ልኡካነ ወንጌል ፍቕሪ፥ መንፈሳውነት እናተ ተረዛ ንኣፍጋናውያን
ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ኣዋጅ ቅድስና እናተ ተርዛ ዘካልኵታ ምስ ታሪኽ እንተን ቅድሚ ሰሙን ካብ ካቡል ዝወጻ ደናግል ልኡካነ ወንጌል ፍቕሪ ዝተኣሳሰረ ይኸውን። እተን ካብ ካብሉ በቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ናብ ሮማ ዝመጻ ደናግል ማሕበር ልኡካን ፍቕሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ በቲ ናይቲ ማሕበር ደናግል ኣብ ዝመሓደር መእለዩ ጒዱዓት ሕጻናት ካብ ካቡል ሒዘነኦም ምስ ዝመጹ ዘኽታማት ጒዱዓት ሕጻናት ኣቀባብላ ከምእተገበረለንን፥ ኻብቲ ካብ ካብሉ ሮማ ዝመጻ ሓንቲ ኣባል እቲ ማሕበር ደናግል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ድሕሪ እቲ ካብ ካቡል ምልቃቕ ዝብል ዝተወስደ መንፈስ ቅዱስ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ውሳኔ ግብረ ልልያ የብርሃ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ካብ ካቡል ምውጻእ ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህሞት ጽን ቢልናን ብጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ ኣቕሪብናን ድሕሪኡ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምእዛዝ ዝተወሃብ መልሲ እዩ። እታ ዕለት 4 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝክረ ቅድስና ዝበዓለላ ንድኻታት እተገልግል ዝነበረትቅድስቲ እናቴ ተረዛ ውርሻ መንፈሳውነት ዝሰዓበ ውሳነ እዩ። እዚ ማሕበር ደናግል እዚ ኣብ ኵለን ሃገራት ናይ ኣገልግሎት ቤት ዘለዎን ኣብ ጐደናታት ዓለም ዘስተንትን መንፈሳውነትን ከምቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊት ሓለቓ እናቴ ፕረማ ዝበለኦ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ዘገልግል ማሕበር እዩ። እቲ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ኣዋጅ ቅድስና ኣልባኒያዊት እናቴ ተረዛ ምስተን ድሕሪ 15 ዓመት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ዝወጻ ታሪኽ ደናግል ልኡካን ፍቕሪ እተኣሳሰረ ኮይኑ ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ ክንጸንሕ ካልእ ግዜ እውን ክንንቀሳቐስ መንፈስ ቅዱስ ኣስተንፍሶ ኣንቢሩልና እዩ። እተን ካብ ካቡል ሒዘኖኦም ዝመጻ 14 ጒዱዓት ኣፍጋናውያን ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር ዝጒዱዓት ሕጻናት መእለይ ኣቀብብላ ከምእተገበረሎም እውን እተን ካብ ካብሉ ዝወጻ ሮማ ዝኣተዋ ደቂ ማሕበር እናቴ ተረዛ ይሕብራ።
ኣብ ምግልጋል ስደተይንታትን ተመዛበልትን ኣፍጋናውያን
“እቲ ዝሳቐን ኪፍቀር ዚደልን ፍቕሪ ዝሓትትን ዝህብን ኢየሱስ እዩ”፥ እቲ ናይቲ ብቕድስቲ እናቴ ተረዛ ናይ ዝተመስረተ ማሕበር መግለጺ ሕይወትን ተግባርን እዩ፡ ነዚ ኣስተውዕሎ ገይረን ናኣረጋናውያን ቈልዑ ሓንጐፋይ ቢለን ንኽቕበለኦም ዝገበረን ተመክሮ ክገልጻ እንከለዋ . . . ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ዘድሊ ሓይሊ ካብ ጐይታ እዩ፡ እቶም ዝእለዩ ቈልዑ ናይቲ ጐይታ ዝህቦ ሓይሊ መግለጺ እያቶም። እቶም ቈልዑ እዚኣቶም ለውሃት ርክባት ካብቲ ብዛዕባኦም ዘሎና ኣረኣእያ ብእተፈልየ መገዲ ኣቢሎም ይልግሱልና። ክንቀርቦምን ናይ ምፍቃር ክእለት ይህቡና እንክብላ ገሊጸን ከምቲ እናቴ ተረዛ እትገብሮ ዝነበረት ነቲ ዝነኣሰን ትሑትን ዝኾነ ነገር ንኽንርእይ ይገብረና። እቶም ምሳና ዝመጹ ቈልዑ ይብላ ብቐረባ እውን ዝፈልጡና ኣይኹኑ ብቐሊሉ ፍሽኽታ ከርእዩን ከፍቅሩናን ዝኽእሉ ፍጡራት እያቶም ልክዕ ከም ኵሎም ቈልዑ። መዓልታዊ ክንክን ንድኻታት ዘይተጸበኻዮ ሓጐስን ሓባራዊ ምጽንናዕን ዚህብ እዩ። እቲ ኵሉ ነቶም ነኣሽቱን ድኻታትን እተቕርቦ ሓገዝን እንተርእዮ ፍቕሪ እዩ ሓጐስን ሓባራዊ ምጽንናዕን ዝዕድል ኢለን።
