ቅድስት ሞኒካ ቤተክርስትያን ክትመስላ ዘለዋ ቅድስት ሰበይቲ!
ዜና ቫቲካን!
ሓደ ካብ ጥንታውያን ደረስቲ ክርስትና ሕይወት ቅድስት ሞኒካ ምስ ኣረሜን ዘይኣምን ማለት እዩ ሰብኣይን መተሓዞ ዘይብሉ ውላድን ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ማለት እዩ ከመይ ዝበለ ሕይወት ቅድስናን ተጋድሎን ትመርሕ ከምዝነበረት ንክገልጽ ‘ሞኒካ እትበሃል ፍርሐተ ኣምላኽ ዝእዝዛ ዕግሥተን በዓልቲ ኣደብን ኣብ ልዕሊ ምዃና ንቤተሰባ ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ንኽትስሕብ ለይቲን መዓልቲን ብጸሎት ትጋደል ዚነበረት ምክሕቲ ክርስቲያን እያ ነይራ። ካብተን ሰብ ፅኑዕ ሃይማኖት ተባሂለን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ክፍሊ ዘሎወን፣ ብፁዓት ኣንስቲ ሐንቲ ሞኒካ እያ ” ብምባል ሕይወታ ይውድስ።
እምነትን ጽንዓትን ቅድስት ሞኒካ!
ታሪኽ ቅድስት ሞኒካ ምስ ታሪኽ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝተታሓዘ ብምዃኑ ነቲ ኣብ እምነት ዘይነበረ ሰብኣያ ናብ እምነት ክትመልስ ትገብሮ ዝነበረት ጸሎትን ተጋድሎን ሕልፍ ኣብ ኲስኰሳ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣተኲርና ንደቃ ትገብሮ ዝነበረት ኣብነታዊ መዕበያ ክንምልከት። ቅድስት ሞኒካ ንደቃ ካብ ሕፃንነቶም ጀሚራ ትምህርተ ክርስትና እናመሀረት ብግብሪ እናርኣየት መንፈስ ክርስትና ኪሠርጾም ጽዒራ እያ። በዙይ ከዓ ሕሳስልደ ወዳን ጓላን ከምቲ ዝተመነየቶም ተሐኒጾም እንኪዓብዮ ኣጎስጢኖስ ግን ጐቦ ጐቦ ብምኻድ እዙ ዕድል’ዙይ ኣጥፈኦ። ኣብ ትምህርቲ ምስ ተጸምደ እሞ ኸዓ ፈጺሙ ካብ ቁጽጽር ፍቃድን ኣዲኡ ወጽአ። ጸኒሑ ከዓ ትምህርቲ ሐዲጉ ኣብ ቅርዓት ምውዓል ስረሐይ እሉ ሐዞ። እዚ ኣካይዳ እዚ ብዙሕ ከምእትነብዕን ከምእትጽልን ገበራ።
ቅድስት ሞኒካ ወዳ ንኩሉ እቲ ንሳ ዝመሃረቶን ዝመኸረቶን ራሕሪሑ ናብ ካልእ እምነታትን ትምህርትን ከዕገርግር እንከሎ ሕልሚ ርእያ ነበረት። ‘ኣብ ሓደ ክብ ዝበለ ቦታ ኮይና ብወዳ ክትሓዝንን ከተስቈርቍርን እንከላ ሓደ ዝኸበረ ኣልባስ ዝለበሰ ጐበዝ ተራእያ። ብምንታይ ምኽንያት ከምተሓዘን ተወከሳ ንሳ ከዓ ኵነታት ወዳ ከምዘሕዘና ገለጸትሉ። እቱ ጐበዝ “ኣጆኺ! ግልጽ እሞ በሊ ወድኺ ንስኪ ኣብ ዝቆምክሉ ቆይሙ ከምዘሎ ክትርእዮ እኺ” በላ። ብዝበላ ግልጽ እንተ በለት ብሓቂ ኣጐስጢኖስ ኣብ ጥቕኣ ቆይሙ ረኣየት። ሞኒካ እዚ ሕልሚ ንኣጐስጢኖስ ወዳ ኣውርውየትሉ። ንሱ ግን ኵሉ ምስ ሰመዓ “ንስኺ ናባይ ኣነ ናብ ዘሎኹዎ ትመጺ እንተኾንኪ’ምበር ኣነ ከማኪ ኣይኸውንን እየ” ዚብል ደረቕ ምላሽ ሃባ። እንተኾነ ንሳ “ወደይ መዓረይ ንዓይ ዝተነግረንስ ንሱ ኣብ ዘለዎ ክትቆሚ ዘይኮነስ ንስኺ ኣብ ዘሎኺዮ ቆይሙ ኣሎ ዚብል እዩ” ቢላ መለሸትሉ። ኣጐስጢኖስ ካብ ድላይን ፍቓድን ኣዲኡ ወጺኡ ብዘይ እረፍቲ ኣብ ዚሀውተተሉ ጊዜያት ሞኒካ ነዛ ሕልሚ’ዚኣ ኣብ ልባ ሒዛ ኵሉ ግዜ ትሓስባ ነበረት።
