ደብረ ታቦር ነሓሰ 13 2013 ዓ.ም. (8/19/2021)

ምስባክ፡ 1. ታቦር ወአርሞንኤን በስመ ዝአከ ይትፈስሑ ወይሰብሑ ለስምከ መዝራዕትከ ምስለ ኃይል፥ እምባ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ ዕልል ይብሉ፥ ንስምካ ኸአ የምስግኑ፥ ቅልጽምካ ምስ ሓይልኻ መዝ. 89፡12-13። 2. ደብር ርጉዕ ወደብር ጥሉል፥ ለምንት ይትነሥኡ አድባር ርጉዓን ደብር ዘሰምሮ እግዚአብሔር የኃድር ውስቴቱ። እምባ ርጉእን ጥሉልን፥ ስለምንታይ ኢኹም ብቕንኢ እትትንሥኡ፥ እግዚአብሔር አብኡ ንዘለዓለም ክነብር እዩ መዝ. 68፡15-16።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዕብ 11:23-30, 2ጴጥ 1፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 7፡34-51። ማቴ 17፡1-9። 

አብ ወንጌል ማቴዎስ (17፡1-9)፥ ማርቆስ (9፡2-10)፥ ሉቃስ (9፡28-36)፥ ራእይ ኢየሱስ ከም ዝተቐየረ ነንብብ አብ ዮውሓንስ ግን አይንረኽቦን። አብ መልእኽቲ ጴጥሮስ ካልአይቲ (2 ጴጥ 1፡16-19) እውን ንረኽቦ። እቲ አብ ወንጌል እንረኽቦ ተመሳሳላይን አብ ሓደ ዓይነት ዘረባ ኢየሱስ ዘስምዖ ኢና ንረኽቦ። አብ ሰለስቲኡ ወንጌላት እምብአር ብዛዕባ ራእዩ ከም ዝተቐየረ ዝነግር አብ ተመሳሳላይ ዘረባ ዘስምዖ እሞ ፍሉይ መልእክቲ አብ ዘስምዖ ንረኽቦ። አብ ፍርቂ ወንጌል ኢና እንረኽቦ አብዚ እዋን ነገራት አብቲ ዝለዓለ ጥርዞም ገጾም እዮም ዝጉዓዙ ነሮም። ሓዋርያት መጠን ብዙሓ ጊዜ ምስ ኢየሱስ ዘሕለፉሉ፥ መጠን ኩሉ ዝበሎ ዝሰምዑሉን እንታይ ከም ዝገብር ዝረአዩሉን ሓደ ሕቶ አብ ሓሳባቶም ይመጾም ነሩ ይኸውን እዩ። መን እዩ እዚ መምህር ንሕና እንስዕቦ ዘሎና? መን እዩ እዚ ኢየሱስ? እናበሉ ናይ ኢየሱስ መንነት ክፈልጡ ይሓቱ ነሮም እዮም ምኽንያቱ ትምህርቱ ተአምራታቱ ኩሉ ዝገብሮ ዝነበረ ብግሉጽ መን መዃኑ ይገልጽ ነሩ እንተ ኾነ ጌና ትጽቢቶም ካብ ግዝአት ሮማውያን ነጻ ከውጽኦም እሞ ንሶም ከአ አብ መንበር ስልጣን ክቕመጡ እዩ ነሩ ትጽቢቶም። ኢየሱስ ነዚ ርድኢት ክቕይር ኢሉ ሰባት መን ይብሉኒ ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ እናበለ ሓቲትዎም። ዘገርም መልሲ ባዕላቶም እዮም ሂቦሙሉ።

