ሰንበት ዘዮሓንስ መስከረም 2 2014 ዓ.ም. (9/12/2021)

መዝሙር፡ዮሓንስ አኅድዐ (ዮውሃንስ መስከረ). . . ዮሓንስ ዓው ኢሉ ነቶም ብጾቱ ከምዚ እናበለ መስከረ ካብ ላዕሊ ቃል አቦ ወረደ እሞ በቲ ግርማ መለኮት ማይ ዮርዳኖስን ተናወጸ፥ ኩሎም ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ሰንበዱ፥ አብ ቢታንያ አብ ቤት ራባ አብ ስግር ዮርዳኖስ ዮሓንስ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ እንሆ የዋኅ በግዕ እግዚአብሔር እናበለ ዓው ኢሉ ተዛረበ፥ ኢየሱስ ንዮሓንስ ማይ መታን ክቕደስ ብማይ አጥመቐኒ በሎ፥ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ብምልክት ሰማይ ገሩ ዮሓንስ ንኢየሱስ አጠመቖ ድሕሪኡ ንሱ ተጠሚቝ፥ ንህዝቢ ሰንበት አኽብሩ ጽድቂ ግበሩ እናበለ አምሂርዎም”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡   1ቆሮን 11፡17-ፍ፥ ያዕ. 2፡1-14፥ ግ.ሓ. 18፡24-ፍ፥ ዮሓ. 1፡15-38.      ምስባክ፡.        ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ፥ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባር በድው። “ምጅማር ዓመተ ምሕረትካ ትባርኽ፥ በረኻታት ብጠለት ይጸግቡ፥ ጎቦታት በረኻ ይረውዩ” መዝ. 65፡11-12።     -      ሣህል ወርትዕ ተራከባ ጽድቅ ወሰላም ተሰዓማ ርትዕሰ እምድር ሠረፀት። ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ ሓቅን ሰላምን ተሰዓዓማ፥ሓቂ ካብ ምድሪ ኽትበቍል እያ መዝ. 85፡10-11። 

ቀዳመይቲ ሰንበት ሓዲስ ዓመት ዘመነ ማርቆስ ነብዕል አሎና። ውሃቢ አምላኽ አብዚ ፍሉይ ዕለት ዘብጽሓና ምስጋና ይኾኖ። ኩሉ ዝህብ አምላኽ ሎሚ እውን ፍቓዱ ኮይኑ አብዚ ሓዲስ ዓመት በዚ ብሩኽ ሰንበት ክንጅምር ስለ ዝፈቐደን ዝሃበን ተመስገን ንበሎ። ንኹልኹም በዚ አጋጣሚ ዓመት ሰላምን ፍቕርን ቅሳነት ይግበረልና እናበልኩ ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልኩም።

አብ ምጅማር ሓዲስ ዓመት ክንሓስበሉን ክንገብሮን ዘሎና ፍሉይ ተዘክሮ አሎና፡

·      ስርዓተ ግዕዝ እንኽተል ሓዲስ ዓመት ዝአትወሉ ንፍሉይ ተዘክሮ ይዕድመና። አቖጻጽራ ግዕዛዎ ባኅረ ኅሳብ ምስቲ ናይ ሮማውያን ጁልያን ካላንደር ዝብልዎ ዝሰማማዕ እዩ። ሎም ዘበን ዘመነ ማርቆስ 2014 ዓ.ም. እዩ። አብ ሓዲስ ዓመት ስለ እንርከብ መንፈሳውን ሥጋውን መደባትና እነውጽአሉ ጊዜ እዩ። ንዓመት መመላእታ ብፍሉይ ምስ አምላኽን ሰብን ዝህልወና ርክብ አብ ዝሓሸ መገዲ ክነትሕዞ እንምድበሉ፥ ንግላዊ ሕይወትና አብ ዘሓጉስን ዓወት አብ ዘልኦ መደብ ክነእቱ እንውስነሉ ፍሉይ ሰንበት ኢና ዘኪርና ዘሎና። እምብአር ዓመትና ምስ ሓዲስ መንፈስ ክንአትዎ ከሎና ፍረ አልኦ።

