መንእሰያት ንናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ኣብ ምስትንታን ዛዕባ ጸዓትን ሕርሻን መንእሰያት ንናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ኣብ ምስትንታን ዛዕባ ጸዓትን ሕርሻን 

መንእሰያት ንናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ኣብ ምስትንታን ዛዕባ ጸዓትን ሕርሻን

ሳላ እቲ ማሕበር ናይ ፍራንቸኮ ቍጠባን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብን ንሓይልታት መንእሰያት ናይዘን ክልተ ማሕበራት ንምጥርናፍ ብዝብል ዕላማ ዝገብርዎ ናይ ሓባር ዕዮ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ዓለም ለኻዊ መጋባእያ መግቢ ዘሎ ምትሕብባር ዝወለደ እዩ

ነቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮ ዝብል ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ኣማእኪሉ ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ዓውደ ኣኼባታት መደብ መሰረት ምስ ምህርቲ ሕርሻን ጸዓትን እተተሓሓዘ ኣብ ኣርባዕተ መደባት ተኸፊሉ ናይ ዝካየድ ኣኼባ ቀዳማይ ክፍሊ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም. ናይ ቍጠባ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን መንእሰያት ዘሳትፍ ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ዓውደ ጉባኤ ኣማዕድዩ ብመንጽር ኵለንተናዊ ቍጠባ ዝካየዱ ዓውደ ኣኼባታት መሰረት ብዛዕባ ሕርሻን ጸዓትን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ንምርካብ መንእሰያት ንቍጠባ ፍራንቸስኮ ምስቲ ዓለም ለኻዊ ስርዓት መግቢ ንምቕያርን ነቶም ሸቶታት መደብ ዘላቒ ልምዓት ንምውቃዕ ኣሚቱ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ መጋባእያ መግቢ ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼብ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምእተኻየደን እዚ ኣብ ሕርሻን ጸዓትን ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ መንሰያት ንናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ መሰረት ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ማእከላይ ሽማግለ ኣባል ኣተሓባባሪ ቝሸት ሕርሻን ፍትሕን ጸዓትን ድኽነትን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ማውሪዚዮ ፒትዞሉ፥ “እዚ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኣኼባ ምስ ብዙሓት ተመሳሳሊ ሓሳባት ዘለዎም መንእሰያት ብኸመይ ሓባራዊ ምይይጥ ከም እንደሊ ዘጉልሕ እዩ” ኢሎም።

እቲ ዝተካየደ ኣኼባ ኣብ መንጐ ሕርሻን ጸዓትን ዘሎ ምትእስሳር ዘነጽር እዩ። ኣጠቓቕማ ጸዓትን ሕርሻን ናይ መግቢ ስርዓት ንውሑዳት ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ዓለም ብዙሓት ድኻታት ይፍጥር ኣሎ፡ እዚ ኣብ ድኻታት ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት እውን ድኻታት ይፈጥሮ ኣሎ።

ናይ ሕዝብታት ደቀባት ወከልቲ

ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ኮሎምቢያን ኤኳዶርን ዝመጻ ክልተ ንደቀባት ሃገራተን ዝውክላ ምስክርነት ከምዝሃባን፥ እዘን ንደቀባት ላቲን ኣመሪካ ዚውክላ ብሰንኪ እቲ ብዘይቋርጽ ዕብየት ኢንዳስትሪ ኣብ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ህዝበን ዘጋጥሞም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ብጽንዓት ዝቃለሳ እያተን።

ውጥናት

ሳላ እቲ ማሕበር ናይ ፍራንቸኮ ቍጠባን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብን ንሓይልታት መንእሰያት ናይዘን ክልተ ማሕበራት ንምጥርናፍ ብዝብል ዕላማ ዝገብርዎ ናይ ሓባር ዕዮ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ዓለም ለኻዊ መጋባእያ መግቢ ዘሎ ምትሕብባር ዝወለደ እዩ። ስለዚ እዘን ክልተ ማሕበራት ማለት ማሕበር ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባን ዓለም ሓቆፍ መጋባእያ መግቢ እቲ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ሕርሻን ጸዓትን ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ኣኼባ ብሓባር ከዳልዋ ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ይገልጹን። እቲ ተሪፉ ዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝካየዱ ሰለስተ ክፍለ ኣኼባታት ወትሩ ምስ ሕርሻን ጸዓትን ከምኡ እውን ምስቲ ሕርሻን ጸዓት ጉዳያት ዝተተሓሓዘ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣተሓሒዙ ዝምልከት እዩ ዝኸውን፥ ምስ ሕርሻ ዝተተሓሕዘ ናይ ስራሕ ንጥፈታት ንምጅማርን ከምኡ እውን ነዚ ተበግሶታት እዚ ንምምሕያሽ ገንዘብ ክስላዕን ምዕቡል ሕርሻ ኣብ ኣጠቓቕማ ምሕናጽን ዝብሉ ውጥናት ዘለዎን እቲ ሳልሳይ ውጥን ከኣ ደቀንስትዮን ሕርሻን ዝብል ምዃኑ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

17 July 2021, 02:38