ድለ

ህንዲ ኣብ ዝኽሪ እቶም ንዝተናዕቑን ዝተሓረጉን ፍትሒ ዝበሉ ኣባ ስዋምይ ህንዲ ኣብ ዝኽሪ እቶም ንዝተናዕቑን ዝተሓረጉን ፍትሒ ዝበሉ ኣባ ስዋምይ 

ህንዲ ኣብ ዝኽሪ እቶም ንዝተናዕቑን ዝተሓረጉን ፍትሒ ዝበሉ ኣባ ስዋምይ

ኣባ ስዋሚ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ብምዃን “ስነ ምግባራዊ ትእዛዝ” የውርሱና` ነዚ ዝበሉ ኣብ ህንዲ ናይ ኢየሱሳውን ማሕበር ሓለቓ ኣባ ስታኒስላውስ ድ’ሱዛ ንካቶሊካውያንን ንዅሎም ኣብ ህንዲ ዝክረቡ ዜጋታት ክቡር ውርሻ ኣባ ስዋሚ ክእክቡን ከኽብሩን ክነብርዎን ጻውዒት ዘቕረቡሉ መልእኽቲ

ነቶም መሰሎም ዝገሃስ ዝተፈላለዩ ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ዓሌታት መሰሎም ክኽበር ስሌኦም ፍትሒ ዝሓትቱ ዝሕለቑን ዝነበሩ በዚ ተግባር እዚ ከኣ ግብረ ሽበራ ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓለፈ ዕለት 5 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ስታን ስዋሚ ንምዝካር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ ሃገራዊ መዓልቲ ፍትሒ ከምዘብዓለት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ስታን ስዋሚ ዝዝከሩላ ሃገራዊ መዓልቲ ፍትሒ። ነዚ ንምድንፋዕ ዕለት 28 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ህንዲ ቤተ ልኡካነ ወንጌል ኢየሱሳውያን መላእ ካቶሊካውያን ህንዲ ነቶም ኣብ ጅርክሃንድ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ ስነ ምግራዊ ስርዓታትን ዚግደሱ ብዘይ ኣፈላላይ ፍትሕን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ኵለን ዓሌታት ክኽበር ናይቶ ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ብምዃን ብዘካይድዎ ዝነበረ ምንቅስቓስ ምኽንያት ብግብረ ሽበራ ተኸሲሶም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ማእሰርቲ ዕለት 5 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቤት ማሕቡስቲ እንከለዉ ብኾሮና ተህዋስ ተለኺፎም ዝዓረፉ ንምዝካር ኣብ ሓያሎ ዞባታት ህንዲ ናይ ዝኽሪ ተበግሶታት ከምእተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣባ ስዋምይ ዝቐርበሎም ዝነበረ ክስታት

ዝሓፈ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብውድብ ተቖጻጻሪ ግብረ ሽበራ ህንዲ ኣባ ስዋሚ ዝርከብዎም ካልኦት 15 ምእንቲ ንዝተፈላለየ ጭቆናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝቃልዑ ዓሌታት ፍትሕን ማዕርነትን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ምስ ዝጣበቑ ግብረ ሽበራ ብዝብል ክሲ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከምእተዳጐኑን፥ ብግብረ ሽበራን ምስ ዓለወይናታት ማኦኢስት እተተሓሕዘ ሕልኽላኻትን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ካብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቢማ - ኮሬጋን ግዝኣት ማሃራሽትራ እተላዕለ ናዕቢ ተሳቲፍኩም ዝብል ክሲ ከምዝቐረቦምን ኣባ ስዋሚ እቲ ዝቐረበሎም ዝነበረ ክሲ እውን ወትሩ መሰረት ዘይብሉ እንክብሉ ይነጽግዎ ከምዝነበሩን ምስ ተኣሰሩ እውን ኣብ ህንዲ ኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እትርከብ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናጻ ክልቀቝ ብፍላይ ናይ ጥዕና ጸገም እውን ስለ ዝነበሮም ናጻ ንኽወጹ ዘቕረበቶ ጻውዒትን ልመናን እወታዊ መልሲ ከምዘይተውሃቦ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምስሊ ፍትሒ ነቶም ዝተሓረጉ

