ሓዲስ ዓመት 2014 ዓ.ም.ግ ዘመነ ማርቆስ መስከረም 1 2014 ዓ.ም.ግ(9/11/2021)

ዋዜማ፡ ብፁዕ አንተ ዮሐንስ … የውሓንስ ንስኻ ብፁዕ ኢኻ ነቲ ዘሎካ እትፈልጥ፥ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር እትጉዓዝ አብዚ ርእሰ ዓመት ዝኽርኻ ዝተጻሕፎ ምእንታና ጸሊ፥ በረኸትካ ክወስድ ባርኸኒ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 2ቆሮን 2፡1-11 ፥ ያዕ. 5፡8-13፥ ግ.ሓ. 5፡12-17፥ማቴ 11፡1-20  ምስባክ፡ ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ፥ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባር በድው። “ምጅማር ዓመተ ምሕረትካ ትባርኽ፥ በረኻታት ብጠለት ይጸግቡ፥ ጎቦታት በረኻ ይረውዩ” መዝ. 65፡11~12። ወይ አድኅነኒ እግዚኦ እምእለ ሮዱኒ እስመ ይኄይሉኒ ወአውጽአ እሞቅሕ ለነፍስየ ከመ እግነይ ለስምከ እግዚኦ፥ “ ንስምካ ምእንቲ ከምስግነካ ካብቶም ኃይሎሚኒ ዘለዉ ጸላእተይ አውጽአኒ” መዝ. 142፡6~5።

በዚ ብሩኽ ዕለት ንኹልኹም ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ማርቆስ 2014 ዓ.ም.ግ. እናበልኩ ናይ ሰላም ፍቕሪ ምሕረት ዓመት ገሩ አብ ሕይወትና ንአምላኽ ብምሉእ ድላዩ እናፈጸምና ክነሕልፎ ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልኩም። ንአኹምን ንኹሎም ቤተሰብን ፈተውትን ናይ ጥዕና ብልጽግናን ዓመት ይግበረልኩም። ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ እንከሎ ክልተ ነገር ኢና እንዝክር፡ መጀመርያ ነዛ ሎሚ እትውድእ ዘላ ዓመት አጀሚሩ ንዘፈጸመና አምላኽ ብልቢ ነመስግኖ። አምላኽ ፍቓዱ ኮይኑ እዛ ዓመት ፈጺምናያ አሎና ክንደይ ቤተ ሰብና ወይ እንፈልጦም በዛ ዓመት ተጸዊዖም ሓሊፎም አለዉ። ንሕና ግን አሎና ስለዚ ክንጥቀመሎ ሎሚ እውን ጊዜ ተዋሂቡና አሎ። እሞ አብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዝወደቕናዮ ንአምላኽ ዘጉሃናዮ እንተሎ ምሕረት ክንሓትት ሎሚ እዋኑ እዩ። ካልአይ ነዛ እትአቱ ዘላ ዓመት አምላኽ ሒዝና ክንጀምራ አሎና። ዓመትና ፍረ ዝህልዎ ምስ አምላኽ ኮና ክንጀምሮ እንከሎና እዩ። አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ጊዜ ይህበና አሎ ድላዩ ክንገብር፥ አብ ኃጢአት እንተ ወደቕና ክንስሓሉ፥ ወንጌል ክርስቶስ አብ ኩሉ ክንሰብኽ፥ ሰላም ፍቕሪ ክንሰብኽ ዕድል ይውሃበና አሎ። ነፍስወከፍና ሰላሳ ስሳ ሚእቲ ክነፍሪ እዚአ ዓመት ትውሃበና አላ። አሕዋተይ ፀሓይ በሪቓ ከይትዓርበና ክንጥንቀቕ አሎና። እሞ ነዛ ሓዳስ ዓመት አብ ምሉእ ምሕረት አቲና ክንጅምራ እዩ ድላይ አምላኽ። ከም ሰብ አብ ዝሓለፈ ደኺምና ተጋጊና እንተ ኾና ሎሚ ምእንቲ አምላኽ ኢልና ሕይወትና ሓዲስና ዝገበርናዮ ኃጢአት እንተሎ ክንሰሓሉ ዝበደልናዮ እንተሎ ምሕረት ዕርቂ ክንሓቶ፥ ዝተቐየምናሊ እንተሎ ኸአ ዕርቂ ክንገብር ዝሓትት እዩ እዚ ሓዲስ ዓመትና።

