2021.07.17 ወኪል ር.ሊ.ጳ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ንጽጉማት ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ንዝዕደል ሓገዝ እንክባርኹ 2021.07.17 ወኪል ር.ሊ.ጳ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ንጽጉማት ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ንዝዕደል ሓገዝ እንክባርኹ 

ዝተሓገዘ፥ ዝረኣየ፥ ዝሰምዔ ኲሉ መሪቑን ንኣምላኽ ኣመስጊኑን! ኣባ ክፍለኢየሱስ

ብቋንቋ ብለን 'ጃር ገና እንጋዂድ ተኒ መሀደኲ' ማለት እግዚአብሔርሲ ኣደ ንዘይብሉ ኣደዓባይ ይፈጥረሉ ከምዝበሃል! ኣብ ሃገረ ሱዳን ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን መን ኮን ይሕግዘና ይኸውን ኣብ ዝብሉሉ ለበዳ ኮቪድ 19 ተወሲኹ እንክሳቀዩ ኣባል ማሕበር ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኤርትራ ማሕበር ካፑቺን ኣባ ቪቶርዮ ቦርያ ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ለሚኖም ንለማኖ ዝለገስዋ ሓገዝ ብዝርኢ ተሓገዝቲ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ንክቡር ኣባ ቪቶርዮ ቦርያ ከምዘመስገኑ ካብ ቦታኡ ዝተላእከ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ዝበዛሕና ከም ንፈልጦ፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ኣሲዚ፡ ለለሚኑ ንለማኖ ይምጽውት ነበረ። ኣባ ቪቶርዮ ከኣ፡ ነዚ ዝዘርየሉ ስኢኑ፡ ከም እንስሳ ዝሽየጥ፡ ዝለወጥ፡ ዝግፋዕ ዘሎ ስደተኛ ሕዝብና ተቐማጣይ ካርቱም፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ቦታ ሕሰም ናብራ ስደቱ ኮይኖምሉ ኣሎዉ።

እታ ትፍቶ ገዛና፡ ገዛ ዝበዝሔ ስደተኛ ሕዝባና ከተማ ካርቱም ዝኾነት ጂረፍ፡ ብዕለት 25 ሰነ 2021 ሓጎስ፥ ምርቓን ዕልልታን ኮይና ውዒላ። ምኽንያቱ ከኣ

1. 22 ጽጉማት ኣደታት፡ ብምኽንያት ዘለውወን ሕጻናት ርሑቕ ወጺኤን ክሰርሓ ስለዘይክእላ፡ ኣብ ገዛኤን ኮይነን እንጌራ ሰንኪተን ክሸጣ፡ ንነፍስወከፈን ሓንቲ ብጋዝ ትሰርሕ መጎጎ፡ 1 ዕትሮ ጋዝ፥ መጀመሪ ዝኾነን ኩንታል እኽሊ

[ Photo Embed: ሓገዝ መጎጎ ካብ ዝተቀበላ!]
[ Photo Embed: ሓገዝ መጎጎ ካብ ዝተቀበላ!]

2. 19 ናእሽቱ ኣደታትን ኣዋልድን፡ ዝበዝሓ ን3 ወርሒ፡ ገሊኤን ከኣ ን6 ወርሒ ዝውሰድ፡ ትምህርቲ ስነጽባቔ ጸጉሪ ቀሲመን ርእሰን ክኽእላ፡ መምሃሪ ገንዘብ

መትከል እግሪ ዝኸውን ሓገዝ እንክቅበላ!
መትከል እግሪ ዝኸውን ሓገዝ እንክቅበላ!

