ጥምየትን ድኽነትን ንምውጋድ ዛዕባ መግቢ መዋቕራዊ ለውጥታት የድሊ ጥምየትን ድኽነትን ንምውጋድ ዛዕባ መግቢ መዋቕራዊ ለውጥታት የድሊ 

ጥምየትን ድኽነትን ንምውጋድ ዛዕባ መግቢ መዋቕራዊ ለውጥታት የድሊ

እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ “ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና” ዘርእስቱ ጐስጓስ ኣብ መጻኢ ዚርአ ምዕባለታት ንምምርማርን ንተገዳስነት ሰባት ንምትብባዕን ዝኣመተ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 8 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ከምእተኻየደን

ብካሪስታ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ክርስቲያን ወለንተይናታትን ልክዕ ድሕሪ ሓደ ዓመት “ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና” እተሰምየ ካብ ዓለም ጥምየት ንምውጋድን ዛዕባ መግባዊ ዝምልከቱ መዋቕራት ሕዳሴ ክሳለጥ ንምንቕቓሕ ዝተበገሰ ጐስጓስ እቲ ተበግሶ ዘቐመጦም መባጼሕን ኩነታቱን ዝምልከት ብመረብታዊ ውሕዘት ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ ከምዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ኢጣሊያ ርክብ ዘለዎ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዓያ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ክርስቲያን ወለንተይናታት ኣካል ዝኾና 64 ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ዝሓለፈ ዓመት “ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና” ብዝብል ኣርእስቲ ዘበገሰኦ ወፈራ - ነቲ ኮቪድ ብፍላይ ኣብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣዚዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት እቲ ለብዒ ዘሕድሮ ጽልዋ ህዝባዊ ኣቃልቦ ንምግባር ከምኡ እውን ውጥናት ንምምእራር ዝብል ክልተ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ነዚ ጐስጓስ ካብ ዘበገሱን ዘነቓቕሑን ሓደ ኣብ ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ናይ ጉዳይ እስያን ኦቻይና ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ማሲሞ ፓሎቲኖ ሓቢሮም፥ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዓለም ዝርአይ ስእነት መግብን ድኽነትን ንምውጋድ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ጭንፈር ካሪታስ ንዘካድኦ ጻዕሪ መሳለጢ ዝውዕል ልዕሊ 300 ሺሕ ኤውሮ ኣብ ዘመነ ምጽኣትን እዋን ዓቢይ ጾምን ካብ ዝተወሃበ ምጽዋት ከምእተኣከበን ነዚ መደብ መሳለጢ ዝውዕል ሓገዝ ምእካብ ገና ይቕጽል እውን ከምዘሎ ይሕብሩ።

ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተካየደ ኣኼባ

እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ “ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና” ዘርእስቱ ጐስጓስ ኣብ መጻኢ ዚርአ ምዕባለታት ንምምርማርን ንተገዳስነት ሰባት ንምትብባዕን ዝኣመተ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 8 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ከምእተኻየደን እቲ ዓውደ ኣኼባ ማሕበር ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ፍራንቸስኮ ሶዱ ብዘስምዕዎ መደረ ከምእተበገሰን፡ ኣብ ሮማ ቶር ቨርጋታ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ቍጠባ ጨንፈር መጽናዕቲ መምህር ናይ ስነ ቍጠባ ሊቅ ሊዮናርዶ በከቲን ማሕበር ዓለም ለኻዊ ጥዕና ንዓለም ለኻዊ ምዕባለ መደባት ኣመሓዳሪት ኒኮለታ ደንቲኮን ናይ ኢጣሊያ ምኽትል ወጻኢ ጉዳያት ሚኒ. ማሪና ሰረኒን ካልኦት ዓበይቲ ናይ ሃይማኖትን ናይ ፖለቲካን ዓለም ልኡካን መደረ ከምዘስምዑን ነቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ዓለም ሓቆፍ ክርስቲያን ወለንተይናታት ማሕበር ኣደ መንበር ኢቫና ቦርሶቶ ብዘስመዐኦ መደረ ከምእተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ዞባታት ስርዓተ መግቢ ምሕዳስ