ማቴዎስ ከምዚ እናበለ የቕርበልና ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ከምዚ እናበለ ሓቲትዎም ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ። ኢየሱስ ንርእሱ ወዲ ሰብ እናበለ ይዛረብ። ሓዋርያት ካብቲ ህዝቢ ዝብሎ ሰሚዖም ዝተፈላለየ መልሲ ከምዘሎ ነጊሮሞ። ገለ ዮውሓንስ መጥምቕ ካብ ሞት ተንሢኡ ይብሉኻ፥ ገለ ኤልያስ ገለ ኻኣ ሓደ ካብ ነብያት ይብሉኻ ኢሎሞ። ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኢሉ ሓቲትዎም። ጴጥሮስ ክንዲ ኹሎም ኮይኑ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ እናበለ መሊስሉ። አብዚ እንርእዮ ብኹሉ እናተደነቑ አብ ዝለዓለ ርክብ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ እዩ። ምስ መስሕ ምስቲ ንጉሥ፥ መድሓኒ፥ ንደቂ እስራኤል ነጻ ዘውጽእ ምስኡ ናይ ቀረባ ዝምድና ምግባር ወይ ምስኡ ምዃን እንታይ ከም ዘስምዕ ክርድኡ ጀሚሮም። እንታይ ዓይነት ክብርን ግንዖትን ከም ዝጽበዮም ክርእዩ ጀሚሮም።

ሎሚ እውን ንነፍስወከፍና አብ ቅድመና ኮይኑ ንስኻ/ንስኺኸ መን ትብለኒ ይብለና አሎ። አምላኽና ክፍለጥ ክፍቀር ምሳና ክነብር ዝደሊ አምላኽ እዩ። ብማዕዶ ኲኖ ደመናታት አብ ሰማይ ጥራሕ ዝነብር ዘይኮነ አብ መንጎና አብ ኩሉ ሕይወትና ምሳና ክነብር ዝደሊ ፈቃር አምላኽ እዩ፥ እንተ ኾነ በቲ ዕለት ዕለት ዝገብሮ ብቃሉ ዝብለና ሰሚዕና ክንፈልጦ ክነለልዮ ይደሊ። ክንፈልጥ እንድሕሪ ጀሚርና ሕይወትና ክንቅይር አይከጸግመናን እዩ። ሓዋርያት ክፈልጥዎ ጊዜ ወሲድሎም ወላ እኳ ኩሉ ይርእዩን ይሰምዑን እንተ ነበሩ፥ ንሕና ውን ከምኦም ኢና ስለዚ ሎሚ ጊዜ ሂብና ንአምላኽ ንፍለጦ።

ኢየሱስ ቀጺሉ ካልእ ዘይተጸበይዎ ክነግሮም ጀሚሩ። ንመጀመርያ ጊዜ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወቱ ከመይ ከምዝኸውን ክነግሮም ጀሚሩ። ዘሰንብድን ዘይተጸበይዎን ነጊርዎም፥ ንሱ ብዙኅ መከራ ኪቕበል፥ ኪቕተል፥ ብሣልሳይ መዓልቲ ኪትንሥእ ከም ዘለዎ ኺገልጸሎም ጀመረ። እዚ ዘረባ ክሰምዕዎ ክቕበልዎ ከቢድዎም። ከመይ ኢሉ እዚ ነገራት ንመስሕ ክገጥሞ ይኽእል? ከመይ ኢሎም መራሕቶም ነዚ ነገራት ክገብርዎ ይኽእሉ? እዝን ካእልን ክሓስቡ ጀሚሮም።

