ድለ

ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ፥ እተሓደሰ ድምርን ጽኑዕን ክውንነት

“ንልዕሊ 18 ወርሒ ናይ ልልያን ምስትውዓልን ጉዕዞ ከምዝገበረ ኣፍሊጦም ኣስዒቦም፥ “ብዛዕባ እታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ እትሓቶ ስነ ማሓድሮኣዊ ለውጢ ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ንዕዮና ዘለዓዕሎ ብትኽክል ዝገልጾ ስም ንምንዳይ

ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ከባቢ ኣየር ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዛዕባ ከባቢ ኣየርን ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮን ብዝብል ብሓጺሩ ምንቅስቓስ ይሴባሕ ብዝብል መጸውዕ ክፍለጥ ከምዝወሰነን እዚ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ እዚ ነታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Laudato sì - ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ዘድሊ ኪደት ዘመላኸቱላ ዓዋዲት መልእኽቲ ንእተቕርቦ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዙ ተግባር ዘነቓቕሕ እዩ። ናይቲ ምንስቅስቓስ ናይ ፈጻሚ ኣካል ሓላፊ ኣርጀንቲናዊ ቶማስ ኢንሷ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. እተመስረተ ካቶሊካዊ ምንስቓስ ክውንነት ናብ ዓሚቝ ስነ ማሓድሮኣዊ ለውጢ ኪመርሖ ብዛዕባ ዚደሊ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ሓቢሮም፡ ር.ሊ.ጳ. እቲ ምንስቓስ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ዘበርክቶ ዓቢይ ሓገዝ ምኽንያት እውን ነቲ ምንስቓስ ከምዘመስገኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማሕበረሰብ ካቶሊክ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻንን ከምኡ እውን ከባቢ ኣየርን ማሓድሮኣዊ ፍትሕን ንምትብብዓን ኣብዚ መዳይ ንምውዳብን ዘነቓቕሕ ምንቅስቓስ ከምዝኾነን እዚ እውን ዕላማ ናይቲ ካብ ዕለት ዕለት 29 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣትሒዙ ስሙ ናብ ምንስቓስ ይሴባሕ ዝቐየረ ክቶሊካዊ ምንቕስቓስ ሓልዮ ከባቢ ኣየር ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ፥ እተሓደሰ ድምርን ጽኑዕን ክውንነት
ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ፥ እተሓደሰ ድምርን ጽኑዕን ክውንነት

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዝተፈላለያ 17 ካቶሊካውያን ውድባትን 12 ናይ ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበብ ወከልትን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ነታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና እተመርሕ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሉ ዝሕግዝ ከምዝኾነን ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 800 ማሕበራት ዝጥርንፍ ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ንልዕሊ 18 ወርሒ ናይ ልልያን ምስትውዓልን ጉዕዞ ከምዝገበረ ኣፍሊጦም ኣስዒቦም፥ “ብዛዕባ እታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእክቲ እትሓቶ ስነ ማሓድሮኣዊ ለውጢ ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ንዕዮና ዘለዓዕሎ ብትኽክል ዝገልጾ ስም ንምንዳይ ካብ ዘቕረብናዮ 25 ዝተፈላለዩ መጸውዕ ኣስማት “ምንቅስቓስ ይሴባሕ” ዝብል መጸውዕ መሪጽናን ካብ ዕለት 29 ሓምለ እውን እዚ መጸውዕ እዚ ወግዓዊ እዩ” ኢሎም።

ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ፥ እተሓደሰ ድምርን ጽኑዕን ክውንነት
ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ፥ እተሓደሰ ድምርን ጽኑዕን ክውንነት

ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እቲ ምንቅስቓስ ንቕድሚት ክብል ቀጻሊ ካብ ኣስተምህሮታትን ምዕዳናትን ጽሑፋትን ዓዋድያም መልእኽትታትን ኣብ መዳይ ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮ ንዘቕርቦ ኣገልግሎት ድርኾት ስልጣናዊ ትምህርታት ከምዝረክብን እቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝብል መጸውዕ ስሙ ክቕይር ድላይ ከምዘለዎ ንቕዱስነቶም ሓቢሩን መልሶም ድማ ዕለት 22 ግንቦት ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከብዝበጽሖም ሓቢሮም እዚ ድማ ኣዚዩ ሓያል ምልክት እዩ ነይሩ፡ እዚ ኸ ሲኖዶሳዊ መስርሕ ዝሕብር እዩ። ስለዚህ ምንቅስቓስ ይሴባሕ ዝብል ስም ክንሓርይ ኣስተንፎ ኰይኑና እዩ ኢሎም።

ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ፥ እተሓደሰ ድምርን ጽኑዕን ክውንነት
ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ፥ እተሓደሰ ድምርን ጽኑዕን ክውንነት

Photogallery

ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ፥ እተሓደሰ ድምርን ጽኑዕን ክውንነት
31 July 2021, 08:59