ደመና ክረምቲ ኣብ ልዕሊ ዋሽንግቶን ደመና ክረምቲ ኣብ ልዕሊ ዋሽንግቶን 

ሰንበት ዘክረምት ሰነ 27 2013 ዓ.ም. (7/4/2021) ንቃል አምላኽ ሰሚዕካ ምኽአል

መዝሙር ዘክረምት፡ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም. . . . . ዝናም የድምጽ እሞ እንኪዘንም ጥሙያት ይጸግቡ ድኻታት ይሕጎሱ. . . ንሰንበት ብሰላም ቀደሳ አብ ዓዓመት ክረምቲ ይኸፍተላ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 8፡9-13፥ ያዕ. 5፡16-ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡11-21፥ ማቴ 11:25-30  ምስባክ፡ ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር፥ ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። ንሰማይ ብደመና የጎልብቦ፥ ንምድሪ ዝናም የሰናድወላ፥ አብ ጎቦታት ሣዕሪ የብቁል። መዝ. 147፡8።

አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ሓንቲ ሰበይቲ ጸሓፊት ኮይና አብ ሓደ ቍምስና እትሰርሕ ዝነበረት ናይ ምሕማይ ሕማቕ አመል ነርዋ። ንስርሓ ከም ዕድል ተጠቒማ አብ ቤት ጽሕፈት ንዝመጽኡ ከምኡ ብእኡ ንዝሓልፉ ክሰምዕዋ ንዝኽእሉ ኩሎም ስም ሰባት እናአልዓለት ብዙሕ ትሓሚ ነራ። ከም ኩሉ አማናይ ኩሉ ጊዜ ቃል ወንጌል ትሰምዕ ነራ ጌጋ ምዃኑ እውን ትፈልጥ እያ፥ እንተ ኾነ ዘፍርሓ ዝነበረ ምሕማይ እንተ አቋረጸት ጽን ዝብላ ሰብ አይክረክብን እየ ኢላ ትሓስብ ነራ። ሓደ መዓልቲ ጸገማ ንካህን አካፊላቶም። እቶም ካህን እቲ ዘፍርሓ ምሕማይ ምስ አቋረጸት ከም ዘቋርጽ ብግሩህ መንፈስ ነጊሮማ። ድሕሪ ቍሩብ አስተንትኖ ከምዚ እናበለት ክትሓስብ ጀሚራ ሰባት አባይ ተገዳስነት አይ ክገብሩን እዮም ክበሳጮ እየ፥ እንተ ኾነ አብ ውሽጢ ልባ ዘጸግማ ዝነበረ ከምዘይትፍቶ እያ ትሓስብ ነራ። እቶም ካህን ነዚ አብአ ዘሎ ፍርሒ ብጸሎት አብ ክርስቶስ ክተምጽኦ ነጊሮማ። ነዚ ምስ ገበረት ኢየሱስ ገለ ከምዝብላ ዘሎ ተሰሚዕዋ “አይትፍርኂ”። ኢየሱስ ከም ዘፍቅራን ዝሕግዛን ኃይሊ ከም ዝህባን ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕዋ። በዚ ተለዓዒላ ደጋጊማ ክትጽሊ ንኢየሱስ ክትሰምዖን ክትልምኖን ጀሚራ፥ ነቲ ምንጪ ፈተናአ ሒዛ አብ ኢየሱስ ከይዳ ብቐጻሊ ከአ ምስአ ከም ዝህሉ አረጋጊጹላ። ብርግጽ ነገራት ቀልጢፎም አይቕይሩን እዮም። ቀስብ ብቐስ ግን ጨሪሻ ተለዊጣ። ሓደ ክትርእዮ ዝኸአለት ብዘይካ እቲ ሕማቕ ሕመታ ብኹሉ እትፍቶ እያ ነራ። ቀስ ብቐስ ነቲ ዝነበራ ናይ ሕመታ ልምዲ ክትሕድጎ ጀሚራ ሽዑ ሰላምን ቅሳነትን ክስምዓ ጀሚሩ።