ጴጥሮስ ክንዲ ኩሎም ሓፍ ኢሉ ጎይታይ እዚስ ኮቶ አባኻ አይረድ እናበለ ክገንሖ ጀመረ፥ ኢየሱስ ግን ነቲ ዝብሎ ክርድኦ ኢሉ ካባይ ርሓቕ ሰይጣን ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ አምላኽ አይትሓስብን ኢኻ እሞ ንአይ መዓንቀፊ ኢኻ በሎ። ካብዚ ዝበሎም ቀስ ኢሎም እናሃድኡ እንከለዉ ኢየሱስ ብምቕጻል ንሱ ጥራሕ ክሳቐ ዘይኮነስ ንሳቶም አርድእቱ እንተ ኾይኖም ንኸምዚ ዝበለ ጉዕዞ ክጉዓዙ ስንድዋት ክኾኑ ነጊርዎም ነቲ አነ ዝሰትዮ ጽዋእ ክትሰትዩ ፍቓደኛታት ዲኹም ክኽተለኒ ዝደሊ ርእሱ ይኽሓድ መስቀሉ ይጹር እሞ ይስዓበኒ እናበለ ክጉዓዝዎን ክገብርዎ ዘለዎም አነጺሩ ነጊርዎም።

አብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንጹር አብዘይኮነን ክትርድኦ ዘይትኽእል እንከለዉ እዩ አብ ደብረ ታቦር ራእዩ ዝተቐየረ። ማቴዎስ ወንጌላዊ ድሕሪ ሽድሽተ መዓልቲ (ሉቃስ ሾመንተ መዓልቲ) ኢየሱስ ንጴጥሮስ ያዕቆብን ንሓዉ ዮውሓንስን ሒዙ አብ ነውሕ እምባ ደየበ ይብለና። ናይ እቲ እምባ ስም አይጥቀስን ብዙሕ እውን ዘድሊ አይኮነን (ብልምዲ ግን ደብረ ታቦር ከምዝኾነ ይፍለጥ)። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ጎቦታት ቅዱስ ቦታታት እዩ፥ አብኦም ፍሉይ ነገራት ኩሉ ጊዜ ይፍጸሙ ንአብነት ሙሴ አብ ደብረ ሲና ትእዛዛት ተቐቢሉ፥ ኤልያስ አብ እምባ ቀርኔሌዎስ ምስ አምላኽ ተራኺቡ፥ ኢየሱስ አብ ደብረ ዘይት ስብከቱ ‘ብጹአን ነዳያን” ዝበል አስተምሂሩ፥ አብ እምባ ነቶም 5000 ህዝቢ መጊቡ፥ አብ ቀራንዮ አብ ኮረብታ ካብ ከተማ ወጻኢ ተሰቒሉ፥ ስለዚ እምባታት ፍሉይ ቦታታት ራእይ አምላኽን ግብሪ አምላኽን ዝተግለጸሎም እዮም።

አብ እምባ ምስ ደየቡ አብ ቅድሚኦም ትርኢቱ ተለወጠ ገጹ ከም ፀሓይ በርሀ ክዳኑ እውን ከም ብርሃን ፃዕደወ ክርእይዎ ካስብ ዘይክእሉ የንጸባርቕ ነበረ። ብሃንደበት ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ክዛረቡ ረአይዎም። ክልቲኦም ንኹሉ ባህሊ አይሁድን ነብያትን ይውክሉ። ክልቲኦም ዝዛረብዎ ዝነበሩ ንጹር እዩ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝገበሮን ዝበሎን ከምኡ ብዛዕብኡ ክኸውን ዘለዎ እዮም ዝዛረቡ ነሮም።

