2019.10.02 MARIO GRECH di MALTA pro segretario generale del Sinodo dei Vescovi 2019.10.02 MARIO GRECH di MALTA pro segretario generale del Sinodo dei Vescovi 

ሲኖዶስ ጳጳሳት ንኩሎም ዝተጠምቁ ከምዝሳተፉ ዝገብሩሉ ፍጻሜ እዩ! ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ኣድላይነት ሲኖድስ ብዝምልከት ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ‘ምኽሪ ም እመናን ም እካብን ዝለዓለ ግምት ምሃቡን ኣብ ሲኖዶስ መሠረታዊ ጉዳይ ስለዝኾነ እዚ ከኣ ንካቶልካውያን ጥራይ ዘይኮነ ንዝተጠምቁ ዘበሉ ኩሎም ከኻትት ኣለዎ’ እንክብሉ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ንምስንዳው ሲኖዶስ ከም መምርሒ ዝዘርግሕዎ ሰነድ ናብ ኩሎም ምእመናን ክባጻሕ ሓደራ ኢሎም። ምኽንያቱ ኣብ ዝገለጹሉ ከኣ ቤተክርስትያን በዚ ኣገባብ እዚ ገዛእ ርእሳ ብዝበለጸ ክትፈልጥን ክትርዳእን የኽእላ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝተገልጸ ንም እመናን ዝምልከት ሲኖዶስ ንዝመጽእ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓም ኣብ ቫቲካን ከማኡ እውን ዕለት 17 ጥቅምቲ ኣብ ኩለን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ብዕሊ ክኽፈት እዩ፡ ነዚ ብዝምልከት እውን ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ንምኽፍት እቲ ሲኖዶስ ስ ይኹን ኣብ ኣካያዳኡ ዘሰኒ መመርሒ ሰነድ ዘርጊሑ እንከብቅዕ እዚ ምስንዳው ዝበሃል ዘሎ ግን ድሮ ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ከምዘሎና ብምርዳእ ኩሎም እጃሞም ከበርክቱ ከምዘለዎም ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች ኣዘኻኺሮም።

ብፁዕነቶም ነዙይ ዝገለጹሉ ብዕለት 7 መስከረም 2021 ዓም ኣብ ኣዳራሽ ሕትመት ቅድስት መንበር ንጋዜጠኛታ ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ መሰናደዊ ሲኖዶስ ዝኾነ መምርሒ ሰነድ መብርሂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ነበረ። ነዚ ስ ዒቡ ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከኣ ንቀንዲ ታባታት ናይዚ ሲኖዶስ ገሊጾም፡ እቲ ሲኖዶስ ኣብ መንጎ ጥቅምቲ 2021ን ጥቅምቲ 2023 ዓም ዘሎ ዓመት ሠለስተ ገጽታ ከምዝህልዎ እዚ ኸኣ ብቀዳምነት ካብ ደረጃ ሰበኻ ናብ ደረጃ ኣህጉር ብምስግጋር ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ግዝያት ተኻዪዱ ብ2023 ኣብ ከተማ ቫቲካን ብኩለንትናዊትቤተክርስትያን ክዛዘም እዩ፤ እቲ መምርሒ ሰነድ ኣብ ኩለን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ንዝርከቡ ም እመናን ጽን ኢልካ ብምስማዕን ምኽሮም ብምሕታትን ኣብ ዝካየድ ጒ ዕዞ ንኽሕግዝ እዚ ከኣ ካብ ጥቅምቲ 2021 ክሳብ ሚያዝያ 2022 ዓም እዩ ዝካየድ። ነቲ ዝተኣከበ ር እይቶን ምኽርን ለበዋታትን ኣኪብካ ብኩለን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን በብደረጃኡ ዘተ ተኻዪዱስ ኣብቲ ሓፈሻዊ ናይ ኩለንትናዊት ቤተክርስትያን ሲኖዶስ ክብጻሕ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 September 2021, 14:10