3. 15 ካልኦት ደቂንስትዮ ምሕናንን ኣብ ክፍሊ ኣካላት ዝሰኣል ስነጽባቔን ንኽመሃራ መምሃሪ ገንዘብ

4.  5 ንሕናስ ሻሂ ሸይጥና ርእስና ክንክእል ንዝበላ ከኣ ዝተፈላለየ ኣቕሑ ሻህን ሰድያን ተገዚኡ ተዓዲሉወን

ካብቲ ብዙሕ ሺሻይ መትከል እግሪ ገሊኡ
ካብቲ ብዙሕ ሺሻይ መትከል እግሪ ገሊኡ

5. ብምኽንያት ሕማምን ስንክልናን፡ ኣብዚ መደባት እዚ ክኣትዉ ዘይከኣሉ ከኣ፡ ኣብ ኢዶም ገንዘብ ተዋሂቡዎም።

ካብ ድኻታት ንድኻታት ዝተኣከበ መባእ!
ካብ ድኻታት ንድኻታት ዝተኣከበ መባእ!

ጠቕላላ ነዚታት ዝወጸ መጠን ገንዘብ ልዕሊ 4 ሚልዮን ጂነ ሱዳን (ብናይ ደገ ጳጤራ እንተሓሰብናዮ ናብ 15,000 ዶላር ኣቢሉ) ኢዩ። እዚ ኩሉ መጠን ገንዘብ ካበይን ብሳላ መንን ተረኽበ?  ብሳላ ክቡር ፈታዊ ስደተኛታት ኣባ ቪቶርዮ ቦርያ፡፡ ንሶም ኣብቲ ዘሎውዎ ዓዲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ጊዜ ዝሓለፈ ጾም ኣርብዓ፡ ካብ ዝፈልጥዎ ዘበለ ሕዝብና ነባሪ ደያስፖራ እናለመኑ ዝረኸብዎ ኢዩ።

ንዝተረኽበ ሓገዝ ብዝንኣድን ጽፉፉን ኣገባብ ዝተግበሩ ከኣ፡ ንኡስ ኮሚቴ ሓግዝ ጽጉማት፡ ቤት ምኽሪ ቊምስናና ካርቱም እዮም። ንሳቶም ከኣ፡ መም. ተስፋሚካኤል አብርሃ ዝመራሒኦም፡ ወ/ሮ ኤልሳ ኣብርሃ፡ ወ/ሮ ኣብርሄት ዮሴፍ፡ ኣቶ መንግስትኣብ ሚካኤል እዮም። ድሕሪ ናይ ኣባ ቪቶርዮ፡ ብዙሕ ዝምስገኑ እምበኣር እዚኣቶም እዮም። ነዚ ከቢድ ስራሕ ብምትግባሮም፡ ኣምላኽ ጻማኦም ይሃቦም ንብሎም።

ንእሱ ኮሜቴ ተዛትዮም፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ስራሕ፡ ሓደ አገዳሲ መዳይ ስብከተ ወንጌል ስለዝኾነ፡ ካብ ብሱቱር፡ ብወግዓዊ ንግበሮ ስለዝበሉ፡ ብኣኡ መሰረት፡ ኣብቲ ዕለቱ፡ ምስ ኩሎም ተሓገዝቲ፡ ክቡር እንደራሴ ቫቲካን፡ ሱዳንን ኤርትራን፡ ብጹዕ ኣቡነ ሉዊስ ሙጌል፡ ዝርከብዎም፡ ሚስዮናውያትን፡ ወከልቲ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ስደተኛታትን፡ መንፈሳውያን ማሕበራት ቊምስናና ተረኸቡ። ጳጳስ ንመደብ ምዕዳል ንብረት ብጸሎት ድሕሪ ከፊቶም፡ መም. ተስፋሚካኤል፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዘካየድዎ ስራሕ፡ ንተሳተፍቲ ገለጹ። ንሶም ኣብ መመያ ቀዳማይ ገጽ ሓገዝ፡ ሃይማኖትን ዓድን ከይፈለዩ፡ ካብ ኩሉ ሰበኻታት ሃገርና ንዝገጠምዎም ጽጉማት ጠመተ ገይሮም ከምዝሰርሑ ገለጹ።