ኣብ ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ናይ ጉዳይ እስያን ኦቻይና ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ማሲሞ ፓሎቲኖ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይቲ ወፈራ ማእከል መግቢ እዩ፡ ናይቲ ወፈረ መጸውዕ “ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና” ዝብል ኮይኑ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓደ ስድራ ቤት ከምዝኾነ ንምጉላሕ ዝኣመተ ኮይኑ፥ እቲ መንፈስ ስድራ ቤታውነት ክደክም እንከሎ ዘስዕቦ ጸገም ዝተኸወለ ኣይኮነን፥ ስእነት መግብን ምብዛሕ ድኻታትን ኢማዕርነትን ዝኣመሰሉ እያቶም፡ ስለዚ እቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ኣገባብ መግቢ ንምምሕያሽን መግቢ ንምድላው ከምኡ እውን ምንጭታት መግቢ ንምልላይ ዚሕግዝ ጐስጓስ እዩ። ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝርአየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዘስዓቦ ጸገም እውን ንምልላይን ብምኽንያት እቲ ለብዒ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ትምህርቲ ክንክይ ምግባሩን ስደተይናታትን ስራሕን መግብን ሳዕቤን ኮቪድን ዝብል ነጥቢ ብዕምቆት ዝተመልከተ ዓውደ ኣኼባ እውን ምንባሩ ይሕብሩ።

ናይ መግባውነት ጉዳይ ዝምልከት መዋቕር ሕዳሴ

ፓሎቲኖ ኣስዒቦም፥ ኣብ ዓለም ካብ 700 ክሳዕ 800 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ብስእነት መግቢ ከምዝሳቐይን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ካልኦት ኣስታት 150 ሚሊዮን ንስእነት መግቢ ዝተጠቕዑን ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩን እያቶም፡ ስለዚ ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ዜጋታት ቍጽሮም ዘሰንብድ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ብዝሒ እዚ እውን ኣብ መላእ ዓለም እንኽተሎ ናይ መግባውነት ጉዳያት መዋቕር ምሕዳስ ከምዘድሊ ዝሕብር ረስኒ እዩ ኢሎም።

ካብ ምጽንጻን ምህርቲ መግቢ ምጥቃቕ

መግቢ ኣቕሓ ጥራሕ ስለ ዘይኮነ ብዛዕባ መግብን ምህርቲ መግብን ብኸመይ ኪመሓደርን ንዅሉ ኪባጻሕን ዝድርኽ ዘተን ንጭቡጥ ውጽኢትን ዝዓዪ ሓላፍነት ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክውከል እዩ ዘለዎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መግቢ ግምታዊ ናይ ሃብቲ ገንዘብ መሳርዕ ኮይኑ ከገልግል ይርአይ ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዋጋታት ሕርሻ ከም ዝውስኽ ይገብር ከምዘሎን እዚ ኸኣ መግቢ ካብ ናይ ምጽንጻን ንሃብቲ ገንዘብ መሳርዕ ናይ ምግባር ኪደት ውጽኢት እዩ፡ ገንዘብን መግብን ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ እዩ፥ ነቶም ኣብ ደቡብ ኮነ ኣብ ሰሜናዊ ዓለም ንዝርከቡ ንኣሽቱ ኣፍረይቲ ድምጾም ክስማዕን ንሕቶታቶም መልሲ ምሃብ የድሊ፥ እዚ ኸኣ ብዓለም ለኻዊ ደረት ትርኢት እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ “ኵላትና ኣብ ሓንቲ መርከብ ኢና ዘሎና፡ በይንኻ ምድሓን ዝከኣል ከምዘይኮነ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣረጋጊጹልና እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

08 July 2021, 18:13