ዓመትና ምስ ብዓል ቅዱስ ዮውሓንስ ኢና እንጅምሮ ዘሎና። ቅዱስ ዮውሓንስ ናይ ብሉይ ኪዳን ዓጻዊ ነብይ ናይ ሓዲስ ኪዳን ከፋቲ ፍተውራሪ እዩ። ንሱ ንምጽአት ክርስቶስ ብቓሉን ብግብሩን ዝመስከረን ዝሰበኸን እዩ። ንስኻ መን ኢኻ ተባሂሉ ምስ ተሓተ አነ ስራኽ አሳእኑ ክፈትሕ ዘይግብአና ማንም ፍጡር እየ እናበለ ንሰባት አብ ክርስቶስ ክሳገሩ ዝሓበረ ዓቢ ነብይ እዩ። ክርስቶስ ካብ ደቂ ሰብ ካብ ዮውሓንስ ዝዓቢ አይተወለድን ኢሉ ዕብየቱ ገሊጹልና።

ዮውሓንስ ንሓቂ ሰቢኹ። ሄሮዱስ ንጉሥ ብዘይ ግቡእ ንሰይቲ ሓዉ ስለ ዘእተወ ብድፍረት ወላ እኳ ክቐትሎ ከምዝኽእል እናፈለጠ ንሓቂ ድሕር ከይበለ ገሲጽዎ። ነቲ ዝገበሮ አንጻር ሕጊ አምላኽ ምዃኑ ክነግሮ አይፈርሐን በዚ ኸአ ምእንቲ ሓቂ ብሰማዕትነት መይቱ። ሕይወት ቅዱስ ዮውሓንስ ሕይወት ጽድቂ እዩ ነሩ። ሎሚ አብ ዓለም ሓቂ ርሒቑ ሰብ አብ ጸቢብ አተሓሳስባ ተአሊኹ ከዕገርግር እንርእዮ ዘሎና እዩ። እናረአኻ እና ሰማዕካ ንሓቂ ዝቐብሩ ውርደትን ስቓይን ናይ ደቂ ሰብ ዘይስቆሮም ካብ መራሕቲ ሃገራት ክሳብ ተራ ሰባት ዓለምና መሊኦማ ስለዚ ሎሚ ከም ዮውሓንስ ንሓቂ ብዘይ ነግ ፈረግ ዝምስክሩ የድልዩ አለዉ። ነስወከፍና ነዚ ክንምስክር እተሓረና ኢና ስለዚ መንፈስ ዮውሓንስ ክሓድረና ንለምን። ሕይወት ቅ. ዮውሃንስ ፍሉይ አብነትና እዩ።

ካብ ዮውሓንስ እንምሃሮ፤

·      ኩልና ሰበኽቲ ወንጌል ምዃና ምዝካር፡ ከም የውሓንስ ንሓቂ ንወንጌል ክንሰብኽ ሓላፍነት ለቢስና ኢና። ሓቂ ክትጠፍእ እንከላ ሰባት ዓመጽ ሓጢአት ብድፍረት ክገብሩ እና ረአና ሱቕ ከይንብል እምነትና ይነግረና። አብ ገለ እዋን ሓቂ ምሓዝ አብ ሞት ክተብጽሓና ትኽእል እያ ስለዚ ንሓቂ ክንምስክር አሎና። አብ ስድራና አብ ሕብረተሰብና ሓቂ ከይትጠፍእ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።

·      ንሰባት አብ ክርስቶስ ክነብጽሕ አብነትና ዮውሓንስ እዩ። ዮውሓንስ ንአርድእቱ እንሆ በግዕ እግዚአብሔር እናበለ አነ ክንእስ ንሱ ክዓቢ ይግባእ እናበለ አብ ኢየሱስ አሳጊርዎም። ብቐትሩ ብርሃን ክርስቶስ ጠፊእዎም አብ ዓለም ተዋሒጦም ንዘለዉ አብ ክርስቶስ ክንመልሶም ሓላፍነትና እዩ። መገዲ አምላኽ ክንሕብሮም አብነትና ዮውሓንስ እዩ።

