ሆልሪኽ፥ ምዕራብ ዓለም ንኣፍጋኒስታን ሕልሚ ደኣ እምበር ነቲ ሕልሚ ዘተግብር ሓገዝ ኣየቕረበን
ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ምስ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ ህልው ኵነታት ኣፍጋኒስታን ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት “ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ዝተጠንጠኑ ህዝብታት ናይ ምሕጋዝ ግዴታ ከምዘለዎ ንምዝኽኻር ነቲ ኣብ ማእከላይ እስያ ዝካየድ ዘሎ ኸቢድ ቅልውላው መፍትሒ ክርከቦን ንህይወት ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ንምሕላው ዝከኣሎ ዘበለ ኵሉ ክገብር” ጻውዒት የቕርቡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምዕራባዊ ዓለም ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንኸቢድ ቅልውላውን ጥፍኣትን ተቓሊዑ ንዘሎ ሕዝቢ ኣፍጋኒስታን ሕልምን ተስፋታትን ጥራሕ ብምቕራብ ኣብ ምትግባር እቶም ዘቕረቦም ሕልምታትን ተስፋታትን ኣበርቲዑ ዘይምዕያዩ ተሓታቲ ምዃኑ ናይ ሉሰምበር ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽ ብዛዕባ ኣፍጋኒስታን ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን እትኽተሎ ስነ ፖለቲካዊ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ከምኡ እውን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጒዳይ ኣፍጋኒስታን ዝኽተሎ ፖለቲካን ነቒፎም፥ ምኽንያቱ ኣብታ ሃገርን ሕዝብን ክቡራት ዋጋታት ክረጋገጽን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኽውን ብዝብል መደብ ዘንቀሳቐሶ ድላይ ዘይተግበረ ብምዃኑ ክኸውን እንከሎ። እዚ ነቲ ኣብ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታት ናይ ግብረ ሰናይ ቀረብ ውሑስ ንምግባር ዘድሊ መተሓላልፎ ንኸይህሉ ዝገብር ኩነት ዝፈጠረ እዩ ዝመስል ይብሉ።
ብጹዕነትኩም ነቶም ካብ ኣፍጋኒስታ ዝስደዱ ዘለዉ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝድግፍ መተሓላልፎ ምኽፋት ዝብል መደብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ዝነጽግኦ ዘለዋ እዩ ዝመስል፡ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ኣረኣእያ ጳጳሳት ኤውሮጳ እንታይ ይመስል? ኣረኣእያ ናይቶም ኣብ ፖለቲካ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ዘጒሂ እዩ፡ ከመይሲ ሎሚ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርአይ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ኵነት ተሓተትቲ ኵላትና ኢና። ኤውሮጳ ብሓፈሻኡ ምዕራባዊ ዓለም ንብዙሓት መንእሰያትን ኮታ ንመላእ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ዝሓሸ ዓለም ተስፋ ዝገበረሉ መደብን ኵለ መዳያዊ ሕንጸትን ናጽነትን ከምኡ እውን ሕልምታትን ኣቕሪቡ ከብቅዕ ነዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ ዝተመዓራረየ መሳለጢ ኣብ ምቕራብ ቦኺሩ እዩ፡ ኤውሮጳ ልክዕ ከም መምህር ዓለም ስነ ምግባራዊ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ትዛረብ ግን ነዚ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዚ ምንባር ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኣይትርከብን እዚ ኸኣ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ህዝብታት ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳ ሕማቕ ኣረኣእያ ክህልዎም ይገብር።
ብመሰረት ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፡ ናይቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ነታ ሃገር ኣብ ኢድ ጣሊባን ክትወድቕ ዝደረኸ ዓለም ሓቆፍ ስዕረት ኣናስር ኣንታይ እዩ? ብዛዕባ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጒዳይ እዚ እቶም ናይ ስነ ፖለቲካ ተንተንቲ ዝብልዎ ምርኣይ የድሊ፡ እንተዀነ ማሕበርሰብ ዓለም ኣብ ኣፍጋኒስታን ህልው ኮይኑን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት እውን የሳልጥ እውን እንተነበረ፡ እዚ ግና ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ናይታ ሃገር ኩነታት ናይ ምቍጽጻር ብቕዓት ንኽህልዎ ንምግባር ዝካየድ ዝነበረ መደብ ተዓዋቲ ኣይገበረን። ምናልባት ኣብታ ሃገር ዝነበረ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ንምጥፋእ ኣድላዪ ስጒምቲ ኣይተወስደን ይኸውን፡ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ምሉእ ኣፍልጦ እውን ዘይነበረ ክኸውን ዝከኣል እዩ። ምናልባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን እትኽተሎ ዝነበረ ጻዕርታት መልክዓ ምድራዊ ስነ ፖለቲካ ናብ እስያ ከተምርሖ እትደሊ ይመስለኒ። ጻዕርታት መልክዓ ምድራዊ ስነ ፖለቲካ ብሓፈሻኡ ክርአ እንከሎ ምስ ሰባት ንምዝርራብ እንታይ ከምዘድልዩ ንምርኣይን ንምርዳእን ህይወት ደቅሰብ ህይወት እቶም ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ንምሕላው ክንደልን ናይ ሓባር ረቛሒ ከነናድይን ከምዘሎና እየ ዝኣምን።
ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ጣሊባን ክትዘራረብ ቅኑዕን ግቡእን ድዩ? ብልክዕ ምላሽ ምሃብ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ብዙሕ ሓበሬታ የብለይን። ብሓፈሻኡ ክርአ እንከሎ ግን ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝዓዪ እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕ ነገር ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ተራኺብካ ክትዘራረብን ክትመያየጥን ይድርኽ። እዚ ንምግባር እንተድኣ ዘይተኻእለ ግን ብሓቂ ከይተፈጸመ ዝተርፍ እውን እንተ መሰለ ከም ክርስቲያንን ካቶሊክን መንፈስ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም ከምዝዓዪ ንኣምን ኢና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።