ነገራት ክቕየሩልና አብ ኢየሱስ አምጺእና ክንክእል አሎና። ባዕልና ጥራሕ ክንፈትሖም እንተ ፈተና አብ ስምዒታውን ግጉይን መንፈስ ኢና እንአቱ እዛ ምሳሌ ነዚ እያ እተስተምህረና።

ሕይወትና ክንርኢ እንተ ኸአልና ብዙሕ ጊዜ ኃጢአት ምስ ገበርና ሰላም ንስእን ምኽንያቱ ብርቱዕ ፍርሒ ወይ ዘይርግኡ መንፈስ አባና ስለ ዝርከብ እሞ ናብ ክርስቶስ ስለ ዘየምጻእናዮ ንሳቐ። ክርስቶስ በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር አቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ አነ ኸአ ከዕርፈኩም እየ (ማቴ 11፡28) እናበለ ይዕድመና አሎ።

ናይ ሎሚ ንባባትና ቀንዲ መልእኽቲ አብ ሰላምን ጽንዓትን አብ ዝብል ዘተኮረ እዩ። አብ ትንቢተ ዘካርያስ 9፡9-10 ነዚ ሓሳብ ዝገልጽ አብ ካልአይ ክፍሊ ናይ እቲ መጽሓፍ ንረክብ፤ ዘካርያስ ነብይ አብ 3ይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረ እዩ። ንሱ ብዛዕባ ሓደ ንጉሥ አብ አድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ዝአቱ ይዛረብ እዚ ኸአ ነቲ ብዓወት ዝመጽእ መስሕ ንጉሥ ዝገልጽ እዩ። እቲ ፍጻሜ አብ ትሕትናን ሰላምን ዘተኮረ እዩ። ንሱ አብ አድጊ ተጻዒኑ ይአቱ አብ ክንዲ አብ ፈረስ ናይ ውግእን ክብርን እንስሳ ተጻዒኑ ዝአቱ። ንሱ ሓዲስ ንጉስ እዩ ምጽአቱ ነቶም አብ ፍርሕን ጭንቀትን ንዝነብሩ ህዝቢ ሰላም የምጽአሎም። ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ ይገዝእ እሞ ብነፍስ ወከፍ ይግደስ። እዚ ምስቲ ኢየሱስ አቱም ዝደኸምኩም ዝጸዓርኩምን ናባይ ምጽኡ ምስ ዝብል ይሰማማዕ። እቲ ሓቀኛ መድኃኒ ንመሳርያታት ውግእ ዘጥፍእ ሓባራዊ ሰላም አብ ኩሉ ግዝአቱ ዝእውጅ እዩ። ቅ. ማቴዎስ ነዚ አብ መቅድም ብዛዕባ ሕማማት ክዛረብ እንከሎ ይጠቕሶ።

አቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ አነ ኸአ ከዕርፈኩም እየ።

አብ ማቴዎስ 11፡25-30 ዘሎ ምስቲ አብ ትንቢት ዘካርያስ ዘሎ ይሰማማዕ፥ ኢየሱስ አነ ለዋህ እየ ልበይውን ትሕት እዩ እሞ አርዑተይ ፁሩ ካባይውን ተምሃሩ እናበለ ነርድእቱ ካብኡ ክምሃሩ ገሊጹ ነጊርዎም። ንኢየሱስ ብምኽታል ንሓደ ክርስትያን ሓዲስ ተመክሮ ወይ ጉዕዞ ሕይወት የልብሶ ወላእኳ ብከቢድ ፈተናን ውረድ ደይብን ዘልኦ ይኹን እምበር ነቲ ከቢድ ነገራት ከም ፈኲስን ቀሊልን ገሩ ከም ዝርኢ ይገብሮ። ኢየሱስ ዘስተምሃሮ አብ እዝኒ ሰማዕቱ ናዕቢ ዘለዓዕል ኮይኑ እዩ ዝርአ። ንሱ ነቶም ዝደኸሙን ዝጸዓሩን አብኡ ክመጽኡ ንኡ እንተ ሰዓቡን ምስኡ እንተ ኾኑን ጥራሕ ሰላምን ህድአትን ከምዝረኹቡ ብምዝራቡ አብ እዝኒ ሰምዓቱ ዓቢ ምልክት ሕቶ ከቕርቡ አለዓዒልዎም። ካባይ ተመሃሩ ይብሎም ዝምሃርዎ ትሕትናን ለዋህነትን ሰላምን እዩ። እዚ ካብ ብልህታትን አስተውዓልትን ስለ ዝሓብኦ ንሕፃናት ስለ ዝገለጾ ንሰማያዊ አብኡ የመስግን። እዚ ጽቡቕ ጸሎት ምስ አብኡ ዘልኦ ምቅርራብ ይገልጽ።