·      ተጋድሎ አብ ጽድቂ የብጽሕ። ሕይወት ዮውሓንስ ሕይወት ተጋድሎ እዩ። አብ ጽምዋ አብ በረኻ እዩ ዝነብር ነሩ ንሰባት አብ ንስሓ ክአትዉ ይነግር ነሩ። ንአረጊት ሕይወት ብሓዲስ ሕይወት ምስ ክርስቶስ ክጀምርዎ ይሰብኽ ነሩ። ክትቅይር ቀሊል አይኮነን ስለዚ ቆሪጽና ክንትንስእ አሎና። ሓዲስ ዓመት ነዚ ክነተግብር ዓቢ ዕድል ይኸፍተልና።

·      ጸሎት ክነዘውትር። ዮውሓንስ ንሰዓብቱ ዘውረሶም ጸሎት ምግባር እዩ። ሓዋርያት ብአብነት ዮውሓንስ ዝተገረሙ ከምቲ ዮውሓንስ ነርድእቱ ጸሎት ዘምሃሮም ጸሎት ምሃረና ኢሎሞ። ሎሚ ተመሃሮ ጸሎት ክንከውን ይግባእ። ጸሎት ምግባር ዝሒሉ ሰብ ዓለም ውሒጥዎ ንጸሎት ጊዜ ስኢኑ ይነብር አሎ። ስለዚ ጸሎት ክፍሊ ሕይወትና ገርና ነዚ ሓዲስ ዓመት ንጀምሮ።

ባሕሪ ሓስብ ግዕዝ አብ መስከረም ክጅምር እንከሎ ምስቲ ኩነታት ወቕቲ አተሓሒዙ እዩ ዝርእዮ። እዚ ወርኂ መስከረም አብ ዓድና እዋን ሰዊት እዋን ተስፋ ሰብ ብኹሉ ዝሕጎሰሉ ጊዜ እዩ። ምስ እዚ አተሓሒዙ ንመንፈሳዊ ሕይወትና ዝርኢ ክንገብሮ ዝግብአና ክንሓስብ ይዕድመና።  ኩልና ሓዊ እናተሳገርና ንጅምሮ እዚ ናይ ምንጻሕ ምልክት እዩ። አምላኽ ብፍሉይ ጸግኡ ንአይ ንፍጡሩ ፍቕሩ ገሊጹለይ አሎ እሞ ነዚ ጊዜ ከመይ ገረ እየ ከሕልፎ ዝግብአኒ ኢልና ሕልናና ክንሓትት ይግብአና። ስለዚ ነዚ ሓዲስ ዓመት ክንጀምሮ ከሎና ብኸምዚ ዝስዕብ ክንጅምሮ ንኽእል።

