ድለ

ኣብ ቻይና ስሜት ተራዳኢ ጳጳስ ንናይ ሰበኻ ፒንግሊያንግ ኣብ ቻይና ስሜት ተራዳኢ ጳጳስ ንናይ ሰበኻ ፒንግሊያንግ 

ኣብ ቻይና ስሜት ተራዳኢ ጳጳስ ንናይ ሰበኻ ፒንግሊያንግ

ኣባ ኣንቶንዮ ል ህዊ ዕለት 11 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጳጳስ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ጳጳስ ከምዝሰመይዎም ኣዘኻኪሩ ስነ ስርዓት ማዕርገ ጵጵስናኦም ዕለት 28 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምእተፈጸመ

ኣብ ቻይና ኣቡናት ናይ ንምሻም መስርሕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይናን ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምሞ መሰረት ንናይ ሰበኻ ፒንግሊያንግ ተራዳኢ ጳጳስ ከምእተሰምዩን እዞም ተራዳኢ ጳጳስ ድሕሪ እቲ ዝተጽሔ ዝተሰምዩ ሓምሻይ ጳጳስ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ረፓብሊክ ቻይናን ኣቡና ንምሻም እተገብረ ግዚያዊ ስምምዕ ካብ እተፈረለሙ ግዜ ኣትሒዙ ዝተሾሙ ሓምሻይ ጳጳስ፥ ዕለት 28 ሓምለ ማዕርገ ጵጵስና ከምእተቐበሉን እዞም ሓድሽ ናይ ሰአብኻ ፒንግሊያንግ ተራድኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶንዮ ል ህዊ ኣብ ዞባ ጋንሱ ዚነብሩ ከምዝኾኑን ማዕርገ ጵጵስና ንምሃብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ኣብ ዞባ ዩናን ናይ ሰበኻ ኩንሚንግ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጁዘፐ ማ ዪሊን ከምዝኾኑ  ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

እቶም ሓሽ ኣቡን ኣብ 1972 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ሻንክሲ ክፍለ ከተማ መኢ ዝትወልዱን ኣብ 1990 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሰበኻ ፒንግሊያንግ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝኣተዉን ኣብ ናይ ቻይና ሃገራዊ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ትምህርቶም ኣጠናቒቖምን ኣብ 1996 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉ ዜና ቫቲካን ኣብ ቻይና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቑሱ የመላኽት።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ኣባ ኣንቶንዮ ል ህዊ ዕለት 11 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጳጳስ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ጳጳስ ከምዝሰመይዎም ኣዘኻኪሩ ስነ ስርዓት ማዕርገ ጵጵስናኦም ዕለት 28 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምእተፈጸመ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

31 July 2021, 08:42