ድለ

መበል 50 ዓመት ቅዋሜኡ ንምብዓል ዓውደ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት መበል 50 ዓመት ቅዋሜኡ ንምብዓል ዓውደ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት 

ባኛስኮ፥ ኤውሮጳ ብሓቂ ስድራ ቤት ሕዝብታት ትዅን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኤውሮጳ ክርስቲያናዊ መበቈላ ዳግማይ ክትረኽቦን ንመጻእተይናታትን ንድኻታትን ሓንጐፋይ ቢላ ክትቕበል ብቐጻሊ ይዕድሙን ጻውዒት የቕርቡን፡ ኤውሮጳ ድልውቲ ድያ?

እቲ ካብ ዕለት 23 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣትሒዙ መበል 50 ዓመት ቅዋሜኡ ንምብዓል ዓውደ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ፥ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ጥንታዊት ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ሓድሽ ሰብኣውነት የድልያ. . . ርህዉን ኣአንጋድን ምዃን ምስ ዝብል ክቡር ዋጋ ጥምረት ዘለዎ ክርስቲያናዊ መበቈላ ዳግም ክትረኽቦን ዝብልን ከምኡ እውን ህልው ኵነታት ኣፍጋኒስታንን ክትባት ጸረ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ሰፊሕ ትንታነ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ክሳብ ዕለት 26 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓመታዊ ናይ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ለምዘበን ዝበዓል መበል 50 ዓመት ቅዋሜኡ መሰረት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘዕረግዎን ብዘለገስዎን ስብከት ብወግዒ ዕለት 23 መስከረም ከምእተጀመረን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ መላእ ተጋባእያን ብጹዓን ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ዝርከብ ናብ ናይ ኣርእስተ ሊቃስነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ኣብ 1971 ዓ.ም. ብጳውሎስ ሻድሻይ ውሳኔ መሰረት ዝቖመ ናይቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣበ መናብርት ዕለት 24 መስከረም 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ናብ ኵይሪናለ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ኢጣሊያ ብምኻድ ምስ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ከምእተራኸቡ ገሊጹ፥ ናይቲ ናይ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስቲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ 50 ዓመት ኣብ ምግልጋል ኤውሮጳ፡ ተዘክሮን ትጽቢትን ኣብ ደረት ትርኢት ኵላትና ኣሕዋት (ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ) ዝብል ከምዝኾነን ነዚ ኵሉ ምኽንያት ብምግባር ናይ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

ብጹዓን ኣቡናት ኤውሮጳ ነዚ ኵነት እዚ - ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስረታ ብኸመይ ይነብርዎ ኣለዉ? እቲ በዓል ምስረትን ተዘክሮን ምስታ ዅላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተተሓሕዘ ክኸውን ስለምንታይ ተደልየ? 50 ዓመት ምስረታ ከነብዕል ሓጐስ ይስምዓና። 50 ዓመት ዕድመ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ብናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ትንቢት ዝቖመ 50 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዋቕር እዩ። እቲ ዝኽሪ 50 ዓመት ምስ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን እውን ዘተኣሳስሮ እዩ። . . . ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቲ መወከሲ ምግባር ንጹርን ባህርያውን ግዴታውን እዩ። እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ፍረ ነገር ኣድማሳዊ ሕውነት ብፍላይ ምስ ዕዮናን ተልእኾናን እተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ ብዙሕ ኣቃልቦን ዘድልዮ። ምኽንያቱ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝተኣወጀ ወንጌል ብሓቂ ናብ ክርስቶስ ዝመርሕ እንተድኣ ኰይኑ ብዅሉ መዳይ ግብረ ሰናይ ናብ ምግባርን ልዕሊ ዅሉ ድማ መሰረት ናይ ኵሎም ኣሕዋት ናብ ዝዀነ ሓባራዊ ስምዒት ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ።

