ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት 

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት

እቲ ቀዳማይ ዋዕላ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብኣካላ ዝርከቡን ብመረብታዊ ውሕዘት ዝሳተፉን ዘጠቓልል ኮይኑ ብእምነቶም ምኽንያት ንዝስደዱን ንዝተፈላለየ መከራ ንዝቃልዑ ድምጺ ከምዝኾነን ናይቲ ዋዕላ ሸቶ፥ “ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዘተባብዕ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምርካብን ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ዓለም ለኻዊ ጽፍሒ ዝዓዪ ድልዱል ኣህጉራዊ ጥርመት” ንምቛን ከምኡ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ “ንበርገሳዊ ሕብረተሰብን መንግስታትን ዝያዳ ፍልጠት ከምዝህልዎ ንምግባር”

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጽዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ኣብ ዋሽንገት ዕለት 13 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ዝተኸፍተ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ ዋዕላ፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ መላእ ዓለም ክኽበር ዘለዎ “ኣገዳሲ ሰብኣዊ መሰላት” ንምጥባቕ ዝተገብረ ተበግሶ ብዓቢይ ሓጐስ ከምእተቐበልዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ካብ ዕለት 13 ሓምለ ክሳዕ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ መጀመሪያ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ናይ ሃይማኖት ናጽነት እተአንግድ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ዋሽንግተን እያ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝርከብዎ ንእተፈላለያ ሃይማኖታት ዝውክሉ ልዕሊ ኣርብዓ ዝኾና ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ኣበርቲዔን ዝዓያ ናይ ሃይማኖት ውድባት ዝውክሉ ዘነቓቕሕዎ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ንናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገተ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ዳቪድ ማሎይ፥ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መላእ ዓለምን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ኣብ ዝብል ዕላማ ንዘጠራንፍ ዋዕላ እዚ ሓንጐፋይ ቢላ ትቕበሎ” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን

ካብ ጠቕላላ እቲ 7 ቢሊዮን ዝግመት ብዝሒ ዓለም እቲ 83 ሚእታዊ ዝሽፍን ሎሚ ኣብተን ንሃይማኖት ተጻይ ዝኾኑ መንግስታትን ሕብረተሰብ ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝነብር ምዃኑ ጉባኤ ሃይማኖታትን ማህበራዊ ሕይወትን ዝከታተል ትካል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ክሕብር እንከሎ። ብጹዕ ኣቡመ ማሎይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ሃገር ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ ሰርዕት ነቲ ኣገዳሲ ሰብኣዊ መሰልላትን ክብርን ዝኾነ ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብሓድሽ መገዲ ንምሕላው ክጽዕር ኣለዎ” ቢሎም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነዚ ዋዕላ እዚ ክርዓት ዝመልኦ ድጋፍ የቅርብ” ቢሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉዳይ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቲሞትይ ዶላን ኣብቲ ዋዕላ መደረ ካብ ዘስምዑ ሓደ ክኾኑ እዮም፡ ብጹዕነቶም ዘስምዕዎ መደረ እውን እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝዛዘመሉ ሓሙስ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምዝኸውንን ናይቲ ዘስምዕዎ መደረ ኣርእስቲ እውን “ንመጻኢ ተስፋ፥ በርገሳዊ ሕብረተሰብን መራሕቲ ዓለማዊ መርሕነት ኣመሪካን ብዝሓ ባህልን” ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ እምነት መሰኻኽር

እቲ ቀዳማይ ዋዕላ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብኣካላ ዝርከቡን ብመረብታዊ ውሕዘት ዝሳተፉን ዘጠቓልል ኮይኑ ብእምነቶም ምኽንያት ንዝስደዱን ንዝተፈላለየ መከራ ንዝቃልዑ ድምጺ ከምዝኾነን ናይቲ ዋዕላ ሸቶ፥ “ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዘተባብዕ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምርካብን ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ዓለም ለኻዊ ጽፍሒ ዝዓዪ ድልዱል ኣህጉራዊ ጥርመት” ንምቛን ከምኡ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ “ንበርገሳዊ ሕብረተሰብን መንግስታትን ዝያዳ ፍልጠት ከምዝህልዎ ንምግባር” እዩ። ብዛዕባ ዑቕባን ክንክንን ስደተይናታትን ኣሳዶ ሃይማኖት ኣብ ናይጀሪያን መርበብ ሓበሬታ ንመጋበርያ ኣሳዶን ኣድልዎን ኣብ ምግባር ዝርአ ግጒይ ኣጠቓቕማ እደ ጥበባዊ ምዕባለን ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሃይማኖተይናዊ ብሔርተይናነት ዝምባለን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ምይይጥ ክካየድ ከምዝኾነን መደረ ካብ ዘስምዑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕዝባዊ ባይቶ ኣደ መንበር ናንስይ ፐሎሲን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ዋና ጸሓፊ ማይክ ፖምፐዮን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጵሳት ኤልፒዶፎሮስ ከምዝርከበዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

14 July 2021, 08:29