  1. ስንቂ የድልየና። ሓድስ ዓመት ሎሚ ክንጅምሮ እንከሎና ስንቂ ዘድልዮ ጉዕዞ ኢና እንጅምር ዘሎና። ስንቅና ኸአ ጸጋ አምላኽ፥ ትእዛዙን ድለቱን ክንፍጽም እንከሎና እዩ። ዓመትና አብ ፍረ ክበጽሕ አምላኽ አብ ሕይወትና ቦታ ክህልዎ ይግባእ። አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ከይንመርሕ ዓቢ ምስትውዓል የድልየና። ምስ አምላኽናን ሓውናን ዘሎና ርክብ ንጉዕዞ ሕይወትና ወሳኒ ተራ አልኦ።
  2. እምነትና ክነብሮ አሎና። አብ አምላኽ ዘሎና እምነት በቲ አብ ከባቢና ዘሎ ኩነታት ተጸልዩ ስማዊ ጥራሕ ከይከውን ምስትውዓል የድልየና። እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ ይብለና ቅ. ያእቆብ።  ስለዚ እምነተይ እነብሮ ዘሎኹ ኢልና ምስ ርእስና ዘተ የድልየና።
  3. ንፈተና ስንድዋት ክንከውን አሎና። አብ ዓለም ዝነብር ብዘይ ፈተና ክነብር ዘይክአል እዩ። ካብ አምላኽ ዘርሕቑ ጸላእቲ አለዉና። አምላኽ ምስ ብዓልመን ትኸይድ ነርካ ወይ ብዓል መን እዮም ወገንካ አይኮነን ዝብለና፥ ብግልና ሕይወትናን ግብርናን እዩ ክሓተና ስለዚ ንኽፉእ አቢና ንጽቡቕ ክንስዕብ አሎና።
  4. ዘራእቲ ሰላም ክንከውን ፍቓደኛታት ንኹን። ሰብ አብ ሕይወቱ ሰላም ምስ ዝህልዎ ጥራሕ እዩ ሰናይ ክገብር ዝኽእል። አብዚ ዓመት ፍረ ዘልኦ ጊዜ ክነሕልፍ እንተኾና ሰላም አብ ርእስና ምስ ከማና ዝበሉ ሰባት ክህልወና ይግባእ። ሰላም ብአፍ ብስም ደለናያ አይኮነትን እትመጽእ ክንነብራ አሎና። ሎሚ ሰብ ሰላም ተሓሪምዎ መለልይኡ ኮይኑ አሎ ስለዚ ንሰላም ኩልና ንድለያ። ምእንቲ ሰላም ኩሉ ጊዜ ንንጉሥ ሰላም ክርስቶስ ንለምኖ።

ነዚ ሓዲስ ዓመት እምብአር ከም ካልእ ዕድል ብአምላኽ ዝውሃበና ዘሎ ገርና ንርአዮ። ዕድል ንንስሓ፥ ዕድል ንዕርቂ ዕድል ንተሓድሶ መንፈስ። ትዕቢት አንነት ካብ ልብና አሊና አብ አምላኽ ንመለስ። መጀመርያ ስጉምትና እምብአር ከመሎኹ ሕይወተይ፥ አብ እንታይ ዘንጊዐ ደኺመ አሎኹ እንታይ እንተ ገበርኩ እየ ክቕየር ክሕደስ ዝኽእል ኢልና ንርእስና ንሕተት። ነፍስወከፍና አብ ልብና ንእቶ። ንሕና ብፍቕሪ አምላኽ ዝተፈጠርና ሕሩያት ፍጥረት ኢና። ክኹነን ክጠፍእ ዝተወሰነሉ ሰብ የለን፥ ኩልና አብ ሓደ መአዲ ክርስቶስ ብፍቕሪ ተዓንጊልና ክንርከብ እዩ ድላይ ክርስቶስ እሞ አብ አምላኽ ዝመልስ መገዲ ንሓዝ፥ ንሓቅን ንርትዕን መምርሒና ገርና ዓመትና ንጀምሮ።

አብ ጎሮጎሮሳው ባሕሪ ሓሳብ ንሓዲስ ዓመት ማርያም አደ አምላኽ ኢሎም ይጅምርዎ። ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ አጀማምራ። ማርያም መንጎኛ አብ መንጎ ደቂ ሰብን አምላኽን እያ። ሎሚ እውን ነዚ እንጀምሮ ዘሎና ዓመት ምስ ማርያም ክንጅምሮ እንከሎና ትርጉም አለዎ። አብ ጊዜ ዝደኸምናሉ ለምንልና ኢልና ጸሎት ክንገብር፥ መገዲ ጠፊኡና ዓወንወን ክንብል ከሎና መንፈስ ወድኺ ስደድልና ንበላ።

ኦ ከአልኩሉን ወሃብን አምላኽ ነዛ እንጅምራ ዘሎና ዓመት ባርኸልና፥ በቲ ንስኻ እትደልዮ ጥራሕ እናተጎዓዝና ክንምራሕ ጸጋኻን ረድኤትካን ሃበና፥ ሰላም ፍቕሪ ምስ ኩሉ እናገበርና ክነብር ኩሉ ጊዜ ምሳና ኹን።

ዓመትና ባሪኹ ናይ ሰላም ናይ ፍቕሪን ዓመት ይግበረልና።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት።

 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

11 September 2021, 08:52