ድለ

ግዜ ፍጥረት፥ መንበሪ ንዅሉ ሰብ ኣብነት ኣባ ዳል ኦሊዮ ብምስዓብ ግዜ ፍጥረት፥ መንበሪ ንዅሉ ሰብ ኣብነት ኣባ ዳል ኦሊዮ ብምስዓብ  ታሪኽ

ግዜ ፍጥረት፥ መንበሪ ንዅሉ ሰብ ኣብነት ኣባ ዳል ኦሊዮ ብምስዓብ

ካብ ዕለት 1 መስከረም መዓልቲ ጸሎት ፍጥረት ከምኡ እውን ክሳዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ መዓልቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ መዓልቲ ፍጥረት ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ብሓባር ብምብዓል ተመክሮ ብምልውዋጥን ብጭቡጥ ቃል ኪዳን ንሓልዮት ናይ ሓባር ቤትናን

ካብ ዕለት 1 መስከረም ክሳዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ ወቕቲ ፍጥረት እዩ፡ እዚ ወቐቲ እዚ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ተክርስቲያን ብሓባር ዝዋስኣሉ ናይ ምሕዋይን ተስፋን ባህሊ ዝቓልሓሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ ወቕቲ ፍጥረት ናይ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ይሴባሕ ንናይ ኤውሮጳ ጉዳያት መርሓ ግብሪ ኣመሓዳሪት ቸቺሊያ ዳል ኦሊዮ ብዛዕባ  ስንዳወ 2021 ዓ.ም. ወቕቲ ፍጥረት ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ከምዘካየዳን ከምኡ እውን ናይ ምንቅስቓስ ይሴባሕ መስረትቲ ካብ ዝኾኑ ሓንቲ ክርስቲያና ሊኣኞን ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ስካውት ኣደ መንበር ባርባራ ባቲላናን ቃል ምስክርነት ከምዘስምዓ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እንግዶት ከም ናይ ዘተ ተልእኾ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ መዕቈቢ ብምሕናጽ ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባል፥ ስለዚህ ኣብዚ ኪደት እዚ “እጃምና እነበርክተሉን ብሓባር እንዓየሉን እዋን እዩ” ነዚ ዝበላ ናይ ምንቅስቓስ ይሴባህ መርሓ ግብሪ ኣብ ኤውሮጳ ተሓባባሪት ኣመሓዳሪትን ሓብቲ ነቶም ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሶሪያ ዝተጨውዩ ክሳዕ ሎሚ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዳል ኦሊዮ፥ ብዛዕባ ናይ ስንዳወ ወቕቲ ፍጥረት 2021 ዓ.ም. ትርጒም ኣሕጽር ኣቢለን ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ቸቺሊያ ዳል ኦሊዮ ክዀና እንከለዋ፥

ቅዉም ነገርን ትእምርትን

ካብ ዕለት 1 መስከረም መዓልቲ ጸሎት ፍጥረት ከምኡ እውን ክሳዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ መዓልቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ መዓልቲ ፍጥረት ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ብሓባር ብምብዓል ተመክሮ ብምልውዋጥን ብጭቡጥ ቃል ኪዳን ንሓልዮት ናይ ሓባር ቤትናን ኣቢሎም ምስ ፈጣርን ምስ ኵሉ ፍጥረትን ዘለዎም ርክብ ንምሕዳስ ብሓባር ከምዝንቀሳቐሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዉም ነገር ናይዛ ዓምት እዚኣ “ንዅሉ ዝኸውን መንበሪ? ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ምዃንና ንምሕዳስ” ዝብል ከምዝኾነ ዝሓበራ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓባራዊ መዓልቲ ፍጥረት ዝከታተል ሽማግለ መርሕነት ኣባል ሓብቲ ኣባ ዳል ኦሊዮ ቸቺሊያ ዳል ኦሊዮ፥ ብሓጺሩ ናይዚ ናይ 2021 ዓ.ም. ስንዳወ ወቕቲ ፍጥረት መደባት ሕመረት “ናይ ኣብርሃም ተንዳ - ቤት ኵሉ” ዝብል ምዃኑ ከምዘብርሃ ኣፍሊጡ።

