዃና ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሲስኮ ሞረኖ ባሮን መክሲካውያን ደንገጽቲ ክኹኑን ነቶም ሰለስተ ሺሕ ዝግመቱ ምስ ደቃቶም ተሰዱዶም ኣብ ሃገረ መክሲኮ ምስ ዝርከቡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክዝትዩን ክተሓባበርዎምን ቅርበቶም ክገልጽሎም ከምእተማሕጸኑን እቶም ናይ ስደተይናታት ሰላማዊ ናይ እግሪ ጒዕዞ እተኻየደሉ ምኽንያት ነቶም ሰበ ስልጣን ኣብታ ሃገር ግዚያዊ ናይ መንበር ፍቓድ ወይ ሕጋዊ ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንኽህብ ዘርእዮ ዘሎ ምድንጓያት ዘይቅቡልን ናይ ስደተይናታት ስቓይ ዘብእስን ምዃኑ ንምሕባር ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብጹዕ ኣቡነ ባሮን ይብሉ፥ “ሰበ ስልጣን ነቶም ስደተይናታት ቀረባ ክኸውንን ምስኣቶም እውን ክመያየጥን ከምቲ ህዝቢ መክሲኮ ነቶም ስደተይናታት ሓጐፋይ ቢሉ ዝተቐበሎም መንግስቲ እውን ንናይ ህዝቢ መክሲኮ ለጋስነት ዘበረኸ መልሲ ክህበሉ ጻዋዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይ መክሲኮ ብጹዓን ጳጳሳት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቑሱ የመላኽት።
ኣብ መንጐ መንግስትን ስደተይናታትን መክሲካውያንን ዘተ ክህሉ
ብጹዕ ኣቡነ ሞረኖ ባሮን ነቶም ስደተይናታት ስርዓት ሃገረ መክሲኮ ክሕልዉን ኣብ ኵለን እተን ንኽቕበልኦም ዝኸዱለንን ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓመጽ ዝመልኦ ኣረኣእያን ተግባርን ከወግዱ ሓቲቶም በዚ ከምዚ ኸኣ ነቲ ዚወሃቦም ሓገዝ ብእተፈላለየ መገዲ ሰናይ ምላሽ ክህብሉ ከም ዚእኽሉ ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ብትረት ከም እተዛረቡን እቲ ካብ ሆንዱራስ ብዝመጹ ዝደተይናታት ዝቖመ “ማዕበል ስደተይናታት” ጓተማላን ኤል ሳልቫዶርን ኒካራጓዋን ኩባን ሃይቲ ከምኡ እውን ቨነዝወላ ዝመጹ ስደተይናታት ዝርከብዎም ዶብ ኣልቦ ህዝቢ ብእተሰምየ በርገሳዊ ማሕበር ተመሪሖም እቶም ኣብ ከተማ ታፓቹላ ዝርከቡ ብዝተፈላለየ መዳይ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ንዘለዉ ስደተይናታት መግንስቲ ናይ መንበሪ ፍቓድን ሓገዝን ክህቦም ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከምዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምዅናን
ከምቲ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ናይ ታፓቹላ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኻይመ ካልደሮን በቲ ናብ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከምዝሓበርዎ፡ ብዙሓት ስደተይናታት ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ንኽረኽቡ ዝስርዑ ማእለያ ዘይብሎም ከምዝኾኑን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 እውን ነቲ ዘሎ ቅልውላዊ ከምዘዛየዶን መንግስቲ እውን ነዚ ዘጋጥም ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ንምቍጽጻር ዝወስዶ ዘሎ ስጒምቲ ካብ ኣርኣእያ ሰብኣውነት እናረሓቀ ይኸይድ ኣሎ። እዚ እውን ንሓደጋ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የቃልዖም ኣሎ ቢሎም ብዙሓት ስደተይናታት ይጭወዩን ቅትለት ዘይሕጋዊ ማእሰርትን እውን የጋጥሞም ኣሎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኵሉ ኣጋጣምታት ንዘተ ምውዓል
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 23 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ መንጐ እቶም ካብ ታፓቹላ ዝመጹ ስደተይናታትን 200 ዝኾኑ ኣባላት ሓለውጢ ጸጥታ ግጭት ከምእተፈጥረን ነዚ ዝጠቐሱ ብጹዕ ኣቡነ ሞረና ባሮን ዝኸፍፈልካ ከፊልካ ዓመጽ ካብ ምፍጻም መንግስቲ ሓላፍነቱ ክስከምን ቀድም ቀዳድም ንዘተ ዘሎ ዅሉ ኣጋጣምታት ክጥቀመሉን ኵሉ ሰብኣውነት ብዘማእከለ ኣገባብ እውን መፍትሒ ከናድየሉ ይግባእ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።ትሒ ከናድየሉ ይግባእ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።