·      አብዚ ሰንበት ምስ ናይ ቅዱስ ዮውሓንስ ሕይወት አተሓሒዝና ንዝክሮ። ቅዱስ ዮውሓንስ ንብሉይን ሓዲስን ኪዳን ዘራኽብ ነብይን ረድእን እዩ። ንሱ ንብሉይ ኪዳን ዓጻዊ መውዳእታ ነብይ ከምኡ ንሓዲስ ኪዳን ከፋት ስብከት ናይ ክርስቶስ ፊተውራሪ ቃል አዋጂ እዩ። ንሓዲስ ዓመት ፍሉይ ትርጉም ይህቦ። ካብ አረጊት ጠባያትና ናብ ዝተሓደሰን መንፈስ ሓቅን ርትዕን ክንለብስ ይዕድመና። መንግስተ ሰማይ ትቐርብ አላ እሞ ተነስሑ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍሬ ግበሩ እናበለ ዝሰበኸ ዮውሓንስ ሎሚ እውን ነዚ መንፈስ ለቢስና ኢና ንሓዲሽ ዓመት እንአትዎ ዘሎና።

·      ወድ ሰብ ንዝኾነ ዓቢይ ጉዳይ ክጀምር እንከሎ ሓሲቡ ክአትዎ እንከሎ ዝግባእ ምቅርራብ ገሩ ዘድልዮ ነገራት አሰናድዩ ክአትዎ እንከሎ ጉዳዩ ፍረ አልኦ። ነዚ ዓመት ከመይ ክካየድ እየ ካብ ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ተማሂረ አብ እንታይ ደኺመ ነረ ሎሚኸ እንታይ ፍታሕ ረኺበሉ እጀምር አሎኹ፥ ንዓመት ዝኸዶ ሕይወት ዝአክል ስንቂ ሒዘዶ እአትዎ አሎኹ እንበልና ምስ ርእስና ሱባኤ አቲና እንአትዎ እዋን እዩ። ነዚ አብ ልብና አሕዲርና ዓመትና ክንጅምር ከሎና ጸጋ ዝበዝሖ ዓመት ኢና እነሕልፍ። ጽቡቅ ዝጀመረ ፍርቂ ዳርጋ ዝበጽሔ ከም ዝብሃል ሎሚ ብጽቡቕ መንፈስን ውሳኔ ርእስናን ንጀምሮ።

ሓዲስ ዓመት ክአቱ እንከሎ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት እናበልና ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ፥ መራሕቲ ሃይማኖት መራሕቲ ሃገር ንህዝቢ ርሑስ ሓዲስ ዓመት እናበሉ ብዘለዎም ስልጣን ንህዝቢ ሰናይ ትምኒቶም ይገልጹ። ኩልና ብአካል ብተለፎን ብጽሑፍ ብዝተፈላለየ መራኸቢ አብዚ አብ ዓዲ ንዘለዉ ናይ ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ። ብሓቂ ቅሳነት ሓጎስ ዝፈጥር ቃላት እዩ። እንተ ኾነ እዚ ኩሉ ሰናይ ትምኒት እንታይ እዩ ትርጉሙ። ሓጎስ አብዚ እንነብሮ ዓለም ክነርኽቦ ንኽእል ዲና። ንአና ንክርስትያን ሓጎስ ክንብል ከሎና እንታይ ማለት እዩ። ፍጡር ዝሕጎስ ምእንቲ ምንታይ ከም እተፈጥረ ከለሊ እንከሎ ጥራሕ እዩ። አዕዋፍ ሰማይ ክነፍራ ሕጉሳት እየን ንብል ሓጎሰን አብ ሰማይ ክነፍራ ክንርእየን ከሎና ነስተውዕለሉ። ዓሣታት ባሕሪ ሕጉሳት እዮም ንብል አብ ባሕሪ ክገላበጡ ክንርእዮም ከሎና። ኩሎም እንስሳታት በቲ አምላኽ ዝሃቦም ጸጋ ንተፈጥርኦም ብሕጉስ መገዲ ይመርሑ። ደቂ ሰብ ሕጉሳት እንኸውን አብቲ አምላኽ ዝፈጠረና ምኽንያት ብምልአት ክንበጽሕ ከሎና ኢና ሕጉሳት እንኸውን። እምነትና ሰብአይን ሰበይትን ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር እዮም ተፈጢሮም ይብለና። ተፈጥሮና ንአምላኽ ምምሳል እዩ። ካልእ ክንመስል ተፈጥሮና አይኮነን። ቀዳሞት ወለድና ኃጢአት ቅድሚ ምግባሮም ዝነበርዎ ሕይወት መግለጺ ሕጉስ ሕይወት እንታይ ምዃኑ ይገልጸልና። ንአምላኽ ምስ ሓደጉ ካብኡ ምስ ተፈልዩ መወዳእታ ሓጎሶም ኮይኑ። አብ ኦሪት ዘፍጥረት መወዳእታ ሓጎሶም ክገልጽ እንከሎ ካብ ገጽ አምላኽ ተሰጒጎም ካብ ገነት ተሰጒጎም በዚ ኸአ መወዳእታ ሓጎሶም ኮይኑ ይብለና። ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝጠፍኤ ሓጎስ ክመልስ ኢሉ እሞ አብ ምሉእ ሓጎስ ከእትወና ኢሉ ነቲ ዝተዓጽወ መንገስተ ሰማይ ክኸፍት ኢሉ አብ መንጎና ሓዲሩ።

