ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራቸስኮስ ኣብ ግዜ ሓውጾተ ኖልዎ ታይላንድን ጃፓንን ሕዳር 24. 2019 ዓም ናብ ከተማ ናጋሳኪ እንኪበጽሑ ር.ሊ.ጳ ፍራቸስኮስ ኣብ ግዜ ሓውጾተ ኖልዎ ታይላንድን ጃፓንን ሕዳር 24. 2019 ዓም ናብ ከተማ ናጋሳኪ እንኪበጽሑ 

ካብ ባርዕ ሓዊ ነትጒ ኣቶም ናብ ሽግ ሓዊ ሰላም ኦሎምፒክ! ሊቀ ጳጳስ ናጋሳኪ

ብዙሕ ግዜ ነፍስወከፍና ጐጒዳዩ እንክዓጦ ሓንሳብ ሓንሳብ ሕልና ገዲዱካ ብሓባር ትዝክሮ ጉዳይ ኣሎ። ዕለት 6 ነሐሰ እንክትለዓል ዓለም ብዓለማ ምስ ሃገረ ጃፓን ኰይና ነቲ ብዕለት 6 ነሐሰ 1945 ዓም ንሂሮሺማ ድሕሪ ሳልስቲ ከኣ ንናጋሳኪ ከምዘይነበራ ዝገበረ ኒክለሳዊ ደብዳብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ትዝክር።ሎምዘመን ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣህጉራዊ ግጥማት ኦሊምፒክ ኣብ ሃገረ ጃፓን እንክካየድ ንክዛዘም ክልተ መዓልቲ ተሪፉሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ሊቀ ጳጳሳት ናጋሳኪ ብፁዕ አቡነ ጆሰፍ ሚትስዋኪ ታካሚ ‘እዚ ካብ ባርዕ ሓዊ ነትጒ ኣቶም ናብ ሽግ ሓዊ ሰላም ኦሎምፒክ ንክነስተማቅር ዝተዋህበና ግዜ ንነፍስወከፍ ሃገር ዝቀርብ መጸዋዕታ ንሓቀኛ ሰላም እዩ። እዚ ሰላም እዚ ግን ብምውናን ኒክለሳዊ ኣጽዋር ብምውናን ዝግበር ኣይኮነን’ እንክብሉ ጻውዒት ሰላም ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካትን!

እቲ መዳርግቲ ኣልቦ ህልቂት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ቅድሚኡ ኣብ ዓለምና ተሰሪሖም ብዘይፈልጡ ብጣዕሚ ሓደገኛ ዝኾኑ ናይ ጥፍኣት ኣጽዋር ኲናት ኣቶም ኣብ ልዕሊዔን ከም እሳተ ጎመራ ሶዶምን ጎሞራን ዘኒሙ ንዓለም ምሉእ ካብ ዘንቀጥቕጥ እነሆ 76 ዓመታት ሓሊፉ ሎሚ ንዝክሮ ኣሎና።

በዚ ዘይርሳዕ ግፍዒ ዝጸነቱ ልዕሊ 200 ሺሕ እንክኾኑ እቲ ሳዕቤን ናይቲ ኩነት ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ዜጋታትን ኣብ ርእሲ ኣከባብን ዝወረደ ዕንወት ግን ገና ይቅጽል ኣሎ።እቲ ዝገደደ ግን ዓለምና ካብዚ ህልቂት እዚ እውን ስለዘይተማህረት ውድድር ኣጽዋር ውግ እ ገና ብምቅጻሉ ኣብ ር እሲ እተን ር እሰ ሓያላን ዝበሃላ ሃገራት ብምውናን ኑክለስያዊ ኣጽዋር ቅልጽመን ከር እያ ዝደናደና ብዙሓት ኣብ ር እሲ ምዃነን ስግ ኣት ሰላም ምዃኑ ዘንጊዔን በዓል ኢራን እውን ኣብ ምውናን እዚ ስግ ኣት ሰላም ዝኾነ ኣጽዋር ይሸባሸባ ምህላወን ንሰላም ዓለምና ዓቢይ ሻቅሎት ኰይኑ ኣሎ።

ምስ እዚ ኩሉ ግን ዓለም ናብራኣ ስለ እትቅጽል ን2020 ተመዲቡ ዝነበረ ግጥማት ኦሊምፒክስ ዓለም ብምኽንያት ለበድ ኮቪድ 19 ንሎምዘመን ብምቅያሩ ንክልተ ሶሙን ምስ መመላእታ ኣብ ሃገረ ጃፓን ድሕሪ ምክያድ ንዝመጽ እ ዕለት 8 ነሓሰ 2021 ንምዝዛሙ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ።

ምስክርነት ውጻዓ መዓት!

ኩሉ ጐጒዳዩ ኣብ ዝሓስበሉ ሃገረ ጃፓን በቲ ሓደ ወገን ንግጥማት ዓለምለኸ ኦሊምፒክስ ላዕልን ታሕትን እንክትብል በቲ ሓደ ወገን ድማ ሎሚ ንጋሆ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ጃፓን ሰዓት 8.15 ንዝኽሪ መበል 76 ዓመት ህልቂት ሂሮሺማ ደወላት ተደዊሉ ናይ ሓንቲ ደቂቅ ሱቅታ ዝኽሪ ግዳያታን ጸሎተ ሕልናን ኣካዪዳ። ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ቃሎም ዚሃቡ ሊቀ ጳጳሳት ናጋሳኪ ከኣ ድሕሪ ደጊም ከምዚ ዓይነት ሕልቂት ከይድገም ደቂሰባት ካብ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ውግ እ ምውናንን ምጥቃምን ክሕረሙ እሞ ውሕስነት ሓቀኛ ሰላም ከረጋግጹ ደጊም ካብ ሓዊ ባር ዕ ኣቶሚካዊ ቦምብ ናብ ሽግ ብርሃን ኦሎምፒክ ምብጻሕና ምልክት ይኹነና እንክብሉ ከም ለባዊ ፍጡር ካብ ዝሓለፈ ገጋ ተማሂርና ሰላም ንህነጽ ንዓቅብ እንክብሉ ተላቢዮም።

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብቲ ሥነሥር ዓት ዝተረኽቡ 86 ዝኾነ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እኳ እንተነበሩ ሎምዘመን እውን ደቂ 84 ዓመት ዝኾኑ ካብቲ መዓት ን እስክላ ዝደሓኑ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ቃለ ምስክርነቶም ከምዝሃቡ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 Aug 2021, 16:33