ወንጌል ቀጺሉ ኢየሱስ አባና ዘለዎ ፍቕርን ሓልዮትን ዝገልጽ ንረክብ። አቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ አነ ኸአ ከዕርፈኩም እየ። አነ ለዋሕ እየ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ አርዑተይ ፁሩ ካባይ እውን ተመሃሩ ነፍስኹም ከአ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም፥ ከመይ አርዑተይ ልዙብ ፆረይ ከአ ፈኲሽ እዩ (ማቴ 11፡28-30)። ጨካን ወይ ዝያዳ ዝመልኽ አይ ኮነን እንታይድአ ለዋህንን ትሕቱን እዩ። ንሱ ንድኻታትን ዝሳቐዩን ግዳያት ዝኾኑን ብዝያዳ ይግደስ። ምስኦም ብፍሉይ መገዲ ርክብ ይፈጥር ከምቲ ምስ ሰማያዊ አብኡ ዘልኦ ምቅርራብ ገሩ ይቐርቦም። ግን ብስምዒታዊ መገዲ ክንርእዮ የብልናን። ኢየሱስ ብዛዕባ ለዋህነቱን ሕያውነቱን ክዛረብ እንከሎ ምስ አብኡ ዘልኦ ርክብ እዩ ዝዛረብ ዘሎ ምክንያቱ ምስኡ ብትሑት ተአዝዞ እዩ ዝነብር። ኲኖ እዚ ብጸልማት ዝተሸፈነ አበሃህላ ሕማማት አሎ። አብዚ ኢየሱስ ክርስትያናዊ ሕይወት ቀሊል ክኸውን እዩ አይኮነን ዝብለና ዘሎ። እሞ ከመይ እንተ ገበርና ኢና እዚ አበሃህላ ኢየሱስ ክንርድኦ እንኽእል።