እዛ ጥንታዊት ክፍለ ዓለም እዚኣ ብሓቂዶ ንገዛእ ርእሳ ናይ ሓቂ ስድራ ቤት ህዝብታት ገይራ ክትርእይ ትኽእል? ከም ኣቡናት ነቲ ሓድሽ ሰብኣውነት ኤውሮጳ ክህሉ ተስፋ ዝገበረ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት ብኸመይ ጠቢቕኵም ትስዕብዎ ኣለዅም? ኣብ ኤውሮጳ ከም ክፍለ ዓለም እቲ ቀዳማይ ገምጋም እወታዊ ኣይኮነን ከመይሲ እዚ ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። እንተዀነ ግን ከም ቤተ ክርስቲያን ሃገራት ኤውሮጳ ከብ ሃገራውነተን ኣብ ሓደ ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ክውንነት ክበጽሓ ተስፋ ንገብርን ንሓስብን። ር.ሊ.ጳ. ንመራሕቲ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ንኣብነት እታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣእምሮን ልብን ክሕሰብ ዘለዎ ‘ሕብረት ኤውሮጳ’ ዳግማይ ክሓስቡሉ ከም ዘለዋምን ካብኡ ንላዕሊ እውን መሰረት ክገብርዎ ደጋጊሞም ክምሕጸኑ ንሰምዕ። እዚ ጻውዒት እዚ ኣርዚንካ ክርአ ዘለዎ እዩ። እዚ ናብቲ እናስራ ምምላስ ዝብል እዩ። ናብኡ እንተድኣ ዘይተመለስና ብዝዕባ ፍሉይ ጸገማት ቍጠባዊ ከምኡ እውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ጥራይ እትርእዪ እያ እትኸውን። ብርግጽ ኣገዳሲ እዩ ግናኸ ንሱ ንበይኑ ሕብረት ኣይፈጥርን። መሰረት ሕብረት መበቈላ እዩ። ኤውሮጳ ናብቲ ኣናስራ ክትጓዓዝ ኣለዋ። ቤተ ክርስቲያን ኣርጊጻ እትኣምነሉ ጉዳይ እዩ። ክላቶም ኣቡናት ከኣ እቲ ኢየሱስ ዝኣወጆ ኣዋጅ ምቕባል ዝብል ምዃኑ እምነቶም እዩ . . . ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ኣብ በብሕትና ንህይወትና ክቕይሮ ይኽእል፡ እቲ ብሕታዊ ለውሒ ለውጡ ሕብረተሰብን ህዝብታትን ይኸውን . . . ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኤውሮጳ ክርስቲያናዊ መበቈላ ዳግማይ ክትረኽቦን ንመጻእተይናታትን ንድኻታትን ሓንጐፋይ ቢላ ክትቕበል ብቐጻሊ ይዕድሙን ጻውዒት የቕርቡን፡ ኤውሮጳ ድልውቲ ድያ? ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ሰብኣውነት ማለት ብዛዕባ ሓድሽ ሰብኣውነት ኪዛረቡን ኪጽሕፉን ክምዕዱን እንከለዉ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ክርስቶስን ባህልን ዘሎ ርክብ የመላኽቱ። ብኣረኣእያና ክንምልከቶ እንከሎና ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኣቡናት፥ ከም ጓሶት መጠን ምርኻብን ናብ እምነት ምባልን ባህሊ ክኸው ኢዮም ዝምዕዱ። ቅድም ክብል ጳውሎስ ሻድሻይ ኣነጺሮምዎ እዮም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ደሓኣር እውን በነዲክቶስ መበል 16፡ በቲ ሓደ ሸነኽ እምነት ዘይጭበጥ ወይ ናይ ተራ ሓባራዊ ኣረኣእያ በቲ ካልእ ሸነኽ መበቈል ጥራሕ ስለ ዘይኮነ ብልክዕ ምስ ጐይታ ካብ ምርኻብ ዝነቐለ መሰረት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣነጺሮም ይገልጽዎ። ስለዚ እምነት ኣብቲ ብዛዕባ ሕብረተሰባትን ኣህጉራትን ዘሎ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ህይወት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ካብ ወጻኢ ተቐቢልካ እትኽደኖ ልብሲ ዘለዓዕሎ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ኣይኰነን ከሕብረና ዝደሊ፡ ግዳማዊ ውጥን ኣይኰነን፡ ካብ ውሽጢ ብልክዕ ካብ ታሪኽና እዩ ተወሊዱ፡ ንብምሉእ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ሰንሰለት ግብረ ሰናይ በነዲክታውያንን ነጋድያን ኤውሮጳ ዝፈጠርዎ ነገራትን ኣባይቲ ሕክምናታትን ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን በርገሳዊ ስርዓታትን ኣብ ማሕጸን ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝተወልደ፡ እዚ መሰረታዊ ጸዋዕታ ኤውሮጳ ማለት ዘይንጽል ሰብኣውነት ሓድሽ ሰብኣውነት ስለ ዝዀነ ሓደ ሰብ ምስ ክርስቶስ ንምርኻብን ንዓኡ ምቕባልን ብውልቂ ብምንባርን ከም ዘይፈርህ የገዳስ ከም ሕብረተሰብን ኣህጉርን መጠን ክንርድኦ ከምዘለና እዩ።

