ድለ

ዕለት 26 መስከረም ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ መልቲ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ተብዕል ዕለት 26 መስከረም ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ መልቲ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ተብዕል 

ዕለት 26 መስከረም ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ መልቲ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ተብዕል

ተስፋ ዶባት ኣይፈልጥን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ቐንዲ መሬት ካብ ክፉት ባሕሪ ንላዕሊ ዘፍርህ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምናልባት ተስፋ ምቝራጽ ዝዕብልል ይኸውን

ሰንበት ዕለት 26 መስከረም ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ተብዕል። መሰላት እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዚኣቶም ምድንፋዕ እድላይነቱን እቶም ኣብዚ መዳይ ዝዋስኡ ሰብ ትካላትን ወለንተይናታትን ከምኡ እውን በርገሳውይናንን ሃይማኖታውያንን ውድባት እቶም ዝተሰዱ ኣብ ዝተኣንገድለን ሃገራት ተወሃሂዶምን ገዛእ ርእሶም ኣላልዮምን ምስ ዘአንገዶም ሃገርን ሕብረተሰብን ተላልዮም ሓድሽ ሕይወት ዝጅምሩ ሰባት ዝህበኦ ኣገልግሎት ኣገዳስነቱ ዘቃልሕ ዕለት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓድሽ ሕይወት። እዚ መግለጺ እዚ እቶም ንተስፋ ምቝራጽ ወይ ንዅነታቶም ንምምሕያሽ ቢሎም ጒዕዞ ተስፋ ወይ ጒዕዞ ቀቢጸ ተስፋ ንኽገብሩ ዝተገዱ ተባሂሉም ዝግለጹ ሰባት ዝጀመርዎ መገዲ ዚሕብር ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ተስፋ ዶባት ኣይፈልጥን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ቐንዲ መሬት ካብ ክፉት ባሕሪ ንላዕሊ ዘፍርህ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምናልባት ተስፋ ምቝራጽ ዝዕብልል ይኸውን። ኵሉ ነገር ሓዲግካ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ ክትከይድ ከለኻ ካልእ ቋንቋ ኣብ ዝዝረከብሉ ቦታ ክትርከብ ከለኻ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ ከቕበለካ ትርኢ። ስለዚህ ዳግም ምውላድ ኪበሃል ከሎ ኵሉ ከም ብሓድሽ ምጅማር ማለት እዩ። ብፍላይ ከኣ ንስደተይናታት ዘጋጥም እዩ። እዚ ዳግም ምጅማር እዚ እውን ተኻኣሊ ክኽውን ንዝገብሩ ኣእዳዎም ንዝዝርጉሑን ጽን ቢልካ ኵነታት ናይ ምስማዕ ኣጋጣምታት ንዝፈጥሩ ምምስጋን የድሊ፣

ኣብ 1941 ዓ.ም. እተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት

ቤተ ክርስቲያን ሰንበት ዕለት 26 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተብዕል። እዛ መዓልቲ እዚኣ ካብ 1941 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውርሒ መስከረም ናይ መወዳእታ ሰንበት እትበዓል እያ። ናይ ለምዘበን መበል 107 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፥ “ብሓባር ናብ ዝዓበየ ‘ንሕናውነት” ዝምራሕ ክኸውን ወሲኖም በዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽተይ ከምዝበልክዎ፥ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልበይ ዘሎ ሻቕሎትን ድሌትን እገልጽ፥ ድሕሪ እቲ ናይ ጥዕና ቅልውላው እቲ ዝኸፍአ ስጒምቲ ኣብ ብርቱዕ ቍጠባዊ ኣተሓሳስባን ስስዕ ዝመልኦ ርእሰ ምክልኻልን ምውዳቕ እዩ። ኣብ መወዳእታ ‘ካልኦት’ ከም ዘይህልው ኰይኑ ‘ንሕና’ ጥራሕ ንኽንከውን ንሰማየ ሰማያት እጽልይ። ስለዚ ከኣ እየ ነታ መበል 107 መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ስደተይናታትን ተመዛበልትን “ብሓባር ናብ ዝዓበየ ‘ንሕናውነት” ንዝብል መልእኽቲ ክውፈይ ዝወሰንኩ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እንነብሮ ሓባራዊ ጒዕዞ ክሕብር ስለ ዝደለዅ እዩ።

ዝብል ሓሳብ ከምዘንበሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ “መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት” ክዛረቡ ንካቶሊካውያን “ኣብ ብዙሕነት ሕብረት” ከምዘሎ ከስተውዕሉ ሓያል ምሕጽንታ አቕሪቦም፥

ንኣባላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እዚ ጻውዒት እዚ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንማሕበረሰብ ኤፈሶን “ከምቲ ንሓንቲ ተስፋ እተጸዋዕኩም ሓደ ሰብነት ሓደ መንፈስ ኣሎ ሓደ ጐይታ ሓንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት ኣሎ” ኣንክብል ኣብ ዘቕርቦ ጻውዒት ዝትርጐም ነዚ ንምባር ኣብ ዝገብሮ ህርኵት ጻዕሪ ዝግለጽ እዩ።

ስለዚህ እዚ ንምህናጽ ዝተጸውዑ እያቶም ከምዝበሉ የዘኻኽር።

ኣይፋል ንዓሌታዊ ጽልኢ

ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዝራክ ኪበሃል ከሎ ንጒዳይ ዓሌታውነት ምፍታሕ ማለት እዩ፡ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ኣዋጅ ደርባን ኣብ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም፥ ካሕሳ ዓሌታዊ ፍትሕን ንማዕርነት ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ህዝብታት ዘተኰረ ስጒምቲ ዘለዎ ኣገዳስነት እንከመላኽቱ፥ “ብዙሓት ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ካብ ዓዶም ምስ ወጹ ወይ ካብኡ ኽወጹ ምስ ዝግደዱ ኣብተን ዝኣትዉለን ሃገራት ዓሌታውነትን ኣድልዎ ብዓሌትን ጽልኢ ጓነቶን ንጽገትን ዘይኮነ ዘድልዮም ደገፍ ክረኽቡ እዩ ዝግብኦም - ቢሎም -  ንዅሉ ዓይነት ዓሌታውነትን ጽልኢ ጓኖትን ኣድልዎ ብዓሌትን ዝኣመሰለ ንዘጓንፎም ኢሰብኣዊ ጸገማት ንምቅላስ” ናይ ቅድስቲ መንበር ህርኵት ጻዕሪ ደጊሞም ምስ ኣረጋገጹ፡ ኵሉ ዓሌታዊ ጽልኢ “ኣብቲ ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ዝተሓተ ክብረት ኣለዎ ኣብ ዝብል ግጒይን ተስፋ ኣልቦን መሰርት ኣብ ዘይብሉ ፍርሂን ዝተመስረተ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

26 Sep 2021, 02:19