ነዚ ኢየሱስ ዝብለና ዘሎ አርዑት ፆር ክንርድኦ ክልተ መገዲ አሎ፡

  • አርዑት ክንብል ከሎና ከቢድን ረዚንን ወላ እውን ክትጾሮ ዘሳቒ ኮይኑ አብ ክሳድ ብዕራይ እትገብሮ ከቢድ ዕንጨይቲ እዩ። እንተኾነ እቲ ከቢድ አርዑት ንማሕረሻ ከምዝስሕቡ ይሕግዞም ሽዑ መሬት ይሕረስ። በዚ ከአ ብሓደ ወገን ከቢድ እዩ ግን ከአ ይሕግዝ። አብዚ መሰረት ገርና ክንርድኦ እንኽእል ኢየሱስ ነቲ ሞራላዊን መንፈሳዊ ጽባቔን አብ መንኩብና ገሩ ክንከይድ ይሓድገና። ጽሩይ ክርስትያን ክትከውን ጻዕሪ የድሊ ኢየሱስ ከአ ነዚ ሓቂ አይሓብኦን። አብ መጀመርያ እዚ ኢየሱስ ዝብሎ ከቢድ እዩ ዝመስል ግን ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ሓደ አብ ሓቀኛ ነጻነትን ሰላምን ክነብር ዝደሊ ክሰምዖ ዘልኦ ብዘይክኡ ካልእ መገዲ የለን።
  • ካልእ ርድኢት አርዑት ጾር ከአ አሎ። ክልተ አብዑር ብሓባር ተሰኪሞም ግሩም ስራሕ (ማሕረስ) ይገብሩ። ንሕና እውን ምስቲ ኢየሱስ አቐዲሙ ዝተሰከሞ አርዑት ማዕሪኡ ምስኡ አብ መንኩብና ተሰኪምና እንተ ተጎዓዝና ጽቡቕ ፍረ ክንፈሪ ንኽእል ኢና። ኢየሱስ ነቲ ከቢድ ሰኸም ምሳና ኮይኑ ክስከም ድላዩ እዩ። አብዚ ዝርአ ሓዲስ ነገር አነን ኢየሱስን ብሓባር አርዑት ንስከምን ንቅድሚት ንደፍእን አሎና። እቲ አርዑተይ ውሰድ ዝብል ዝነበረ ምሳይ ኮንካ ብሓባር አርዑተይ ተሰከም ይብለና። አብ ዝኸድናዮ ምሳና ይኸይድ ምሳና እናተሰከመ ነቲ ክበድ አርዑትና የቕልለልና። እዚ እዩ አርዑት ክርስቶስ ምስካም ማለት፥ ነቲ ኹሉ ሕጊ ዝእዝዞ ብምልኡ ምፍጻም ግን ንበይንኻ ዘይኮነ ምስ ኢየሱስ ኮንካ ምስካሙ። ንክርስቶስ ማዕረና ምሳና ነቲ ዝኸበደ ክፍሊ ክስከመልና ክነፍቅደሉ ይግባእ። ናይ ክርስቶስ አርዑት ቀሊል እዩ ምኽንያቱ አብ ክርስትያናዊ ሓዋርያነት ቀንዲ ሕጊ አይኮነን ብርእሱ ኢየሱስ እቲ ለዋህን ሕያዋይን፥ እቲ ዘፍቅረናን ንአርዑትና አብ መንክቡ ዝስክመልና ስለ ዝኾነ።

አብዚ ክልተ ትርጉም አርዑት ዝገራጮ ነገር የለን። ክልቲኡ አብ ክርስትያናዊ ሕይወት አብ ጸጋ አምላኽ ምትሕብባር ማለት እንታይ ምዃኑ ይገልጹ። ንሕና ኩሉ ጊዜ ክሳብ መጨረሻ ምስ አምላኽ ክንከውን፥ ነቲ አብኡ ዘሎ ራእይ ሕይወት ክንቅበል፥ ንክብርታቱን ሕግታቱን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክንቅበል ዝተጸዋዕና ኢና። እዚ ትሑታትን ከም ሕጻናት ገርህታት ንኹሉ እንቕበል ክንከውን ዝጽውዕ እምበር ብስነ አእምራዊ አፍልጦ ተዋሒጥና እንበጽሖ ነገር አይኮነን። ክሳብ መወዳእታት ንኢየሱስ ምስዓብ ከም ክበድ ክውሰድ የብሉን፥ ከም ምንጪ ቅሳነትን ሰላምን ነጻነትን ሓጎስን ክውሰድ አለዎ። 

መንፈስ አምላኽ አባና ይኃድር።

ቅ. ጳውሎስ ንሎሚ ዝተነበ ካብ ሮሜ 8፡9-13 ዘዘኻኽረና መንፈስ አምላኽ አባና ይኃድር። ቀንዲ ዓወት ክርስቶስ አብ ልዕሊ ሞት ምዕዋቱ እዩ። ምስኡ ዘሎና ጥቡቕ ርክብ እቲ ንኢየሱስ ካብ ሙታት ዘተንሥኦ መንፈስ አባና ኃዲሩ፥ ነቲ መዋቲ ሥጋና ሕያው ይገብሮ። ብመንፈስ ክንሓስብ ከሎና ብናይ ዓለማዊ ነገራት አይንጭነቕን ኢና ምኽንያቱ ሕያው እምነትናን ተስፋናን ምስ መንፈሳዊ ልብና ምስኡ ንጉዓዝ ስለ ዘሎና። መንፈስ ቅዱስ ካብ ንርእስና ጥራሕ ምባል አውጺኡ ምእንቲ አምላኽ ጥራሕ ከም እንነብር ይገብረና። እቶም ንመጸዋዕታ ክርስቶስ ስዓቡኒ ንዝብል ክምልሱ ዝኽአሉ መሰረታዊ ምርጫ ወይ ውሳኔ ምስኡ ክኾኑን ምስኡ ብመንፈስ ዘንብር ክገብሩ ግዱዳት እዮም። እዚ እዩ ኸአ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ንሎሚ ክንግንዘቦ ዘሎና።