ጴጥሮስ ነዚ ምስ ረአየ ሰንቢዱ ተደናጊሩን ፈሪሑን፥ ቅጽል አቢሉ ኸአ መምህር አብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓንቲ ንአኻ ሓንቲ ንሙሴ ሓንቲ ኸአ ንኤልያስ እናበለ ነቲ ኩነታት ርእዩ ክዛረብ ጀሚሩ። እዚ እናበለ እንከሎ ብሩህ ደምና አንጸላለዎም እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና ዘፍቅሮ ብኡ ዝተሓጎስኩ ወደይ እዚ እዩ ንእኡ ስምዕዎ ዝብል ድምፂ ተሰምዐ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ደመና ህላዌ አምላኽ ዝገልጽ እዩ፥ አብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና እቲ ደመና አይ ኮነን ዘገድስ እቲ ቀንዲ ነገር ናይ አምላኽ አብቲ ቦታ ምህላዉ እዩ። አብዚ እግዚአብሔር አብ ንወዱ ምሉእ ፍቕሩን ምስኡ ዘለዎ ሓድነትን ይገልጽ። ስምዕዎ ይብለና ወላ እውን ክትሰምዕዎ ዘይትደልዩ ክትርድእዎ ዘይትኽእሉ ነገራት እንተበለ ስምዕዎ። እዚ ነቲ ኩሉ ቅድም ዝተባህለን ዝተገብረን ንምጽዳቕ እዩ። ኢየሱስ መን ምዃኑን ብዛዕባ ርእሱ ኩሉ ዝበሎ ሓቂ ከምዝኾነ ከምኡ እቲ ዝበሎ ከም ዝፍጸም ዝገልጽ እዩ።

ንአምላኽ ክንሰምዕ ከሎና አብ ሓቀኛ ሕይወት ኢና እንአቱ። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ከይንሰምዕ ዝዓግቱና ከም ኩክዕ ኮይኖም ከይንሰምዕ ዝገብሩና ብዙሓት ነገራት አለዉ፥ ክነለልዮም ክንፈልጦም ግቡእና እዩ። ሓወይ ሓፍተይ ንአምላኽ ዝብሎ ንሰምዕ ዘሎና ንብሃሃል። እግዚአብሔር አብ ንወደይ ስምዕዎ ኢሉና፥ ማርያም አደና ንሱ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት ስምዕዎ ትብለና፥ ቅ. ጳውሎስ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ እየ ዝብሎ ዘሎኹ ስምዕዎ ይብለና፥ ቤተ ክርስትያን አብ ዝተፈላለየ እዋናት ክንሰምዓ ዓው ኢላ ትነግር። ጸጊሙ ዘሎ ንሕና ምስማዕ ንአቢ አሎና ስለዚ እሰምዕ ዘሎኹ እስከ ንበል።

አዕሚቚና እንተ ረአናዮ ናይ መጽንናዕ ቃላት እዩ አብቲ አስዒቡ ዝገጥሞም ሕይወት ክሕግዞም ምእንቲ ዝበሎ እዩ። ብርግጽ ነቲ መንዩ ኢየሱስ ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂቦምሉ እዮም እንተ ኾነ እቲ ዝሃብዎ መልሲ ንኻልእ ብሓቂ አድላዩ ዝኾነ ሕቶ ከምዝምልስ ክፈልጡ ይሕግዞም። እንታይ ዓይነት መስሕ እዩ ኢየሱስ ክኸውን ዘለዎ? ነዚ ክሳብ ድሕሪ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ቅኑዕ መልሲ ክህቡሉ አይክእሉን እዮም ነሮም፥ ድሕሪኡ ግን ብትብዓት ተልእክኡ ክቕጽሉን አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወቶም ከአ መስቀሎም ጸሮም ክቕጽሉ ክሰብክዎን እኳድአ ሕይወቶም በጃ ክህቡ ድሕር አይብሉን።

ንሕና እውን አርድእቲ ክርስቶስ ስለ ዝኾና አሰሮም ክንክተል ይግብአና አብኡ ሓቀኛ ሓጎስን ምልአት መንፈስን ይርከብ። አብ መጽሓፍ ዳኒኤል 7፡9-14 ዘሎ እንተ አንበብና ነዚ አብ ወንጌል ዘሎ ናይ አምላኽ ግርማ ዝገልጽ ንረክብ። እቲ ኻብ ዘለዓለም ዚነብር ከአ አብ ሓንቲአን ተቐመጠ ክዳውንቱ ፃዕዳ ኸም በረድ ፀጕሪ ርእሱ ኸአ ከም ጽሩይ ጸምሪ ነበረ ዝፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ መንኴራኹሩ ድማ ጕሁር ሓዊ ነበረ ይብል።