ብዛዕባ ኣፍጋኒስታ ህልው ኵነታት እንታእ እዩ ኣረኣእያዅም? እቲ ኵነታት ዘጨንቕን እዩ። . . . ብዙሓት ሃገራት ነቶም ካብቲ ዘሰክፍ ኩነታት ኣፍጋኒስታን ንዝሃድሙ ኣብ ምእንጋድ ብዙሕ ይዓዩ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕቶ ክለዓዓል ይገብር ኣሎ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ስደት ክትዓግቶ ዝከኣል ኣይኰነን . . . ንሕና ክርስቲያን ነዚ ጉዳይ እዚ ብዓይኒ እምነት ኢና እንርእዮ። ብርግጽ መንግስታት ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም ቤተ ክርስቲያን ብሰበኻታትን ቍምስናታትን ማሕበረሰብ ምእመናንን ኣቢላ ዘይንጽል ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ተነቓቕሕ። . . . መንግስታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዕዳን ክቕበሉን ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ተስፋ ንገብር።

ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሲኖዶስ ኣቡናት ብሃንቀውታ ዚጽበይዎ ብኸመይ እዩ? ኣብ ኣኼባታት ኣቡናት ኤውሮጳ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ጒዳያት እንታይ እዩ . . . እንታይ እዩ ትጽቢታትኵም? ካብ ቅድስቲ መንበር ካብ ዝምልከቶም ኣካላኣት ብጀካ እቲ ድሮ ዝተወሃበ ብፍላይ ብዛዕባ ስርዓተ ሜላታቱ መምርሕታት ንጽበ። ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ ዘረጋግጽን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ዘለዎ ሲኖዶሳውነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ እዩ . . . ኣብ እዋናዊ ኵነት ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ክንበር ዘለዎ እዩ በዚ መንፈስ እዚ ኢና እቲ ሲኖዶስ ንጽበይ ዘሎና።

ገና ካብቲ ለብዒ ኮቪድ- 19 ኣይተላቐቕናን ካ . . እቲ ዘሎ ክትባት ብኾሮና ተህዋስ ከይትልከፍ ወይ ከይተመሓላልፍ ዝሕግዝ ኣይኮነ እንታይ ደኣ እቲ ለብዒ ፈኲስ ክኸውን እዩ ዝገብሮ . . . ከይተኸተብካን ምስ ተኸተብካን ብኾሮና ተህዋስ ክትልከፍ እንከሎኻ ኣብ ልዕሊ ሕይትካ ዘስዕቦ ናይ ጥዕና ሽግር ዝተፈላለየ እዩ። ስለዚህ እቲ ክትባት ዓቢይ ጥቕሚ ኣለዎ እብል . . . እዚ ናተይ ኣመለኻኽታ እዩ እንክብሉ ዘላየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

26 Sep 2021, 01:51