“ክንድ’ዙይ ዚኣክል ንብዓት ዝፈሰሰሉ ውሉድ ጠፊኡ ዓይጠፍእን’ዩ”
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣጎስጢኖስ ሓቂ ንምርኻብ ዝገበሮ ናይ ኣእምሮ ጻዕርን ጕዕዞን ከይኣኸሎ ሓቂ ከም ወርቅን ጨርቅን ኣብ ሓደ ቦታ ተጠቕሊላ ከምእትርኸብስ ኪደልያ ናይ እግሪ ጕእዞን መገሻን ብምሕሳብን ንሮም ኪኸይድ ቈረጸ። ካብ ቅድሚ ዓይና ኪኸወል ዘይትደሊ ኣዲኡ ንኸይኸዳ ዚከኣላ ዘበለ ጸዓረት ኣብ ሓሳቡ ምስጸነዓ ግን ምስኡ ክትከይድ ወሰነት። ንሱ ሽማግለ ኣዲኡ ሒዙ ኪጐዓዝ ስለዘይደለየ ከምዚ ንጽባሕ ኪነቅል ምስ ሓሰበ ብምሸቱ “ንርሑቕ ሀገር ዚገይሽ መሓዛይ ከፋንው እየ” እሉ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅ.ቆጵርያኖስ ክትጸንሕ ገዲፍዋ ከደ። ንሳ ወዳ ሓሳቡ ቀይሩ ካብቱ ዝመደቦ መገሻ መታን ኪተርፍ ዓበርቲዓ ጸለየት። ንጽባሒቱ ናብቲ ወደብ እንተኸደት ግን ድሮ ሓዲግዋ ናብ ዝመደቦ ከይዱ ጸንሓ። ንዘንቀደ ኣይትምዓድ
ከምዝተባህለ እዩ። ሞኒካ ብኵነታት መንፈሳዊ ህይወት ወዳ ብርቱእ ጭንቂ ወሪድዋ ድቃስ ስእና ወትሩ ተስቈርቍር ስለዝነበረት ንሮም ቅድሚ ምኻዱ ትገብሮ ምስጠፍኣ ናይ ሓደ ኣቡን ከይዳ ዘለዋ ጭንቅን ሓዘንን ገለጸትሉ። እቲ ኣቡን ግን “ወድኪ መንፈሳዊ ምኽሪ ዘይሰምእ ዘይቅበል ደረቕ ስለዝኾነ ሓንቲ ኪግበር ኣይኻኣልን እዩ” ዚብል ተስፋ ዜቍርጽ ዘረባ ኣስመዓ። እንተኾነ ግን ንወዳ ናብ ክርስትና ምእንቲ ኪመልሶ ብብኽያትን ልመናን ነቱ ኣቡን መላሊሳ ምስ ኣሸገረቶ “ክንድ’ዙይ ዚኣክል ንብዓት ዝፈሰሰሉ ውሉድ ጠፊኡ ዓይጠፍእን’ዩ” ብዚብል ተስፋ ዝመልዖ ቃላት ኣጸናኒኡ ሰደዳ።
ንጸሎትን ምንዮተይን ወላዲት ዝሰምዕ ጐይታ ኸኣ ኣጎስጢኖስ ብዝኸዶ ካብ ምጥፋእ ኣድሒንዎስ ናብ ክርስትና ንክምለስ ትምህርቲ ይመሃር ኣሎ ዝብል ወረ ናብ ኣፍሪቃ መጸ። በዙ ጊዜ’ዙይ ሞኒካ ወዳ ኪትረክብ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንሚላኖ መጸዓት። ኣጐስጢኖስ ትምህርተ-ክርስትና ኪመሃር ዚገበሮ ቍርጺ ፍቃድን ውሳኔን ብልቢ ኣሓጐሳ። ግን እዙይ ይ ኣክል ከይበለት ወዳ ክርስትና ብልቡ ኪቕበል ቀጺሉ ኸዓ ጽፉፍን እሩምን ናብራ ኪነብር ብዙሕ ፀዓረት። በዙ ሓሳብ’ዙይ ብሕግን ብቃልኪዳን፣ ስለኪነብር ሓንቲ ንዓኡ እትኺውን ዝበለታ ጓል ኣሕፀየትሉ። ግዳ እታ ሕፅይቲ ዕድመኣ ጋና ንቃልኪዳን ዘይበቅዕ ስለ ዝነበረ ሽዑ ቃል ኪዳን ኣብ ክንዲ ምእሳር ድሕሪ ክልተ ዓመት ኺከውን ተወሰነ። እዙይ ኪኸውን እንተሎ እታ ብዘይ ሥርዓት 13 ዓመት ዝኣክል ምስኡ ዝተቐመጠት ንኣፍሪቃ ከም እትምለስ ተገብረ።
ሃረርታ ወላዲት እንክፍጸም!