ሓዲስ ዓመት ክነብዕል ከሎና በብእዋኑ ካብ መገዲ አምላኽን መንግስቱን ብእንገብሮ ክፍአት ኃጢአት ሓጎስና ስለ እንዓጹ አብ ጸጋ ክርስቶስ ተመርኲስና ክንሕደስ ምእንቲ እዩ። ነቲ ምስ አምላኽን ሰብን ዝዓጾናዮ ልብና ክንከፍቶ ምእንቲ፥ ነቲ ዝሓደግናዮ መገዲ አምላኽ አብኡ ክንምለስ ምእንቲ ሓዲስ ዓመት በብዓመቱ ነብዕል። ሓዲስ ዓመት አብ ዝአተወሉ እምብአር ምስ ነፍስኻ ምስ አምላኽካ ምስ ከማኻ ሰብ ብኹሉ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮንካ ክትርከብ እሞ ንሓዲስ ጉዕዞን ርክብን ስንዱው ምዃን እዩ። ርሑስ ሓዲስ ዓመት ክንብል ከሎና ብሓዲስ መንፈስ ብሓዲስ ሕይወት ትጅምር ዘሎኻ ማለትና እዩ። ተቐይርካ/ኪ ዘሎኻ/ኺ እናበልና ናዘኻኽር አብ ነነድሕድና።

አብ መንግስቲ አምላኽ ክንአቱ ከምብሓዲስ ክንውለድ አሎና። አብቲ ምስ ኒቀዲሞስ ዝገብሮ ዘተ ባዕሉ ኢየሱስ ምሂሩና አሎ። “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ አሎኹ ከምብሓዲስ እንተ ዘይተወልድኩም አብ መንግስቲ አምላኽ አይክትአትዉን ኢኹም”። ከም ብሓዲስ ምውላድ ማለት ከአ ካብ ላዕሊ ክትውልዱ አሎኩም ማለት እዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስ ክትውለዱ አሎኩም ማለት እዩ። ኢየሱስ ነቲ ሓሳብ እንደገና ክደግሞ እንከሎ “ብሓቂ እብለካ አሎኹ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ አብ መንግስቲ አምላኽ ክአቱ አይክእልን እዩ፥ ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ግን መንፈስ እዩ” (ዮሓ 3፡3~6) ይብለና።

አብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ንረክብ። “ሓዲስ ፍጥረ” ዝብል። እዚ ሓዲስ ፍጥረት ሓደ ሰብ አብ ክርስቶስ ምስ ነበረ ይርከብ። ነዚ ሓዲስ ፍጥረት ዝብል ጳውሎስ አብ መልእኽትታቱ 165 ጊዜ ይደግሞ። አብ 2ቆሮ 5፡17 ከምዚ ይብል “ሓደ አብ ክርስቶስ እንተ አልዩ ንሱ ሓዲስ ፍጥረት እዩ፥ እቲ ብሉይ ሓሊፉ እንሆ ኩሉ ሓዲስ ኮይኑ እዩ” ይብል። ከመይ ኢሉ እዩ ሓደ አብ ክርስቶስ ሓዲስ ፍጥረት ዝኸውን። ንቅዱስ ጳውሎስ ነቲ አረጊት ሕይወትና አብ አዳም ብሙማትን አብ ክርስቶስ ብምውላድን እዩ ዝርከብ። መገዲ ሕይወት አብ ክርስቶስ ዝረከብ ምስኡ ብሙማትን ብምትንሳእን እዩ። እቲ መገዲ ሞትን ትንሣኤን፥ ሞትን ከምብሓዲስ ብምውላድን እዩ። ንጳውሎስ ሓዲስ ልደት ወሳኒኡ ምስ ኢየሱስ ዘሎካ ርክብ እዩ። ምስኡ ሓደ እንተሎኻ ሓዲስ ሕይወት ተስተማቕር አሎኻ ማለት እዩ።

ንሰብ ሓጢአት አረጊት ፍጥረት ይገብሮ እዚ ኸአ ነቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ድሕነት ሓዲጉ አብቲ አዳምን ሔዋንን ዘምጽእዎ ጥፍአት ይመልሶ ስለዚ ወዲ አረጊት ጠባይን መንፈስን ስለ ዝለብስ አረጊት ሕይወት ንብሎ። ክርስቶስ ነቲ አረጊት ስዒርዎ ኩሉ ቀይርዎ ደቂ ሰማይ ሓደስቲ ፍጥረት ገሩና እዩ። ብወገና ነዚ ብሉጽ ጸጋ ኩሉ ጊዜ ክንሕልዎ አባና ምልክት ተሓድሶ ኩሉ ጊዜ ንሰባት ክደጉሖም ይግባእ ሽዑ ርሑስ ሓዲስ ዓመት እንተ በልና ሓቀኛ መልክዑ ለቢሱ አሎ ማለት እዩ።

ስለምንታይ እዩ ከም ብሓዲስ ክንውለድ ዘሎና?

አብ ሓደ ዘንበብክዎ ጽሑፍ ብዛዕባ ሓንቲ ጓል ሰለስተ ዓመት ዝርኢ በዅሪ ንስድራአ ዝኾነት እሞ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ አንቢበ። ንሳ በዅሪ ናይ ስድርአ እሞ ንሳ ጥራሕ እያ ነራ ጓሎም። አዲአ ንካልአይ ሕፃን ንፍሰ ጾር ምስ ኮነት እቲአ ጓል ብጣዕሚ ተሓጒሳ ብዛዕባ ዝውለድ ሕፃን ሓዋ ወይ ሓፍታ። እቲ ቆልዓ ምስ ተወልደ ካብ ሆስፒታል ገዛ ምስ አምጽእዎ እቲአ ጓሎም ሓደ ሕቶ ሓቲታ። ንሓዋ ንበይና አብቲ ንሱ ዘለዎ አትያ ማዕጾ ክዕጾ እሞ ንሓዋ ክትረኽቦ ንወለዳ ሓቲታ። ወለዳ ንበይና ማዕጾ ዓጽያ እሞ ጓላ ሰለስተ ዓመት ደስ አይበሎምን። ድሕሪ ብዙሕ ምሕታት ወለዲ intercom system አብቲ ቆልዓ ዘለዎ ስለ ዘእተዉ ዝኾነ አንተ ኾነ ብቕልጡፍ ክሰምዑ ስለ ዝኽእሉ ንሕቶ ጓሎም ተቐቢሎሞ። ምናልባት ንሕፃን ገለ ነገር ክትገብሮ እንተ ፈቲና ብቕልጡፍ ክአትዉ ከም ዝኽእሉ አሚኖም አፍቂዶምላ።