ቅ. ጴጥሮስ አብ ካልአይቲ ንባብ ንሱን ብጾቱን አብቲ ኢየሱስ ራእዩ ዝተለወጠሉ እምባ ከምዝነበረ እሞ ባዕሉ ይምስክር ከምዘሎ እምበር ዝተጣበብዎ ጽውጽዋይ ከመዘይኮነ ይነግረና። ከምኡ ብአኡ ዝተሓጎስኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ባዕላቶም ከም ዝሰምዕዎ ይነግር። ስለዚ እቲ ንሱን ብጾቱን ዘመሓላለፍዎን ዝሰበኽዎን ሓቂ ስለ ዝኾነ ክንአምኖ ይነግረና። ነዚ ክነስተውዕለሉ ይግባእ ምኽንያቱ ብጥዑም ቃላት ከምዚ እናበለ ይገልጾ ምድሪ ክሳብ ዝወግሕ ኮኸብ ጽባሕ ከአ አብ ልብኹም ክሳዕ ዚወፅእ ከምቲ አብ ጸልማት ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ አስተብሃልክምሉ ሠናይ ትገብሩ (2ጴጥ 1፡19) ይብል።

ናይ ሎሚ ንባባትና እምብአር ንሕና እውን ብዝያዳ ክንገብሮ ዘሎና ከምዘሎ እዮም ዝሕብሩና። ከም ቤተ ክርስትያን ከም ህዝበ እግዚአብሔር ናይ ክርስቶስ ህላዌ አባና አብ ርክባትና ዕለት ዕለት ክርአ ከምዘልኦ ክንገብር ጽዉዓት ኢና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከምዝበልዎ ክርስትና ካብ አገባብ ወይ መዳያት እምነት ንላዕሊ እዩ፥ ናይ ሕይወት አከያይዳ እዩ፥ ሕያውን አብ ኩሉ ዝንበር አገባብ ሕይወት ነቲ ዘድልዮ መንፈሳዊ ነገራት ዝህብ እዩ ይብሉ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብን አምላኽን ሓይልና ቀዳማይ ምንጭን አብነትናን እዩ ይብሉና። አብ ክርስቶስ አብቲ ምንጪ ሕይወትና ክንምለስ ከምዘሎና ዝሕግዝ ብዓል ኢና ዘኪርና ዘሎና።

አብዚ እዋን እምብአር አብ ጉዕዞ ሕይወትና ንክርስቶስ ምንጪ ሓይልና ገርና ክንጉዓዝ ከም ሓዋርያት ምስኡ ምንባር ክንመርጽ ይግብአና። ምሳኻ ምንባር ይሕሸና ንበሎ። ዝተረፈ ኩሉ ባዕሉ ክምልአልና እዩ። ከምቲ ንእምነት ሓዋርያቱ ዝኾስኮሰ ንእምነትና ክኹስኩስ ንለምኖ ለውጠኒ እናበልና ልብና ንኽፈተሉ ንሱ ኸአ ክቕይረናን ክሕድሰናን እዩ።

አብ ዘመነ ፍልሰታ ስለ ዘሎና እሞ ክንዛዝሞ ቀሪብና ስለ ዘሎና አብታ እምንቲ ምስጢር አምላኽ ልዕሊ ኩሉ ዘስተማቐረት ማርያም አደና ቀሪብና ንወድኺ ጥራሕ ክፈቱ፥ ካብ ኃጢአተይ ነጺሐ ምስጢሩ ርእየ ክኽእል ንወድኺ ለምንልና ንበላ። ኦ ማርያም አደና ጎደና ድሕነት ምሳኺ ክንጉዓዝ ከሎና ጥራሕ እዩ መቐረት ዘለዎ ስለዚ ምሳኺ ክንጉዓዝ ሓግዝና ለምንልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ። 

19 August 2021, 10:50