ኣጐስጢኖስ ክርስትና ብዝሐቖፈ ሥራሕ ምምህርናኡ ሓዲጉ ንኣፍሪቃ ኪምለስ ምስ ቤተሰቡ ነቐለ። ዖስቲያ ኣብ ዝተባህለ መርሶ ኮይኖም መራኽብ ኪጽበዩ ወዓል ሕደር ምስኮነ ሞኒካ ሓሚማ ናብ ኣፍ ሞት ቀረበት እሞ “ከመይ እልኺ ድኣ ኣብ ዓዲ ጓና ሞትኪ ትቕበሪ” ምስ በሉዋ “ዝኮነ ይኩን ንእግዚኣብሔር ዝርሕቆ ነገር የለን ንግዜ ትንሥኤ-ሙታን ንፍርዲ ኪመጽእ እንከሎ’ውን ኣነ ዝትንሥኣሉ ሥፍራ ይጠፍዖ እልካ ኪሕሰብ ኣይኸኣልን እዩ” ቢላ መለሸትሎም። ኣብ ሰዓት ሞታ ኣጐስጢኖስ ወዳ እንክትዋሳእ “ክሳብ ሎሚ ብሕይወተይ ክጸንሕ ዝተመነኹ ቅድሚ ምማተን ክርስቲያን ኰንካ ክርእየካ ሃረር እለ እየ እግዚኣብሔር ከዓ ጥኡም ስለ ዝኾነ እንሆ ሕጂ ኣብ’ዙ ምድሪ’ዙይ እንታይ ዝጽበዮ ኣለኒ።” ክትብል ሕይወታ ምሉእ ትምነዮ ዝነበረት ሃረርታ ገለጸትሉ። ድኅሪ ሓሙሽተ መዓልታት በቲ ሒዝዋ ዝነበረ ሕማም ምኽንያት ኣብ 56 ዓመታ ብሞት ተሰናበተት። ሞኒካ ጓል መንግስተ ሰማይ ምዃና ዘየጠራትር እኳ እንተነበረ ፍቕሪ ኣደ ኩልና እንፈልጦ እዩ ብሕልፊ በዓል ንኡስ እድመ ኣዳዮዳቱስ (ወዲ ኣጐስጢኖስ) ኣምሪሩ ኪበኪ ዝረኣዮዎ መሃዙት ኣጐስጢኖስ “ ምሕረት ወፍትሓ ዓኅሊ ለከ እዜምር ወእሌቡ ፍኖተ ንጽሓ… (መዝ.ç) ብዛእባ ምሕረትን ፍትሕን ክቕነን ምስጋና ከዝይምን ብመንገዲ ንጹሓን ክመላለስ እየ” ዚብል መዝሙር ብበገና ተሰንዮም ኪዝምሩ ተለዓዓሉ ይበሃል። ነዙይ እንኪዝምሩ ኣጐስጢኖስ ኣብ ሓደክፍሊ ቤት ተዓጽዩ ብሞት ኣዲኡ በኸየ። ደሓር ነዚ ኅዘኑ እንኪገልጽ “….. ምሉእ እድሚኣ ክትበኽየለይ ዝነበረት ወላዲተይ ቍሩብ እንተኣልቀስኩላስ ከም ኃጢኣት ዚቘጽረለይ ዶኾን ይህሉ…’’ይብል። ኣጐስጢኖስ ኣዲኡ ኣብ ዘፈርመገዲ ቀቢሩ ንሰሜን ኣፍሪቃ ተመልሰ።
ድሕሩ ረሳኣ ኣብቲ ብስም ወዳ ዝተሃንጸ ባዚሊካ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብ ሮማ ፍሉይ ናይ ክብሪ ቦታ ሒዝ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብታ ባዚሊካ ዝበጽሑ ኣማልድነታ ይምሕጸኑ።
ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ድሒሩ ኣብ ዝጸሓፎ ኑዛዜ ዝብል መጽሓፉ ብዛዕባ ወላዲቱ ቅድስት ሞኒካ ብዙሕ የዘንቱ።
ሎሚ እምበኣር ኣብ ዕለታ ከምቲ ንሳ ናይ ቤተክርስትያን እመቤት ኰይና ብምሉእ ልባ ንቤተክርስትያንን ኣገልገልታን ዘገልገለቶን ዝለገሰቶ ጥበብን ከም ኣብነት ወሲዳ ናይ ሎሚ ቤተክርስትያን ኣሰር እዛ ቅድስት ብምስዓብ ክትመስላ ዝበለጸ መንገዲ እዩ።