ንጓሎም አብቲ ሕፃን ዘለዎ ክትአቱ አፍቂዶምላ ነቲ ድምጺ ምስምዒ ከአ ከፊቶም ሓዲጎሞ። ጓሎም ቀስ ኢላ አብቲ እቲ ቆልዓ ዘለዎ ገጻ ክትከይድ ድምጺ አእጋራ ይሰምዑ ነሮም። አብ ልዕሊ እቲ ሕፃን ደቂስሉ ዝነበረ ደው ኢላ ነቲ ወዲ ሰለስተ መዓልቲ ሕፃን ሓዋ ከምዚ ኢላ ክትዛረቦ ሰምዕዋ “ብዛዕባ እግዚአብሄር ንገረኒ ዳርጋ ብዛዕብኡ ጠፊኡኒ እዩ ዘሎ” ኢላ ሓቲታቶ።

እዛ ጓል ሰለስተ ዓመት ንጽሕቲ ሕጻን ነቲ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሓዋ ብዛዕባ እግዚአብሔር ክነግራ ሓቲታቶ አብዚ ብዙሕ ክንርኢ ንኽእል፡

  • ሕፃናት እቶም ዝቐረቡ አብ አምላኽ ምዃኖም እዚ ኸአ አብኦም ዝኾነ ክፍአት ስለ ዘይርከብ። ከም ሕፃናት እንተ ዘይኮንኩም መንገስተ ሰማያት አይክትአትዉን ኢኹም ይብለና ኢየሱስ።
  • እዛ ሕጻን ብዛዕባ አምላኽ ካብ ወለዳ ወይ ካብ ካህን ወይ ካብ መሳቱአ ክትፈልጥ አይደለየትን ካብዚ ሓዲስ ፍጡር ሓዋ እሞ ብዛዕባ እግዚአብሄር ክነግራ ሓቲታቶ። ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ብዛዕባ አምላኽ ክትሓትት ደልያ እግዚአብሔር ንአአ እንታይ እዩ። ዕሸል አብ ቅድሚ አምላኽ ልክዕ ከም ኩልና እዩ እግዚአብሔር የድልዮ/ያ።
  • ብዛዕባ እግዚአብሔር ክንፈልጥ ነቲ ሓቀኛ መገዲ ዝነግረና ንሕተት፥ ዘረባ ዘብዝሑ ሓቂ ዘምስሉ ሰባት ብዛዕባ እግዚአብሔር ክነግሩና አይክእሉን እዮም።

እዚ ታሪኽ መሳጥን ልቢ ዝትንክፍን እዩ። እዚ ዘዘኻኽረና ንሕና ካብ አምላኽ ኢና እዚ ብንኡስ ዕድመና እንዝክሮ እዩ፥ ሕጂ እውን እንዝክሮን እንፈልጦን እዩ። እንተ ኾነ ጉዕዞ ዕድመ ደቂ ሰብ አብ ጉዕዞ ፍልጠት ናይ እዚ ዓለም እዩ። እቲ ዘገርም መጠን ዝዓበናሉ መጠኑ ብዛዕባ መበቆልና መወዳእታና አበይ ምዃኑ ንርስዕ። መልክዕናን መንነትና ብናይ እዚ ዓለም ነገርት ይቕረጽ ማለት ብኃጢአትን ሳዕበን ኃቲአትን ንመልክዕና፥ ንአይ ጥዓመኒ፥ ኩሉ ድሕረይ፥ ከምኡ ካብ እግዚአብሔር ምርሓቕን ጓና ምዃና መለለይኡ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ኢና ካብ ላዕሊ ክንውለድ ዘሎና።