ቀጺሎም ኣባ ክፍለኢየሱስ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ዝተረኸበ ሓገዝ፡ ተሓገዝቲ ውጽኢታዊ ክገብርዎ፡ ንሶምውን ብዓቕሞም፡ ካብኦም ንዝኸፍእ ጽጉም ክሕግዙ ከምዘሎዎም አተሓሳሰቡ። ወሲኾም’ውም፡ ካብ ዝተሓገዙ ሰሊጡዎ ንወጻኢ እንተኸዱ፡ ንብረት፡ ንኻልኦት ጽጉማት ምእንቲ ከኸውን፡ ንቤ/ያን ገዲፉዎ ክኸይድ ከምዘሎዎ ኣመልከቱ።

ቀጺሉ ክቡር እንደራሴ ንኹሉ ንብረት ማይጸሎት ባሪኾም፡ ካብ ነፍስወከፍ ጉጅለ ሰሰለስተ ብዕሎም ድሕሪ ዓዲሎም፡ ዝተረፉ ኣባላት ቤት ምኽሪ ቊምስና ነናቶም ዓደልዎም።  በዚ ከኣ ፍጻሜ ናይቲ ዕለት ሓጎስን ምርቓን ኮነ።

ክቡር ኣባ ቪቶርዮ፡ ድምጺ እቶም ዝተሓገዙ ኰንና፡ እግዚኣብሔር ይሃበልና። ደው በሉልና ኣይትተዓንቀፉ ንብለኩም።

ለበዋ ንሰማዒ ሕዝብና።

ሓደ ዶ. መብራህቱ ወልዱ ዝበሃሉ ተቐማጢ ኣሜሪካ (ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ቤ/ት ኣሕዋት ካፑቺኒ፡ መንደፈራን፡ ቤ/ት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ባጽዕን፡ ንጽጉማት ተማሃሮ ብዙሕ ዝሕግዙ ዝነበሩ) ነዚ በባቴ ዝተወስደ ተበግሶ ወረ ሰሚዖም፡ እዚ ልብኻ ዝትንክፍ ተበግሶ’ዚ፡ ፈጺምካ ደው ክብል የብሉ ኢሎም ምሳና ተሰማሚዖም “ጎፋንድ ሚ” (gofund me) link: https://gofund.me/c397923c ከፊቶም። ብመጠኑ’ውን ትእክብ ኣላ። እሞ ክቡር ሕዝብና “50 ፍረ ሎሚን ንሓደ ሰብኣይ ሸከም፡ ን50 ሰብኣይ ግን እኳ ጨና’’ ኢዩ’ሞ፡ ኣብ ዘሎና ኣሊና፡ ናብዛ ከፊትናዮ ዘሎና ቆፎ ሓገዝ፡ እቲ ውሑድ ዓቕምና እንተ ኣእቶናላ፡ ነዚ ኣደራዕ ስደት ወሪዱዎ ዘሎ ጽጉም ሕዝብና፡ ዓቢይ ድልድል መሰጋገሪ ኪኾኖ ኢዩ። ንዓኹም ከኣ፡ ቅዱስ ያዕቆብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ’ሞ፡ ከምዝበሎ፡ ዓስቢ ጽድቂ ዝጎንዓና ኢዩ። ካብኡ ሓሊፍና’ውን ናብዚ መኣዲ’ዚ ክሳተፉ ንደልዮም ኲሎም፡ ነዛ link gofund me Share ንበላ።

በቲ ኩሉ ካብ ጊዜ ኮቪድ 19 ጀሚርኩም ነዚ ሕዝብና ዝሓገዝኩምዎ፡ ምስጋናና እናቐጸልና፡ ንመጻኢ ብትገብርዎ’ውን ኣቐዲምና ነመስግን።

ሓውኹም ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴ

 

Photogallery

ስእላዊ መግለጺ ኣተዓዳድላ ሓገዝ!
17 July 2021, 17:41