ንእናቴ ናርቫዝን ካልኦት ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ክርስትያንን ውሉደ ክህነትን ኣይረስዓዮም! ኣባ ማካሊ
ዜና ቫቲካን!
ዝወዓለ ይንገርካ ከም ዝበሃል ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ድሕሪ ነዊሕ ጒዕዞ መስቀል ክንብሎ እንኽ እል ናይ ክልተ ዓመት ጭውያን ጅሆ ኰንካ ምንባርን ተኣምራታዊ ክትብሎ ብዘድፍር መንገዲ ዘይምሱል መሲሎም ሓርነት ምስ ረኸቡ ናብታ ለይትን መዓልትን ዝምሕጸንዋ ዝነበሩ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ምስጋናኦም ንምቅራብን ስለ እቶም ገና ኣብ ጸልማት ጭውያ ዘለው ንክጽልዩን ባሕቲ ነሐሰ ናብ ደብረ ፈጢማ ፖርቱጋል ብምኻድ መንፈሳዊ ንግደት ፈጸሙ። ኣብ ጸሎቶም ካብ ዝዘከርዎም ብዙሓት ግዳያት ሓንቲ ኣብ ደቡብ ሃገረ ማሊ ቅድሚኦም ተጨውያ ገና ኩነታታ ኣብ ሓደጋ ዘሎ እቲቴ ግሎርያ ቸቺልያ ናርቫስ ኣርጎቲ ከም ኡውን ስለኩሎም ኣብ ስለ እምነቶም ተጨውዮም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ጸልዮም። እናቴ ናርቫዝ ትውልዳ ኮሎምቢያ ደቡብ ኣመሪካ ኰይና ኣባል ንጽሕት ድንግል ማርያም ማሕበር ፍራንቸስካውያን ደናግል ኰይና ብ ዕለት 7 ለካቲት 2017 ዓም ዓዲ ደሓን እዩ ዘሎ ኢላ ኣብ ደቡብ ማሊ እትርከብ ቊምስና ካራንጋሶ ኣብ ኣገልግሎት እንከላ እያ ተጨውያ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብማእከልነት ቀይሕ መስቀል ገራ ናብ ሓዋ ኣብ ዝለኣኸቶ መል እኽቲ ‘ንኩሎም ልባዊ ሰላምታይ እሰደልኩም። እስርቲ ኰይነ እነሆ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ። ሕጂ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓዲስ ጒጅለ እየ ዘሎኹ’’ ኢላ ጽሒፋ።
ኣባ ማካሊ ‘ጐይታ ነዛ ድንግል እዚኣን ንካል ኦት ኩሎም ከም ኣ ስለእምነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝሳቀዩ ዘለውን ሓራ ከውጽ ኦም ጸሎትና ንሰማይ ነዕርግ’ እንክብሉ ብጸሎት ክነስንዮምን ወትሩ ኣብ ዕለታዊ ጸሎትና ን እናቲ ናርቫዝን ካል ኦት ከም ኣ ተጨውዮም ጅሆ ተታሒዞም ዘለውን ክንጽሊ ሓደራ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፋ ዕለታት ኣብ ማካሊ ምስ ኣባላት ጳጳሳዊ ትካል ሓገዝ ንእትሳቀ ቤተክርስትያን ኣብ ዝገበርዎ ዕላል ቀንዲ ጸገም ጭውያን ንነዊሕ እዋን ጅሆ ተታሒዝካ ምስ ማንም ዘይምርኻብን ‘ግዜ ምስ ነውሐ ዳርጋ ብኩሎም ዝተረሳዕካ ኰይኑ ይስመዓካ፤ ነቶም ሓራ ዝወጹስ ይኹን ነቶም ገና ኣብ ትሕቲ ቊጽ ጽር እዞም ኣረማውያን ጨካናት ሰባት ንዘለው በይኖም ኰይኖም ከምዘይፈልጡን በይኖም ከምዘይኮኑን ብዝተፈላለየ መንገዲ ደጋጊምና ክነረጋግጸሎም የድሊ። ኣብ ጸልማት መነባብሮ ቀይዲ ንዝርከብ ዋላ ሓንቲ ን እሽቶ ስ እሊ ስድራቤትስ ይኹን መቅርብ ንልቢ እቲ እሱር ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ንዘክር። እዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ናኣሽቱ መል እኽታት ትብ ዓት ኣብ ል ዕሊ ትብ ዓት እዩ ዘስንቅ። ል ዕሊ ኩሉ ግን ጸሎት። ኣነ ንገዛእ ር እሰይ ካብዚ ገሃነም ሓራ ምስ ወጻእኩ ስለይ ዝ ዓርግ ዝነበረ ጸሎት ከም ውሕጅ ምንባሩ ምስ ፈለጥኩ ዝፈጠረለይ ስም ዒት እዚ ክብሉ ኣይክ እልን እሞ ስለኦም ከየባተኽና ንጸሊ። ኣብ ሳህለ ሰሃራን ኣብ ብዙሕ ኲርናዓት ዓለምናን ንዘለው ብጭውያን ጅሆነትን ዝተኣሥሩ ኣይረስ ዕ፤ ል ዕሊ ኩሉ ሓደራ ክብሎ ዝደሊ ሥቃይ ናይዞም ሰባትን ናይ ስድራቤቶምን ኣይንረስ ዕ፤ ስለኦም ምጽላይ ኣይረስ ዕ፤ ካል እ እንተተረፈ ጸሎት ኩሉ ክንገብሮ እንኽ እል እዩ፤ ኣብተን ንበይነይ ዝተዳጐንኩለን ክልተ ዓመታት ጸሎት ኣመንቲ ክሳብ ክንደይ ከምዝሓገዘኒ ምስክር እየ፤ በዚ ቅርበትና ንግለጽ፤ ከምዘይረሳዕናዮም ብዝተፈላለየ መንገዲ ንግለጸሎም፤ ከመይ ን ዓይ ካብቲ ኣጸቢቊ ዘሳቅየኒ ዝነበረ ኩነታት ሓደ ብካል ኦት ከምዝተረሳዕካ ኰይኑ ክስመዓካ እንከሎ እዩ፤ እንተኾነ ሓራ ምስ ኰንኩ ኩሎም ኣብ ጐድነይ ከምዝነበሩ ተገንዚበ፣ ካብቲ ማእሰርትን ኣድራዕን ዝሓስመካ ተነጽሎን በይንኻ ናይ ምዃን ስም ዒትን እዩ እሞ ብዝተፈላለየ መንገዲ ቅርበትና ንግለጸሎም ምናዳ ኸኣ ስለኦም ወትሩ ብምጽላይ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።