ብጹዕ ኣቡነ ግሩሳስ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር
እቲ ኣብ ሮማ እተኻየደ ዋዕላ ብጽዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ናይ ሊትዋንያ ርእሰ ከተማ ቪልኒዩስ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ንኽመርሑ ከምእተሓረዩን፡ እቲ ካብ ዕለት 23 – 26 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ኣብዚ ግዜና እዚ ዘጋጥም ብድሆታት “ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ” ምብዳህ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘማእከለ ናይ ፍጻሜ መልእኽቲ ከምዘደቐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዋዕላ ኣቡናት ኤውሮጳ ኣብ ሮማ ኣብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ጉባኤ ሓድሽ ኣቦ መንበር ከምዝሓረየን ንሶም እውን ሊትዋንያ ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ዝሓለፈ 23 መስከረም 2021 ዓ.ም. መበል 60 ዓመት ዕድመኦም ዘብዓሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ዋሽንግቶም ካብ ሊትዋናዊት ስደተይና ስድራ ቤት ዝተወልዱን ቅድሚ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ናብ ፍራንቸስካውያን መንበረ ጥበብ ምእታዎም ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ ኡክላ መንበረ ጥበብ ብስነ ምርምር ስነ ሓበሬታ ዝተመረቑን ብሙያኦም ኣቢሎም ከምዝሰርሑን ናይ ታሪኽ ማሕደሮም ዝሕብረሎም ብጹዕ ኣቡነ ጊንትራስ ሊናስ ግሩሻስ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን
እዞም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኣንጀሊኵም መንበረ ጥበብ ትምህርቶም ዘጠናቐቑ ኣብ 1994 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ናይ ሊትዋንያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ክሳዕ 1997 ዓ.ም. ዘገልገሉን ኣብ 2003 ዓ.ም. ናይ ቨልኒዩስ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሓለቓን ኣብ 2010 ዓ.ም. ናይ ሊትዋንያ ሓይሊ ምክልኻል መደበይና ጳጳስ ኮይኖ ተሰምዮም ኣብ 2013 ዓ.ም. ድሕሪ ብጹዕ ካርዲናል ኣኡድርይስ ጁዛስ ባቻኪስ ናይ ቪልኒዩስ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ዝተሰምዩን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓል ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣባልን ካብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ናይ ሊትዋንያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም የግልግሉ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ናይ ሉሰምበር ሊቀ ጳጳሳት ኣብ በልጅም ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽን ናይ ሰርቢያን ሞንተነግሮን ኮሶቮን ሰሜን መቀዶኒያን ሃገራት ዝሓቁፍ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ላስዝሎ ነመት ምኽትል ኣቦ መንበር ንኽዀኑ ከምእተሓርዩን ብዚ ዝተኻየደ ሓድሽ ምርጫ ብጹዕ ኣቡነ ጊንትራስ ሊናስ ግሩሻስ ካብ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ኮይኖም ንዘገልገሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ዝትኽኡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኢየሱስ ሓቀይና ተስፋ ንኤውሮጳ
እቲ ናይ ፍጻሜ መልእኽቲ ቤት ምኽሪ ቡጹዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ፥ “ተልእኾና ናብ መጻኢ ናይታ ካብ ጽሕፍቶ ጽባቐን ስልጣነን እተወልደት ኣብ ልብን ልድምታትን ቋንቋታት ዘስፋሕፈሐን ዝጸንዔን ሰናይ ማለት ኣብ ሓባራዊ ስምዒትን መንፈስን እትውለድ ኤውሮጳ ምሕናጽ እዩ። ኣቡናት ንክርስቲያናዊ እምነትን ሃይማኖት ብሓፈሻ ሰብኣዊ ስልጣነ ንምህናጽ ዝድርኽን ሓድነት ክህልወና እምበር ከንፈርህ የብልናን፡ ከም ጓሶት ዜጋታት መጠን ከኣ ኣገልገልቲ ሓጐስ ንምዃን ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ኣባይቲ ስድራን ህዝብታትን ንጓዓዝ፡ ኢየሱስ ሓቀይና ተስፋ ኤውሮጳ እዩ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘመላኽት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ሓባር መግለጺ ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ምብጋስ የድሊ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ገይሩ፡ ንህዝቢ ኤውሮጳ ክሰምዑን “ናይ ኢየሱስ ወንጌል ዘፍርሆ ሓደ’ኳ ክህሉ ኣይክእልን እዩ፡ ብዛዕባ ሰብን እግዚኣብሔርን ማለት ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብረት ውሕስነት ዚህብ፡ ሓደ’ኳ በይኑ ከምዘይኮነን በይኑ ክኸውን እውን ከም ዘይግብኦን፡ እቲ ዝደኸመን ድኻታትን ሓለፋ ምባል ከም ዝግባእ ዘመላኽት እዩ። ነፍሲ ወከፎም ንዅሎም ማለት ንሰብን ንስድራ ቤትን ከምኡ እውን ንሃገራት ሃብቲ ስለ ዝኾኑ ብዘይ እቲ ሓደ ሓርነት ኰነ ዕቤት ከም ዘየሎ ንዘክር። ብሓባር ዝሓሸ ትርኢት ንርኢ። ብትሕትና ድማ ናብ ብርሃንን ሰላምን ንጓዓዝ” ከምዝበለ ኣፍሊጡ።