ቅ. ጳውሎስ ንነገራት ከብርሃልና ኢሉ መንፈስን ሥጋን እናአወዳደረ ይነግረና፥ እዚ ኸአ አብዚ እንነብሮ ዓለም ክልተ ተወዳደርቲ ነገራት አብ ቅድመና ከምዘለዉና ክገልጸልና ኢሉ እዩ። እቲ ንአይ ይጥዓመኒ አብ ጥቕሚ ርእሱ ጥራሕ ዘተኮረ ሰብ ብትምኒት ዝነብር በዚ ኸአ አብ ኃጢአት ሥጋ ይነብር መጨረሽትኡ ኸአ ሞት አብ ገሃነም እሳት እዩ። ብአንጻሩ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ተመክሮ ህያባት አምላኽ ናይ ሕይወትን ሰላምን ዘስተማቕር እዩ። አብ መንጎ እዞም ክልተ ኩሉ ጊዜ ውድድር አሎ ስለዚ ሎሚ ንመን ምምራጽ ይሕሸኒ ኢልና ክንሓስብ አሎና። ጣዕሚ ዓለም ውሒጥና ንአምላኽን ሕግታቱን ዘንጊዕና አብ ጸገም አልጊስና ከይንህሉ ንጠምት አብ አምላኽ ንመለስ።

ኢየሱስ ሎሚ እውን ናባይ ንዑ ከዕርፈኩም ይብለና አሎ። እንተ ኾነ እዚ ክብለና እንከሎ ሕይወት ብዘይ ክበድን ስክፍታን ክነብር ማለት አይኮነን። ብኻልእ መገዲ ከመይ ኢልና ንዓለም ከምእንስዕራ ይነግረና። መገዱ ቀሊል ካብ ጸገማት እንርሕቀሉ አይኮነን እንታይድአ ሓራ ዘውጽእ መገድን ፍታሕን እዩ ዝመርሓና። ሓደ ካብቲ አብ ጊዜ ኢየሱስ ንብዙሓት ዘጸግም ዝነበረ አብ ሕጊ ዝተመስረተ ሃይማኖት እዩ ነርዎም። ገለ ሃይማኖታውያን አብ ጊዜ ኢየሱስ ጸቢብን ቃል ንቓሉን ንሕግታት ዝትርጉሙ ነሮም ነዚኦም እዩ ተቋዊምዎም። አብ ብዙሓት እምነታት ዝገጥምን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ገለ ዓቐን ዘይብሉ ከምዚ ግበር ከምዚ አይትግበር እናበሉ ንሰባት አብ ጨሪሹ ቍጽጽርን ባርነትን የውርድዎም። ብዙሓት አብ መዓልታዊ ሕይወቶም ነዚ ከቢድ ተጽዕኖ ተሰኪሞም ይጉዓዙ በዚ ኸአ ዝገብርዎ አይፈልጡን ከም ጥፉአት ዝገብርዎን ዝብልዎን አይፈልጡን። ብዙሓት አብቲ መዓልታዊ ዝገጥሞም ዝገብርዎ ስለ ዝጠፍኦም አብ ጭንቀትን መአዝኑ ዘጥፍአ ሕይወት ይነብሩ።

