ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል 

ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል

ጠላዕን ምጥላዕን ብዝለዓለ ደረጃ ተኣፋፍያንን ድኻታትን ዘጥቅዕ ከምዝኾነን በቋራጺ ሃብቲ ገንዘብ ምርካብ ትኽእል ብዝብል ናይ መወዓውዒ ፍጻሜታት እናተደረኸ ናይ ጠላዕን ምጥላዕን ውሉፍ ዝኸውን ብዝሒ ዜጋታት ክብ ይብል ከምዘሎን

ነቲ ኣብ ኣሲዚ ዝካየድ ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ዓውደ ጉባኤ ዘማዕደወ ዕለት 10 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እናሰፈሔን ብዙሓት ንኸቢድ ጸገም ዝድርኽ ዘሎ ወልፊ ምጥላዕ ንምብዳህ ዝኣመተ ኵለን ኣባይቲ መሸጣ ቡን - መስተን ክህልወን ዝፈቕደኦ ናይ መጣልዒ መሳርዕ ኣይፋል ክብላ ዝጸውዕ መንእሰያትን ኵሎም ሰብ ትካላት ኣባይቲ መስተን ኣብዚ ውሳኔ እዚ ንኽሓብሩ ዘተባብዕ መደብ ጐስጓስ ከምእተኻየደ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ፒየሞንተ ክሳዕ ሲቺሊያ ብማርከ ኣቢሉ ኣርባዕተ ከተማትት ዘተቓልል ብኡምብሪያ ኣቢሉ ብጠቕላላ 17 ዞባታት ዘሳተፈ ናይ ምጥላዕ ወልፊ ንምውጋእ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ክበሃል ዝዕድም ዝተፈላለያ ኣብ ምውጋእ ወልፊ ጠላዕን ምጥላዕን መዳይ ዘገልግላን በዚ ወልፊ እዚ ዝተጠቕዑ ካብቲ ዝወደቕሉ ከቢድ ሓደጋ ንምልቓቕ ዘገልግላን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ማሕበራት ዘሳተፈ ነቲ ኣብ ኣሲዚ ዝካየድ ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ዓውደ ጉባኤ ዘማዕደወ ሰብ ትካላትን ናይ ቍጠባ ሊቃውነቲ መንእሰያትን ዘሳተፈ ዓውደ ጐስጓስ ከምእተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል
ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል

ጠላዕን ምጥላዕን ብዝለዓለ ደረጃ ተኣፋፍያንን ድኻታትን ዘጥቅዕ ከምዝኾነን በቋራጺ ሃብቲ ገንዘብ ምርካብ ትኽእል ብዝብል ናይ መወዓውዒ ፍጻሜታት እናተደረኸ ናይ ጠላዕን ምጥላዕን ውሉፍ ዝኸውን ብዝሒ ዜጋታት ክብ ይብል ከምዘሎን እዚ እውን ዜጋታት ብሓባር ክዋግእዎ ዝግብኦም ማሕበራዊ ሕይወትን ኣባይቲ ስድራ ዝበታትንን ብዙሓት ናብ ከቢድ ሰብኣዊ ጸገም ዘእትው መንሽሮ እዩ። ጠላዕን ምጥላዕን ጸረ ናይ ሓባር ረብሓ ብምዃኑ ኣብዚ መዳይ ኵሉ ዜጋን ሰብ ትካላትን ክሓብሩ ጻውዒት ዘቕርብ ጐስጓስ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል
ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣጋጥሚ ዘሎ ለብዒ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፥ በይንኻ ምድሓን ከምዘይከኣል ኣረጋጊጹልና እዩ፡ ምእንቲ እዚ ብሓባር ንምድሓን ሰብኣዊ ፍጥረት ካብቲ ውሉፍ ዝገብር ጠላዕን ምጥላዕን ናጻ ምልቓቕ ንዅላትና ድሕነት እዩ፥ እዚ ንሓደጋ ዘቃልዕ ከም መዘናግዒ እናተባህሉ ዝወዓዋዕ ምጽዋት ጠላዕን ምጥላዕን ዝምልከት ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን መምርሕታቱ ክቕየር ከምዘለዎን ካብቲ ህልውን መጻእን ዚፈጥር ቦታ ምርሓቕ ዝከኣል ኣይኮነን ወይ ኣብቲ ጉዳይ ምህላው እዩ ወይ ከኣ ታሪክ ብልዕለኻ እዩ ዝሓልፍ ስለዚ ብሓባር ብሩህ መጻኢ ኣብ ምሃንጽ ምሕባር ከምዘድሊ እቲ ዝተኻየደ ጐስጓስ ከምዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል
ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ጠላዕን ምጥላዕን ኣይፋል ምባል
12 July 2021, 18:21