ኣባ ስዋሚ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ብምዃን “ስነ ምግባራዊ ትእዛዝ” የውርሱና` ነዚ ዝበሉ ኣብ ህንዲ ናይ ኢየሱሳውን ማሕበር ሓለቓ ኣባ ስታኒስላውስ ድ’ሱዛ ንካቶሊካውያንን ንዅሎም ኣብ ህንዲ ዝክረቡ ዜጋታት ክቡር ውርሻ ኣባ ስዋሚ ክእክቡን ከኽብሩን ክነብርዎን ጻውዒት ዘቕረቡሉ መልእኽቲ፥ ብምኽንያት መዓልቲ ዝኽሪ ኣባ ስዋሚ ከምዘመሓላለፉን - ምስቶም ዝተሓረጉ ሓቢሮም ክጓዓዙን ምእንታኦም ክሕለቝን ቈሪጾምን ምእንቲ እቶም ሰብኣዊ መሰሎምን ክብረቶምን ዝገሃሶም ጠበቓ ብምዃን ኣብ ተልእኾ ዕርቅን ፍትሕን ዝተወፈዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በቲ ዘጋጠሞም ሞት ምስ ናይ ኣዲቫሲን ምስ ኵሎም እቶም ምእንቲ ደሞክራስን ማሕበራዊ ኣካሊት ኵሉ ሃገርና ዝዀኑ ባህልታትን ዓሌታትን ክብርን ማዕርነትን ከይተሓለሉ ዝተጣበቑን ምእንቲ ዕርቅን ፍትሕን ዝሓለፉ ሰማእታት ይሓብሩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ውርሻ ኣባ ስዋምይ ምዕቃብን ምንባርን

“እቲ ሓዲጐምልና ዝሓለፉ ውርሻ - ይብሉ ኣባ ድ’ሱዛ ኣብ መልእኽቶም - ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሃገርና እንርእዮ ኢማዕርነትን ዓመጻን ጭካኔን ኣድልዎን ሕራጐትን ርእዮም ከምዘይረኣዩ ኰይንና ንኸይንነብር ዘተሓስበናን ከምኡ እውን ከምቲ ባዕሎም ዝበለዎ ‘ኣብ ጋቢያ እትሕዛ ዑፍ ክትዝምር ትኽእል እያ’፡ ንሕና እውን ከምታ ዑፍ ጸባባ እናሀለወ ክነሱ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ቅዋም ሃገርን  - ፍትሕን ናጽነት ማዕርነት ከምኡ እውን ሕውነትን ክንዝምር ንኽእል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንህንዲ ዝኸውን ኣሰር

ኣባ ድ’ሱዛ ኣስዒቦም “ሞት መደምደምታ ወይ ከኣ ፍጻሜ ኣይኮነን፡ የግዳስ ሞት ኣባ ስዋሚ ኣብ ቅዋም ህንዲ እምነት ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ንዝግበር ሓድሽ ህሞት ዘነቓቕሕ እዩ።” ኣባ ስዋሚ ነቶም ኣብ ጉዳይ ናዕቢ ቢማ ኮረንጋኦን ኢድ ኣለኵም ተባሂሎም ዝተኸሱን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡን ፍትሒ ዝሓተቱን ኣብ ህንዲ ተቓውሞ ዚዓብጥ ሕግታት ክስረዝ ሕቶ ዘቕረቡ ዕርቅን ሰላም ፍትሕን ዝበሉ እዮም እንክብሉ ዘኪሮም፡ መልእኽቶም ኣብ ህንዲ ናይ ዝወሃብ ናይ ሰላም ኖበል ተሽልማት ተሰላሚ ዝኾኑ ህቡብ ህንዳዊ ገጣማይ፥ “ኦ ኣቦ ሃገረይ ኣብቲ ናይ ሓርነት ሰማይ ክትነፍር ግበር” ዝበልወን ቃላት ጠቒሶም ከምዝዛዘሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 15 ሓምለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ ኣብ ዝከታተል ሽማግለ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጠበቓ ሜሪ ላውሎር፥ “ሞት ኣባ ስዋሚ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኻት ብዙሕ ቆሕታ ዝተገበረሉ ከምዝኾነን፥ ”ኣብ ህንዲ ንዘለዓለም ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣሰር እዩ” እንክብላ ከምዝገለጸኦም የዘኻኽር።

31 July 2021, 15:49