ነዚ ኹሉ መልሲ ዝኸውን ኢየሱስ ናባይ ንዑ አነ ከዕርፈኩም እየ ይብለና። ዘረባ ብስም አብዛሕና ዝተፈላለየ ስብከትን መዝሙርን ብስም ዘመርና አይ ኮነን ንሓቂ ክርስቶስ እንሕዛ። አብኡ እንተ ተመለስና ክንሰምዖ እንተ ኸአልና ሽዑ ሰላምና ክምለሰና አብ ህድአትን ቅሳነትን ክንምለስ ኢና። ስለዚ ጸገምና ስቓይና ስክፍታናን መደባትናን ትጽብታትናን ንኢየሱስ ክንዛረብ አሎና። ንሱ ንሓላፍነትና ከልግሰልና አይተመባጽዓናን እንታይድአ ከቃልለልና ሽዑ ክንስከሞ ከም እንኽእል ይገብረና እሞ አብ አእምሮና ሰላም ከም እንረክብ ይገብረና። በዚ ምኽንያት እምብአር ዝኾነ ሰብ ካብ ዝኾነ ሓላፍነቱ ወይ ግብኡ ነጻ ክኸውን ክጽበ የብሉን።፥ ብአንጻሩ መጋበርን ኩሉ ዕድላትንን ክንረኽቦ ክውሃበና እዩ።

አብ መወዳእታ ካብ ኢየሱስ ጎይታና ንጹር መልእኽቲ እሞ ንሱ ጥራሕ ክህበና ዝኽእል አብኡ ክንመጽእ እሞ ምስኡ ክነዕርፍ እዩ። ነፍስወከፍና ምስኡ ግላዊ ርክብ ክንገብር መጸዋዕታ ይቐርበና አሎ። ካብቲ ብውልቅና አብ ሕጊ መሰረት ገርና እንገብሮ ዘይጭቡጥ ርክብ አብ ጭቡጥ ርክብ ናይ ፍቕርን ምሉእ ሓጎስ ዝፈጥር ከም እንአቱ ይገብረና። አብ ኢየሱስ ክንቀርብ እንከሎና ካብ ዝኾነ ተጽዕኖን ብምሉእ ነጻ ንኸውን። ነርዑትና አብ መንኩብና ገርና ክንስዕቦ ይጽውዓና። ዝኾነ ጸራብ ዕንጨይቲ እቲ አርዑት ጽቡቅ እንተ ዘይተጸርበ ንብዕራይ ክስከሞ እንከሎ ቍስሊ ከም ዝገብረሉ ከም ዘሳቕዮ ይፈልጥ እዩ። ኢየሱስ ዝህቦ አርዑት ግን አይከብድን አየቝስልን ዝኾነ ምልክት ስቓይ አይሓድገልናን እዩ። ንሱ ናይ ፍቕሪ ተጽዕኖ ዝኾነ ዘሳቒ ዘይብሉ እዩ።

አብ ሕይወትና እንስከሞ ዝተፈላለየ ነገራት አሎና ሰባት ክርእይዎ ከለዉ ከምእንጽገም ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም እንተ ኾነ እቲ ክበድ ናይ ጸገምና ንሕና ኢና እንፈልጦ አብ ገለ እዋን ንዘሎና ክበድ ጸገም መንፈስ አምላኽ ሒዝና ክንጾሮ ከሎና ንብዙሓት አብነት ይኸውን። ሰብ ሎሚ ክጸውር ክዕገስ ዝደሊ የለን ንዝጓነፎ አርዑት ከንብር እሞ ክቅይር እዩ ዝደሊ እንተ ኾነ ዝኸበደን ዝመረረን እዩ ዝጓነፎ።

እምነት ገርና ንዝተዋህበና ክበድ አርዑት ምስ ኢየሱስ ክንጾሩ ንፈትን ሽዑ እቲ ከቢድ አርዑት ክንጾሮ ክንክእል ኢና፥ ሽዑ ሰላምን ነጻነትን ክስምዓና እዩ። ክበድ ዘይብሉ ሕይወት ክንጽበ የብልናን ንጸገማት ምስ ኢየሱስን አብኡ አምጺእና ክንክእል አሎና፥ አብኡ ዕረፍትን ሰላምን ክንረክብ ኢና።

ኦ ኢየሱስ ጎይታይ አርዑተይ ጸይረ ክስዕበካ ሓግዘኒ ንበሎ።

ብሩኽ ክራማት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

03 July 2021, 22:52