ሲኖዶስ፣ ካርዲናል ሸረር፥ ኵሉ ንቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ዝህቦን ዝብሎን ነገር ኣለዎ
ኣብ ብራዚል ናይ ሳን ፓውሎ ሊቀ ጳጳሳት ኣብቲ ሎሚ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ነቲ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ንምብጋስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ፥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝዝትይ ሲኖዶስ ንቤተ ክርስቲያን ናብ መበቈልን ቲዮሎጊያ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን እተካይዶ ጒዞ ዝገልጽ እዩ ይብሉ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥማቶ ናብቲ ዝተበገሰ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝዝትይ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ንሰበኻ ሮማ ሲኖዶስ ሎሚ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ቅድም ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ስዒብ እውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ኣዳራሽ ቅዱንቶም መሪሖም ብዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ብወጊዒ ኣበጊሶምዎ እዮም።
እቲ መደብ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝመክር ጒባኤ ጽዑቕን ብምልኣትን ብጒጅለን ንምውዳብ ብዝካየድ ናይ ዕዮ ዘተ ዝተሰነየ እዩ። ንህዝበ እግዚኣብሔር ዝወከሉ ተጋባኣያንን ኣህጉራዊ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ልኡካንን ካልኦት ተመሳሳሊ ኤቅለስያውያን ኣካላትን ኣባላት ናይ ኵርያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኤቅለሳውያን ምንቅስቓሳትን ናይ መንእሰያት ቤት ምኽሪ ኣባላትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዘሳተፈ እዩ።
ናይ ሓባር ጒዕዞ
እዚ ንሰለስተ ዓመት ዝቕጽል ናይ ሲኖዶስ ጒዕዞ ኣብ ሰለተ ደረጃታት ማለት - ሰበኻውን ኣህጉራውን ኵላውን - እተወደበ ከኦይኑ በቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምት 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዝካየድ ዓብይ ኣኼባ - ሲኖዶስ ክዛዘም እዩ፥ ብዛዕባ እዚ ኣብ ሰለስቲኡ ደረጃታቱ ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ ሲኖዶስ ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ብራዚል ናይ ሳን ፓውሎ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ ምኽትል ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲድናል ኦዲሎፐድሮ ሸረር ኣብሪሆም፥ “እዚ መስርሕ እዚ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝሓትዎ ብምልእታ እታ ቤተ ክርስቲያን ካብ ማሕበርሰባት ካብ ሰበኻታትን ኤቅለሳውያን ክውነታትን ዘዋስእ እዩ።
እዚ እዋን እዚ “ሓድሽን ኣገዳስን ህሞት ቤተ ክርስቲያን” እዩ - ለውጢ ውይ ፍጹም ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ከመይሲ “እዚ ዅሉ ድሮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ መበቈላን ቲዮሎጊያን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዘሎ እዩ ዝርከብ፡ እንተኾነ ግን ክንዝክሮን ነዚ መሰረት ቤተ ክርስቲያን እዚ ኽንሕዞን ሰናይ እዩ፡ በዚ ከምዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ በቶም ካህናት ጥራይ ዘይኮነስ ብዅሎም ኣባላታ ክትነብር ትኽእል እያ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መብዛሕቲኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ጸረ ሲኖዶሳውነት ዝኾነ ቈስስንነት ዝብል ፈተና ኣማእኪሎም ብዝሕ ስልጣናዊ ትምህርቲ ሂቦም እዮም ከምቲ ሕጂ ከኣ ዝብልዎ፥ ብሓባር ንመሰላት ኵላትና ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ተገዳስነት ኣሎና ኵሉ ሰብን ንሰናይን ንህይወትን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ዘቕርቦ ወይ ዝህቦ ነገር ኣለዎ ብርግጽ ከእኣኵሉ ሰብ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝቕበሎ ከም ዘለዎ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵሉን ምስ ኵሉን ናይ ሓባር ጉዕዞ እያ” እንክቡ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።