ድለ

ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ፥ ንቝጠባ እንተ ዘይቀዪርካዮ ማሓድሮ ኣይትቕይርን! ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ፥ ንቝጠባ እንተ ዘይቀዪርካዮ ማሓድሮ ኣይትቕይርን! 

ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ፥ ንቝጠባ እንተ ዘይቀዪርካዮ ማሓድሮ ኣይትቕይርን!

ካብ ዛምቢያን ህንድን ባራዚልን ኣፍጋኒስታንን ዝመጹ መንእሰያት ምስ ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ “ድኽነት” ዝተረኸቡን ናይ ፍራንቸስኮ ድኽነት ዘዕሞቑን ምስክርነት ከምዝሃቡን

ዕለት 2 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ብመርበባዊ ምስማዐ ርእየት እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ ድላይ ዝተበገሰ መንእሰያት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ሰራሕቲ ለውጥን ንብርሁ መጻኢ ብሓባር ክዓዩ ዝብል ድላይ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጒባኤ ካብታ ናይቲ ቅዱስ ከተማ ዝኾነት ኣሲዚ ነቒሉ ምስ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘራኸበ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ድኽነትን ቝጠባን ማሓድሮን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ከምዝመኸረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ቫቲካንን ቦጐታን ናይሮቢን ሻንጋይን ዋሺንግቶን። እዘን ከተማታት እዚኣተን ገለ ካብተን ዕለት 2 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ምስቲ ኣብ ኣሲዚ ማእከል ገይሩ ምስ ዝተኻየድ ዋዕላ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” ብመረባዊ ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዝተሳተፋ እያተን። እዚ ፍጻመ እዚ እውን ኣብቲ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ዝብል መጸውዕ ኣድራሻ ኣብ ዝተደርሰ ናይ ዩቲዩብ ገጽ ብቐጥታ ከምእተመሓላለፈ ዜና ቫቲካ ኣመላኺቱ።

ብስም እቶም ክልተ ፍራንቸስኮ፥ ዘኣሲዚን ር.ሊ.ጳጳሳትን!

ዕለት 1 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ንመንእሰያት ነጋዶ ደብዳበ ብምጽሓፍ ነዚ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ዝብል መደብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዘበገስዎ እነሆ ካልኣይ ዓመቱ የቝጽር። ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅን ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ኣተሓባሪ ልዊጂ ብሩኒ፥ እቲ ፍጻመ “ብስም ክልተ ፍራንቸስኮ (ዘኣሲዚን ር.ሊ.ጳጳሳትን) ቁጠባ ንምቕያር ኣብ ዝብል ሸቶ ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ምሁራትን መንእሰያት ቀንደይና ተዋሳእቲ ክኾኑ ዘተባብዕ እዩ ቢሎም፡ ናይ ዓለም ኪደት ቐጠባ ንምቕያር ዝድርኽ ተበግሶ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደድዎ ቃለ መሕትት ኣብሪሆም፥ “መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሶም ሓያል ኣረኣእያ ኣብ ዘህልውሉ እዋን - ሓዳሽያን ይዀኑ፡ ህልው ኵነታት ቍጠባ ዓለም እንተድኣ ዘይተቐየረ ማሓድሮ ምቕያር ከምዘይከኣል ዘረጋግጹ ምዃኖም” ነዚ ጒዳይ እዚ ብኣጽንዒት ዘዘኻኸረ ዓውደ ጉባኤ እዩ ይብሉ።

መደብ ናይቲ ኣኼባ

ኣብ መንጐ ሃብትን ድኽነት ዘሎ ፍልልይ ነቶም ዝደኸሙ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝዳሎ ቝጠብዊ ሃልዮን ተግባርን ናይ ገንዘብን ስነ ማሓድሮን ግደ ንመንፈሳውነትን ሓድነትን እውን ገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ ዝግበር ክትዕ ዝማዕበሉ ኣርእስታት ዝተመያየጥን ካብ ዛምቢያን ህንድን ባራዚልን ኣፍጋኒስታንን ዝመጹ መንእሰያት ምስ ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ “ድኽነት” ዝተረኸቡን ናይ ፍራንቸስኮ ድኽነት ዘዕሞቑን ምስክርነት ከምዝሃቡን፥ ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ጀፍርየ ሳቸን ሀለን ኣልፎርድን ምስቶም መንእሰያት ተመያጦምን ካብቶ መንእሰያት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከምዝሃቡን እቲ መድርኽ ጓሂ ዘይኰነ ሓድሽ ሓሳብ ዘቕርብ እዩ ዝነበረ ዝበሉ ብሩኒ ኣስዒቦም፥

ቖጸራ ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት

ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ቀውዒ 2022 ዓ.ም. እቶም መንእሰያት ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ኣብ ኣሲዚ ክራኸቡ ከምዝኾኑ ብሩኒ ሓቢሮም፥ እዚ መደብ ርክብ እዚ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናብ 2022 ዓ.ም. ዝተሰጋገረ ከምዝኾነን “እቲ ንኽሰጋገር ዝደርኾ ምኽንያት እውን ብሓልዮት እግዚኣብሔር ቝጠባ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ንምዕሟቕ ዕድል ኰነና። ምኽንያቱ ጉዳይ ቝጠባ ካብ ላዕሊ ዝዘንብ ዘይኮነጭቡጥን ካብ ጭቡጥ ህይወት ዝነቅልን እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

02 Oct 2021, 16:46