ተንዳ ኣብርሃም ማሕበረ ክርስቲያን ዓለም ንዅሉ ዝኸውን ቤት ኣብ ምሕናጽ ክተግህን ነዚ ብምፍጻም እውን ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ምዃንና ብምምስካር ክሕድሱ ዝተጸውዑ እያቶም፡ እዚ ግብረ ሰናይ እዩ። እንነብረላ መሬት ቤት ኵላትና ካብ ኰነት ኣብዛ ዓለም ምንባር ዘይምዕሩይ ከይከውንን ውልቂ ሰብ ኣልቦ ቤት ክኸውን ኣይግባእን፡ ከምቲ ኣባ ዳል ኦሊዮ ኣብ ማር ሙሳ ዝመስረትዎ ገዳም ጋሻ ምዃን ንኻልእ ኣእዳውካ ምዝርጋሕ ኵሉ ቦታ ንኽህልዎ ምግባር፡ ጋሻ ኮይንና መጺእና ዝቕበሉና ምርካብ ጋሻ ኰይኑ ንዝመጸ ምቕባል ዝብል ወንጌላዊ መርሕ ዝገበረ እዩ፡ እዚ እውን ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ዝድርኽ ምዃኑ ይሕብራ።

ኣባ ፓውሎ ዳል ኦሊዮ ቅድሚ ምጭዋዮም ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ሕጂ ዘይፈጸምናዮ ንገር ጽባሕ ንኽንፍጽሞ ነዊሕ ግዜን ብርቱዕ ጻዕርን ከዕድየና እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪረን እዚ እዋን ፍጥረት እዚ ነዚ ዝምስክር እዩ፥ ስለዚህ ሎሚ እንነብረላ ናይ ሓባር ቤትና ንምሕዋይ እንተድኣ ዘይበርቲዕና ዘይተጋህና እቲ ሎሚ ናይ ሓባር ቤትና ንምሕዋይ ዝሓትቶ ዋጋ ጽባሕ ዝለዓለን ከቢድን እዩ ዝኸውን ኢለን።

ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ

ቺቺሊያ ዳል ኦሊዮ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣብቲ ናይ ለምዘበን ስንዳወ ወቕቲ ፍጥረት መርሕ ቃል “ንዅሉ ዝኸውን ቤት?” ዝብል ቃል ኣማእኪለን፥ “ናይ ማሓድሮ ለውጢ መስርሕ ምጅማር” ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ እንከጒልሓ፥ “ማሕበረሰብና ከም ማሕበረሰብ መጠን ብሓቂ ንዅሎም ቤት ይሓንጹ እንተ ኣልዮም ንኽርድኡ እግዚኣብሔር ውህበት ጥበብን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ምስትውዓልን ክጽግዎም ንኽንጽልይ ኣድላዪ እዩ፡ ስድራ ቤት ኣምላኽ ምሕዳስ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ ጐይታ ምዃኑ ካብ እንህቦ ኣስተውዕሎ እዩ ዝነቅል፥ እታ ናይ ሓባር ቤትና ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቶም “እቲ ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ምዃን ብርክባት ዝቖመ እዩ፡ ፈጣሪ ንሰብ ኪሕልዎን ቤት ኪከናኸንን ፍሉይ ሞያ ከም ዝሃ ንፈልጥ ኢና፡ ስለዚ ማሓድሮኣውን ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ርክባት ብሓባር ንምድጋፍ ተጸዊዕና ኢና” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ የዘኻኽራ።

ክሳዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ ወቕቲ ፍጥረት “ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኪገብሮ እተጸውዐ ነዛ ናይ ሓባር ቤትና እዚኣ ንምጽጋን ዝሕግዝ ኣጋጣሚ” ኪኸውን እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝብታት ብተምሳሳሊ መገድን ደረጃን ዘይትንክፎም ዘሎ ለብዒ ዝገደደ ዘይማዕርነት ከም ዝሰፍሕ ዝገብር ዘሎ፡ እታ ናይ ሓባር ቤትና ብኸመይ ከምዝዓነወት ከም ብሓድሽ ኣርእዩና እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ድሮ ኣብቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ይሴባህ ጐሊሑ ዘሎ እውያት ምድርን ድኻታትን ብኸመይ “ካብ ግዜ ናብ ግዜ ረዚንን ዜስግእን እናዀነ ይኸይድ ከም ዘሎ” ብምጒላሕ ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እውን ከምዝዘከርዎ የዘኻኽራ።

ናይ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ይሴባሕ ተሓባባሪት መስራቲት ክርስቲያና ለኣኞ እውን ብወገነን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን እንወስዶ ዘሎና ስጉምትን እነሳልጦ መደብ ሕንጸት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናንን ኣባይቲ ክርስቲያንን ሓድነት ክህልዎም ከምዝገበረ ገሊጸን፡ “ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ብጾትና ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያንን ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕልዎት ኣካላትን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሉተራናውያንን ካልኦት እውን ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን ሓቢርና ምድርና ክንከናኸን ጸኒሕና ኢና፡ ኣብዚ ዕላማ እዚ እውን ብሓባር ንዓዪ ኣሎና፡ መንእሰያት ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ክተግሁን መላእ ኤቅለስያውያን ክውንነታት እውን ኣብዚ መዳይ ሎሚ ካብ ቀደም ዝለዓለ ኣበርክቶ ይህባ ኣለዋ” ኢለን፣

ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝፈጥሮ ጸዓት ስደተይናታትን ምዝብልናን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መቕድም ናይታ ብዛዕባ ነቶም ብምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ማሓድሮን ንዝመዛበሉን ንዝስደዱን ብፍሉይ ዝሓልይ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሰነድ “ኣብ ገዛእ ርእስና ዕጹዋትን ሸለልተይና ብምዃን ዘይኮነ ካብቲ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ወይ ኮቪድ ዝኣመሰለ ቅልውላው ንምውጻእ ብሓባር ምዕያይን ዘተን ርክባትን ምትሕብባርን ግድን እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘንበሩሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  “ምዝባዕን ምቅይያርን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ብዛዕባ እቶም በዚ ቅልውላው እዚ ዝስደዱን ዝመዛበሉን  ንዝጥቅዑ ሰባት ዘጒልሕ ናይ ሓበሬታ ወፈራታትን መደባት ጉስነትን ምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ” የመላኽቱ፥ እዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዚ ግብረ ሰናይን ሕንጸት ኣብ ዕርቅን ከምኡ እውን ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ኣገዳሲ ስጒምቲ ምውሳድ ዝብልን መደብ ጸሎትን ሊጡርጊያን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ደገፍ ዘጣመረ እውን ምዃኑ የመላኽት።

ተንዳ - ንዅሉ

እቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ስንዳወ ወቕቲ ፍጥረት ካብ ዘነቓቕሖም ጐስጓሳት ሓደ “ንዅሉ ዝኸውን ተንዳ” ዝብል ኰይኑ እዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብ ትእምርታዊ ኣብ ዝኾኑ ስፍራታት ተንዳ ክትከል ኵሉ ንቤት ኵሉ ብሓባር ክዓዪ ዘተባብዕ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ስካውት - ዳህሳስያን ኣደ መንበር ባርባራ ባቲላና ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን እዚ ብኣአን ዝምራሕ ማሕበር እውን ኣብ ኣሲዚ ድንኳን ከምዝተኸለን እዚ እውን ናይ ሓባር ቤትና መንበሪት ኵላትና ብሓባር ንኽንከናኸን ዝተጸዋዕና ኢና ዝብል ምዃኑ የብርሃ።

03 Sep 2021, 09:06