ዓለምና ጽን ኢልና እንተ ረአናዮ ንአምላኽ ሓዲጉ አብ ጸልማት አብ ግዝያዊ ሓጎስ ንሰባት ብምጥላምን ብምዕማጽን ሃብቲ ክብሪ ሽም ምድላብ፥ ንድኻታት መጋበሪ ምግባር፥ ንሰባት ነጻነቶም ከሊእካ አብቲ ንስኻ ጥራሕ እትደልዮ ከም ዝነብሩ ምግባር፥ ንወጽዓ ሰባት አብ ጥቕምኻ ከም ዝውዕል ምግባር፥ ንእንዳማትካ ባዕልኻ ዋና ምዃን። እዝን ካልእን ዝወረሳ ዓለምና ትሕመስ ንርእያ አሎና። እቲ ወኪል እግዚአብሔር ኮይኑ ዝተፈጥረ ሰብ መንነቱ ተሓዲጉ መጋበሪ ከም ሓደ አቕሓ ዝርአየሉ እዋን በጺሕና አሎና። ነዚ ግፍዒ ዝመልኦ ዘመና ንሕና ደቂ ክርስቶስ ሕይወትና ብምቕያር ንግፍዕን ዓመጽን ክጠፍእ ብምጽላይን ንኽፉእ ካባና ብምርሓቕን ክንቅይሮ ንኽእል ኢና።

ቅዱስ መጽሓፍ ዝህቦ መግለጺ ኩነታት ደቂ ሰብ ተስፋ ዘቑርጽ እዩ። ሰብ መለለይኡ እንተ ረኤና፥ ካብ አምላኽ ዝፍለ፥ አብ ጥቕሚ ርእሱ ዝጥራሕ ዘተኩር፥ ዕዉር፥ ንጥቕሚ ርእሱ ጥራሕ ዝሓስብ፥ ዕቡይ፥ ዘይቕሱን፥ሕማቕ ጥራሕ ዝርዳእ፥ ዘይግድሶ፥ ቁጡዕ፥ ዓማጺ። አብ ጸልማት ዕዉረትን ዝነብር ኢና እንርኢ። ከምቲ አብ ብሉይ ኪድን እንረኽቦ አብ ግብጺ አብ ባርነት፥ ብስደት አብ ባቢሎን ዝነብር ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። አብ ገለ እዋናት ባዕልና ግብጽን ባቢሎንን ንኸውን ማለት ጨኮንትን ጭኩናትን ንኸውን። ብፍላይ ከም ጋንታ ጨካናትን ጨኮንትን ንኸውን። ብሓባር ክንገብር ከሎና ሕማቕ ዘየሎ ይመስል። ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር ተፈጢርና እንተ ኾነ ሕይወትና ካብ መንገስተ ሰማያት ወጻኢ ይነብር። አብ ናትና ዓለም ወጻእተኛታትን አብ ጥቕሚ ነፍስናን ጥራሕ እንጥምት ኮና ንነብር። ከምብሓዲስ ክንውለድ አሎና እዚ እዩ እቲ መገዲ ካብ ስደት እንምለሰሉ፥ እዚ እዩ እቲ መገዲ አብ ርእስና ክንምለስ ዝሕግዘና፥ እዚ እዩ እቲ መገዲ ክነብሮ እንጅምሮ ካብ ውሽጥና እምበር ካብ ደገ ንውሽጥና ዘይኮነ፥ ጉዕዞ ጽአት ካብ ናይ ግልናን ሓበራውን ንአይ ጥዓመንን ክኸውን አልኦ። ከም ብሓዲስ ክንውለድ ማለት ካብቲ ሓሳዊ ርእስና ክንመውት፥ ካብቲ መንነትና ክንመውት፥ ካብቲ ዓይነት ሕይወት ክንመውት እዩ ዘስምዕ። አብ መንፈስን አብ ክርስቶስን አብ አምላኽን ምንጭኻ ገርካ ከም ብሓዲስ ምውላድ። እዚ ኹሉ ውሽጣዊ ጉዕዞ ናይ ሓደ ንርእሱ ዝገልጽ እሞ አብ መንጎና ከም ብሓዲስ ዝውለድ እዩ።

ሓዲስ ሕይወትና እምብአር ከምብሓዲስ ምስ አምላኽ ዝራኸብ ከኸውን አለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓዲስ ሕይወት አብ ክርስቶስ ዝብል ብፍሉይ ቃላት ይገልጾ። አርባዕተ ፍሉያት ቃላት መለለዪ ናይ ሓዲስ ሕይወት አብ ክርስቶስ ይነግረና፥ ነጻነት፥ ሓጎስ፥ ሰላምን ፍቕርን እየን ኢሉ ይገልጸልና።

