ድለ

ማእከላይ ምብራቕ፥ ነጋዲ ምርኢት ኣብ ቦታታት ኢየሱስ ማእከላይ ምብራቕ፥ ነጋዲ ምርኢት ኣብ ቦታታት ኢየሱስ 

ማእከላይ ምብራቕ፥ ነጋዲ ምርኢት ኣብ ቦታታት ኢየሱስ

እቲ ምርኢት ካብ እተፈላለየ መምርሒታትን ምንጭታትን መዛግብትን ካብ ምንባብ እዩ ዝነቐለ። እቲ ንምርኢት ዝቐርቡ ኣሳእል ኣብቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ቅዱስ ንብረትን ዓቃቢ ቤተ መዝገብ ካብ ዝርከቡ ዝተኣኻኸበ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽቡ መዛግብቲ ቅድስቲ መሬት ዝተሓርዩን ከምኡ እውን ካብቲ ካብ ኢየሩሳሌምን ሶሪያን ሊባኖስን ካብ ናይ ብሕታዊ ወይ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ መዛግብቲ ካብ ዝርከቡ ኣሳእል ዝተሓርዩ ምዃኖም

ሶሪያን ልባኖስን ዒራቕን “እተን ኢየሱስ ዘፍቅረን ሃገራት፥” ካብ መዛግብቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ብእተረኽበ ኣሳእል ኣቢልካ ንምልላይ ዝብል መደብ ነጋዲ ምርኢት ኣብ ቦታታት ኢየሱስ። እናይቲ ምርኢት ኣሰናዳኢ ሓው ኑር ታማስ ከምዝገለጽዎ እቲ ምርኢት ንድሌት እቶም ንምድሪ ክርስቶስ ኪበጽሑ ዚምነዩ ግናኸ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ክበጽሑ ዘይክእሉ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚነብሩ ማሕበረ ክርስቲያን ዝህቦ ምላሽ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ቅዱሳት ቦታታት ሓበሬታ ንምርካብ ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ናይ ምንዳይ ኣጋጥሚ የብሎምን ስለዚ ዕማምና ናብቲ ዝነብሩሉ ቦታ ቅዱስቲ መሬት ንምብጻሕ እዩ። ነዚ ኸኣ ብምርኢት ኣሳእል ገርና ክንፍጽሞ መረጽና ብዝብላ ቃላት ኣቢሎም፡ ነቲ ብኢየሱስ ዝተፈቕረት መሬት ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ምርኢት ዝሓለኑ ሓው ኑር ታማስ “ነጋዲ ናይ ስእሊ ምርኢት ኣብ ናይ ኢየሱስ ቦታታት” ብዝብል ካብ ዕለት 22 ሓምለ ኣብ ሶሪያ ርእሲ ከተማ ዶማስቆ ናይ ዝተበገሰ ምርኢት ትርጒሙን መደባቱን የብርሁ።

ድሕሪ ኣብ ሶሪያ፡ እቲ ምርኢት ኣብ ሊባኖስን ዒራቕን ክቐርብ እዩ። ዝቐረበሉ ስፍራ ከኣ ኣብተን ንፍራንቸስካውያን ኣሓው ሓዋርያዊ ጒስና ኣብ ዝተወሃባ ቁምስናታት ከምዝኸውንን ኣብ ዒራቕ ግን ኣብ ናይ ሰበኻ ቁምስናታት እዩ ዝቐርብ። ከምቲ ናይቲ ምርኢት ዓውደ ኣዋርሕ እውን ኣብ ሶሪያ ክሳዕ ዕለት 29 ሓምለ ኣብ ዶማስቆ ኣብ ገዳመ ፍራንቸስካውያን ኣሓው ቁምስና ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ዕለት 2 ነሓሰ ክሳዕ ዕለት 10 መስከረም ኣብ ላታኪያ ኣብ ቁምስና ፍራንቸስካውያን ኣሓው ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ፡ ዕለት 14 መስከረም ኣብ ኣለፖ ኣብ ቁስምስና ፍራንቸስካውያን ኣሓው ቅዱስ ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ሊባኖስ ዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሓሪሳ ኣብ ቁምስና ቅዱስ ጳውሎስ ዘፓዶቫ ክቐርብ ከምዝኾነን ኣብ ትሪፖሊ መዓዝ ንምርኢት ከምዝቐርብ ገና ከምዘይተወሰነ ዜና ቫቲካን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

መበቈል እቲ ምርኢት

እቲ ምርኢት ካብ እተፈላለየ መምርሒታትን ምንጭታትን መዛግብትን ካብ ምንባብ እዩ ዝነቐለ። እቲ ንምርኢት ዝቐርቡ ኣሳእል ኣብቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ቅዱስ ንብረትን ዓቃቢ ቤተ መዝገብ ካብ ዝርከቡ ዝተኣኻኸበ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽቡ መዛግብቲ ቅድስቲ መሬት ዝተሓርዩን ከምኡ እውን ካብቲ ካብ ኢየሩሳሌምን ሶሪያን ሊባኖስን ካብ ናይ ብሕታዊ ወይ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ መዛግብቲ ካብ ዝርከቡ ኣሳእል ዝተሓርዩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ታሪኽን ብስራትን

እቲ ኣብ ታሪኽ እምነት ክርስትና ዓቢይ ትርጒም ዘለዎ ቅዱሳት ቦታታት ንምርኢት ንምርቕራብ ናይ ቅድስቲ መሬት ቤተ መዘክርን ማሕበር ምእንቲ ቅዱስቲ መሬትን ድጋፍን ተገዳስነትን ዓቢይ ግደ ዘለዎን ኣተሓሒዙ እውን ታሪኽ ፍራንቸስካውያን ዝትንክፍን ንኣስፍሆተ ወንጌል መጋበርያ እውን ምዃኑ ሓው ኑር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ብዘይካ እዚ ንዕዮ እቶም ኣብ ሶሪያን ሊባኖስን ዮርዳኖስን ዝነብሩ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናንን ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገለጽ እውን እዩ። ምኽንያት ጸዋዕታ እውን ክኸውን ይኽእል ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ.

ሕይወት ክርስቶስን ኣገልግሎት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ኣካልን

እቲ ምርኢት ምስ ታሪኽ ኢየሱስ ዝተተሓሓዘን ካብ ናብ መላእ ታሪኽ ኢየሱስ ዘዘንተውን ካብ ውልደቱ ክሳዕ ዕርገቱን ከምኡ እውን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ኣካል ኣገልግሎት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ዘቕርብ እውን እዩ። ታሪኽ ፍራንቸስካውያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነግር እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 July 2021, 18:24