ድለ

189 ሕጻናት ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባንን ሜሮንን ኣብ ሃገረ ስደት ተቀቢሎም!

ዓርቢ 2 ሓምለ 2021 ዓም 189 ሕጻናት ሚሥጢረ ቅዱስ ቊርባንን ሜሮንን ኣብ ቊምስና ቅዱሳን ጴጥሮስ ጳውሎስ ምስ ተቀበሉ ኣብ ሶሙኑ ከኣ ብዕለት 9 ሓምለ 2021 ዓም ወለድን ካህናትን ኣብ ዝተረኽብዎ ዓቢ ሓጎስ ዝመልኦ በዓል ከምዝገበሩ ምስ ሕዝቦም ተሰዲዶም ንሕዝቦም ዘገልግሉ ዘለው ኣባ ክፍለኢየሱስ ገሊጾም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኩሉ ዓለም ብሓደ መንፈስ ስለእትንቀሳቀስ ነቲ ምሥጢራት ነቶም ሕጻናት ዝዓደሉ ሊቀ ጳጳስ ሰበኻ ካርቱም ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ሚካኤል ዲዲ ምዃኖም እንክምልከት ኣብቲ ቦታ ከም ድላዮም ከብዕሉ ብዘይምኽኣሎም ኣብታ ከማዕብልዋ ለይትን ቀትርን ዝቃለሱላ ዘለው ናትና ዝብልዋ ጅረፍ እትርከብ መንፈሳዊ ምምሕዳሮምን ትምህርተ ክርስቶስን ዝተፈላለየ ሓገዛትን ዘበርክቱላ ወለድን ሕጻናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብኣጋጣሚ ከኣ ኣብ ሃገረ ጀርመን ንዝርከቡ ደቂ ሃገርና ዘገልግሉ ኣባ ዳዊት ዘርአማርያም ንክበጽሕዎም ኣብ መንጎኦም ተረኺቦም ነበሩ።

ኣብቲ ዝዓረገ ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣባ ክፍለኢየሱስ መጽሓፈ ምሳሌ 22.6 'ቆልዓ ነታ ዝኸደላ መንግዲ ኣርእዮ ምስ ኣረገውን ኣይርስዓንዩ' ንዝበሎ ጠቂሶም ንሕጻናት ካብ ንእስነቶም ጀሚርካ ምዂስኳስ ንመጻኢ ወፍሪ ምግባር ምዃኑ ብምምልካት ካብ ንእስነቶም ንዝሓዝዎ ከምዘይርስዕዎ ኣገንዚቦም።

ኣብ ፍጻሜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከኣ ነቶም ክበጽሕዎም ዝመጹ ኣባ ዳዊት ስለእቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ኩሉ ጸቢቡ እንከሎ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምርዳእ ኣብ ዝተገብረ ወፍሪ ግብረሠናይ ቀንዲ ቀላስን ተዋሳእን ብምንባሮም ሳላ ከምኡ ዝገበሩ ከኣ ብዙሕ ሓገዝ ከምዝተረኽበ ብምግላጽ ምስጋናኦም ብምግላጽ ሕጂ'ውን እንተኾነ ጥራሕ ኢዶም ከምዘይመጹ ንቤት ጸሎት ጅረፍ ዘገልግል ጽዋእን ጻሕልን ህብስቲ ካህናትን ሒዞም ብምምጻኦም ምስጋናኦም ኣቅረቡ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብኣካል ምስቶም ብማዕዶ ዝተሓጋገዝዎም ዝነበሩ ንምቅናይ ንዝረኸብዋ ዕድል ዕረፍቲ ክረምቲ ብምጥቃሞም ኣመስጊኖም ጻማኦም ካብ ኣምላኽ ክኸውን ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾምሎም።

ኣባ ዳዊት እውን ብወገኖም ንምእመናን ምውቅ ሰላምታኦም ድሕሪ ምቅራብ ኣብ ሕይወት እምነቶም ከይደኽሙን ብዘይ ኣፍልጦ ናብ ካልእ እምነታት ከይዝንብሉን ሓደራ ኢሎም። ምሳኦም ንምቅናይን ንምብጻ

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኩሉ ሓገስ ምኽንያት ዝኾኑ ሕጻናት ባዕሎም ናብ ምእመናን ብምዛርን መባእ ብምእካብን ነቲ ብዓቢ ውሕልነትን ዓቅልን ትምህርተ ክርስቶስ ዝመሃሮም መምህር ተስፉ ብኢድ ኣባ ዳዊት ኣቅሪቦም። 

ድሕሪ ቅዳሴ ሕጻናትን ወለድን ኣብ ኣደራሽ ተቐመጡም እሞ መግደፍ ቀሪቡ ብካራመላን ብሽኮትን ልስሉስ መስተን ተዓደለ። እዚ እናኾነ ሕጻናት መዛሙርን ዝተፈላለየ ግጥምን ኣቅረቡ። 

ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣካዪዶምስ ንተዓወቲ ኣብ ክፍለኢየሱስ ዝተፈላለየ ብልጫ ዓደሉ። እቲ ዝበለሰ ብልጭእ ዝነበረ ቀዳማይ ንዝወጸ ናይ ሓደ ዓመት ክራይ ትምህርቲ ንካልኣይ ፍርቂ ንሳልሳይ ድማ ርብዒ ሸለሙ።

ክፋልይ ናይቲ ኣብ ጅረፍ ዝተኻየደ በዓል ! ሕጻናት ምስ ኣባ ክፍለኢየሱስ!
ክፋልይ ናይቲ ኣብ ጅረፍ ዝተኻየደ በዓል ! ሕጻናት ምስ ኣባ ክፍለኢየሱስ!

ኣብ ምዝዛም እቲ በዓል ወከልቲ ወለዲ ጸብጻብ ናብ ሕዝቢ ምስ ኣቅረቡ ኣደታት ነቲ ሕጻናት ንምትብባዕ መምሮም ዝገብርዎ ብምርኣይ ንሰን እውን ብወገነን ኣዋጺአን ብርክት ዝበለ ገንዝብ ምስ ለገሳ ብሕጻናት ብዝቀረበ ወረብ ፍጻሜ ኮነ።  

ይሴባሕ እግዚአብሔር በሕጻናት! 

ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ሥላሴ

10 Jul 2021, 20:54