ድለ

ዜና ዕረፍት ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሃገንኮርድ፥ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘዘንተዉ ጋዜጠይና ዜና ዕረፍት ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሃገንኮርድ፥ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘዘንተዉ ጋዜጠይና 

ዜና ዕረፍት ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሃገንኮርድ፥ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘዘንተዉ ጋዜጠይና

ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ልዳት ቤት ጽሕፈቶም እታ ብዘንበርዎ “ንእምነት ዝኸውን ናጻ ቦታ” ብእትብል ጥቕሲ ዝዝከሩን

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዜና ቫቲካን ኣገልግሎት ፈነወ ራዲዮ ክፍሊ ቋንቋ ጀርመን ሓላፊ ደሓር በቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንፍቸስኮ ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ - ኵርያ ሮማና ሓዋርያውያን መዋቕራት ብዝጠለብዎ ሕዳሴ መሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝምልከት መደብ ሕዳሴ ቀንደይና ተዋሳኢ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣባ በርንት ሃገንኮርድ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 52 ዓመት ዕድመኦ ዕለት 26 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዓል ዓሚቝ ድምጺ በነባብርኦም ትሑት ብርቱዕ ቃለ መሕትት ብምቕራብ ዝፍለጡ ንብዙሓት ዘተባብዑን ዝመኽሩን ንናይ ዜና ቫቲካን ጋዜጠይናታት ዝእርሙን ዘበራትዑን ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘዘንትዉን ተባዕ ጀርመናዊ ጋዜጠይና ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ በርንት ሃገንኮርድ ኣብ 52 ዓመት ዕድመኦም ብዝሓደሮም ሕማም ዕለት 26 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከምዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅድሚ ኣብ ራዲዮ ቫቲካን

ወዲ 24 ዓመት እንከለዉ ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝኣተዉ ኣባ በርንት ድሕሪ 10 ዓመት ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ሓላፊ መደብ ቋንቋ ጀርመን ናብታ ዕለት 4 ሕዳር 1968 ዓ.ም. ናብ ዝተወለዱላ ጥቓ ዞባ ዱሰልዶርፍ ናብ እትርከብ ከተማ ሃም ተመሊሶም ኣብ ሕክምና ከምዝነበሩን፡ ኣባ በርንት ኣብ 2009 ዓ.ም. ናብ ሮማ መጺኦም ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ከምዘገልገሉን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ 2002 ዓ.ም. ድሕሪ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቶም ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ብስነ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናነትን ተመሪቖም ኣብ ሃምቡርግን ሙዪንሽን ከምኡ እውን ኣብ ለንደን ብሞያ ጋዜጠይና ዘገልገሉን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝተሓረይሉ እዋን በቲ ዝነበሮም ሞያ ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ጋዜጠይናን ሓላፊ መደብ ቋንቋ ጀርመን ኮይኖም ከምዘገልገሉ ሓቢሩ።

ኣብነታዊ መራህን ሓላይን

ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ብሞያኦም ጥራይ ዘይኮነስ ብሰብኣዊ ባህርያቶም ዚድነቑ ብብጾቶም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ኣገልግሎት ተወፋይቶም በቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎምን ብደቂ ማሕበሮምን ኣብነታዊ መራሕን ሓላይን ምዃኖም ዝምስከረሎም፡ ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ምዝ ዝተፈላለየ መደብ ቋንቋታት ተሓባባርን ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣወሃሃዲ ብምዃን በቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንፍቸስኮ ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ - ኵርያ ሮማና ሓዋርያውያን መዋቕራት  ብዝጠለብዎ ሕዳሴ መሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝምልከት መደብ ሕዳሴ ቀንደይና ተዋሳኢ ብምዃን ራዲዮ ቫቲካን ኣብቲ ኵለን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ብሓደ ዝጥርንፍ ድሕሪ እቲ ሕዳሴ ናይ ዝቖመ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣካል ክኸውን ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ዘገልገሉን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምምላስ ናብ ጀርመን

ኣባ በርንት ሚዛኖም ዝሓለዉ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ብዝነበሮም ብቕዓት ዝፍለጡ ኣዛታይን ምዃኖም ዝንገረሎምን ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ነቲ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ዝግበር ዝነበረ ኪደት ኣወሃሃዲ ኮይኖም እውን ከምዘገልገሉን ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ካብ ዜና ቫቲካን ተሰናቢቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጀርመን ኣብ ሲኖዶሳዊ ኪንደት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዘገልገሉን ናይቲ ኣብ ጀርመን ናይ ዝርከብ ናይ ጀርመናውያን ዓለማውያን ምእመናን ማሕበር ንጡፍ ኣባልን ኣበ ነፍስ ንኽኾኑ ብቐጥታ በቲ ማሕበር ተሓርዮም ንናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዶሳዊ ኪደት ዘገልገሉን ክሳብ እታ ብሞት ዝተፈለዩላ ዕለት እውን ናይ ስነ ጋዜጠይናነትን መራኸቢ ብዙሓንን መምህር ኮይኖም ከምዘገልገሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንእምነት ዝኸውን ናጻ ቦታ

ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ልዳት ቤት ጽሕፈቶም እታ ብዘንበርዎ “ንእምነት ዝኸውን ናጻ ቦታ” ብእትብል ጥቕሲ ዝዝከሩን ናይ ቅድስቲ መንበር ጋዜጠይናታት ንእምነት ዝኸውን ናጻ ቦታ ዘለዎም ክኾኑ ብቓልን ሕይወትን ኣብነት እንክብል ዜና ቫቲካን ይዝክሮም።

27 July 2021, 16:05