  • ነጻነት፥ ካብ ኩሉ አብ ልዕለና ጎይታ ክኸውን ዝደሊ ነጻ ምዃን። አምላኽ ክቡር ነጻነት ንዝንአሱ ንዝዓበዩ ንኹልና ሂቡና እዩ። ነጻነት ሰብ ክንግደስ ተፈጥሮና ዝግድዶ እዩ። ሰብ ነጻነቱ ክንገፎ ከሎና አብ ጸልማት ነንብሮ ሽዑ ምርአይ ስለ ዘይክእል ከለሊ የጸግሞ ካብዚ ኢና ክንጥንቀቕ ዘሎና፥ ሓጎስ፥ ካብ ስሱዕ ዝኾነ ሕይወት ምርሓቅ፥ ዘሎናዮ ዘመን ብስሳዔን ናይ ጥዓመንን ንሰባት አጠፋፊእካ ዓሚጽካ ሃብቲ ምድላብ፥ ጥቕሚ ርእሳኻ ጥራሕ ምርአይ ንልብና ይዕውሮ ካብዚ መንሽሮ መንፈስ ዝኾነ ሕማም ነጻ ክንወጽእ እንተ ደለና አብ አምላኽ ንኹሉ ዝህብ ክንምለስ አሎና።
  • ሰላም፥ ልዕሊ ኹሉ ርድኢት አተሓሳስባ ሰብ እትርከብ ህያብ አምላኽ እያ። ሰላም ዘይብሉ ሕይወት ጽቡቕ ክገብር ይኸብዶ። ሰላም ዘይብሉ ሕልና ጨካን እዩ ምኽንያቱ ኩሉ ጸላኢኡ ገሩ ስለ ዝሓስብ ንሰላም አብ ኩሉ ክነንግሳ ክንደልያ ክንጽዕረላ ዝኽፈል ኩሉ ክንከፍለላ ይግባእ። ዝዓበየ ሰላም ንአምላኽ ምርካብ እዩ። ሰብ አምላኽ ምስኡ አብ ሕይወቱ አንተሎ ሥጋዊ ወግእ ዘይምቕሳን ዓለም አይይናቱን እዩ። ክርስትያን አብ እምነቱ ዝነብር አብ ጓይላ ውግእ ዝጽሊ እዩ።
  • ፍቕሪ፡ ፍቕሪ አምላኽ አባናን አብ ውሽጥና ዝርከብ ክከውን ይግባእ። ዘፍቅር ንአምላኽ ይፈልጦ ከመይ አምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ። ፍሉጥ ምልክት ተከታሊ ክርስቶስ ፍቕሪ እዩ። ንአምላኽን ሰብን ነፍቅር እንተ ኾና አምላኽ ምሳና አሎ። ክርስትያን ተልእኮና ንጽልኢ ክነጥፍእ ንፍቕሪ ክነንግስ እዩ። ፍቕሪ ከተንግሳ ከባድ ስለ ዝኾነት ምስ ጸረ ሰላም ኲናት ክንገጥም አሎና። መንፈስ ሰይጣን ዝመለኾ ጥራሕ እዩ ሰላም ዝጸልእ።

ነዚ መንፈስ እንተ ለበስና ሓዲስ ልደት አሎና ማለት እዩ ንነፍስወከፍና ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ክንብል ምቹእ እዩ። ንማርያም ጠበቓና ገርና ንመድኃኔ ዓለም አቦና ንዚ ዓመት ባርኸልና ሰላም ፍቕሪ ዝነግሶ ገበረልና። ንዓለምና ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ክንገብራ ክእለትን ጸጋን ዓድለና ንበሎ።

ንኹልኹም ብሩኽ ሓዲስ ዓመት እናተመነኹ አብ ኩሉ ጸጋ የብዝሓልኩም ዓመት ሰላምን ፍቕሪን ምሕረትን ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

                                                         

11 September 2021, 23:11