ብምፍቃር ጥራሕ ኣብ እግሪ ብዙሕ ቀራንዮ
እተን ካብ ካቡል ዝወጻ ደናግል ልኡካነ ወንጌል ፍቕሪ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዙሕ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመን ዝህበኦ ኣገልግሎት ግና ኣየቋረጸን። ነቶም ጒዱዓት ቈልዑ ሒዘን ናብ ሮማ ምምጻኤን ሓጐስ ከምዝፈጥረለ ገሊጸን “ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ምስ መንነትና ጽምኢ ኢየሱስ ምንባር ናይ ምምሃዝ ክእለት እዩ”። ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ትውኵልን ብፍላይ ኣብተን ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበራለን ዳሕሮት መዓልታት ብዝለዓለ ደረጃ ዝተመስከረ እዩ። ብሓባር ምስቶም ዝሳቐዩ ኣብ ምስናዮም ኣብ መንጐ ስቓይ መስቀል ምንባርን እዚ ናይቲ ኣባል ዝኾናሉ ማሕበር መንፈስ ቅዱስ ዘተንፈሶ መንፈሳዊ መርሖ እዩ፣ . . . “ኣብ እግሪ ብዙሕ ቀራንዮ።” ፍረ ስቓይ ፍቕሪ እዩ። መከራ ወትሩ ክልተ ሳዕቤናት እዩ ዘለዎ፡ እዚ ኸኣ ወይ የበርትዓካ ወይ የምክኸካ፡ ኣብቲ እትሓቝፎ መገድን ምስ መንን እዩ ዚምርኰስ። ኢየሱስ መከራ ብኸመይ ክንስዕሮ ከም ዘሎና ንኽምህረና ብዙሕ መከራ ኣሕሊፉ እዩ። ምስ ሓደ ዝሳቐ ሰብ ምዃን ስቓዩ ምክፋል፣ ፍረ እዚ ኸኣ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ እዅልን ምሉእን ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ምስ ዝሳቐ እሞ ዋላ ሓንቲ ኽትገብር እንተ ዘይክኢልካ ወይ ክትገብረሉ ቅድሚ እትኽእሎ ኵሉ ክትገብሮ ዘሎካ ምፍቃሩ ጥራይ እዩ ይብላ።
ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ድኻታት ክዛረቡ እንከለዉ ንርድኦም ኢና
. . . ገለ ገለ እዋን ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሰብ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ብቑዓት ዝኾና ቃላት ኣይንረክብን ንኽንሕግዞ እውን ዘይንኽእል ኮይንና ክንርከብ ዝከኣል እዩ . . . እግዚኣብሔር ናይ ገዛእ ርእሱ እተፍልየ ግዜን ኣረኣእያን ስለ ዘለዎ ድማ ናይ ዝሳቐይ ስቓይ ተኻፋሊ ብምዃን ብትዕግስቲ ምንባር የድሊ። . . . እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን ሓደ ነገር ክንገብር ኪሓትተና እንከሎ ንድሕሪት ክንምለስ የብልናን። እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ካብ ንብረትን ናብራን ንላዕሊ ብእናቴ ተረዛ እተቐርጸት ቤት ትምህርቲ ህይወት እያ። ምጽባይ ቀሊል ከምዘይኮነ ንሰማማዓሉ ኢና። ኣብቲ ዘለኻሉ ቦታ ክትጸንሕ ስለ ዘሎካ እቲ እትህቦ መልሲ ብዙሕ ስቓይ ዝሓትት እውን ይኸውን፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ምስ ድኻታትን ምቅርራብ ኣብ ኣገልግሎቶም ምውዓል ኣድላዪ ምዃኑ ደጋጊሞም ዝምዕዱና፥ እዚ ሓደ ናይቲ ስልጣናዊ ትምህርቶም ሕመረት እዩ። ንድኻታት ስለ ዝኾንና ኢና እንርድኦም፡ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺእና ናብ እናበልና ነቶም ሓደ ዘይብሎም ክንክናኸኖም ቀጻሊ ዕድመ እዩ፥ ኢየሱስ ምምሳል ማለት ንሱ እዩ . . . ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።