ምክንኻን ዓቢይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል፥ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ እውን
እቲ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ካቶሊካውያን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ዝሓቍፍ ታሊታ ኵም እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ መርበብ ጸረ ንግድ ሰብ ዕለት 30 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ ማዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው “ጸረ ንግድ ሰብ ምክንኻ” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ መላእ ዓለም ንግድ ሰብ ክእለይ ዝጽውዕ ወፈራ ከምዘበገሰ፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንምልቓቕ ዝግበር ጻዕሪ ክንክን የድልዮ። ስለዚህ ኣብቲ ወፈረ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ክሓብር ማሕበር ታሊታ ኵም ጻውዒት ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ነቲ ፈውሲ “ናይ ልቢ ክትባት” እንክብሉ እዮም ዝገልጽዎ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከኣ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ኮነ ኣብ ካልእ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዘጒልሕዎ ኣምር እዩ። ንሕሙማትን ንጐረባብትን ንኣባላት ስድራ ቤትን ምክንኻን ዝብል እዩ። ነቶም ግዳያት ንግድ ሰብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምክንኻን። ነዚ ምስቲ ታሊታ ኵም ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ማሕበር “ጸረ ንግድ ሰብ ተግባር ኵሉ ምክንኻን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘነቓቐሖ ወፈራ ዘጒልሖ ሓሳብ እዩ። እዚ ወፈራ እዚ ምስ ንግድ ሰባት ንምቅላስ ኣብ ዝግበር ኵሉ ጒዕዞ ማለት ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ምክንኻን ነቶም ግዳያት ምክንኻን ከምኡ እውን ነቶም ብሕይወት ዝተረፉ ምክንኻን ለውጢ ከምጽእ ከም ዚኽእል ዜርኢ እዩ።
በሸሓት ዝቑጸር ሕይወት ተቐባልነት ክረክብ
እተን ኣባላት ደናግል ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ማሕበር ጸረ ንግድ ሰብ ካብ ተመክሮአን ተብገስካ ንነዊሕ እዋን ኣብ ክንክን ዘተኰረ ኣቀራርባ ነቶም ብሕይወት ዝተረፉ ሰባት እንደገና ኪሽየጡን ኪምዝመዙን ዝዳርጐም ኣጋጣሚታት ክንክዮ ደሓር እውን ክይህሉ ክገብሮ ከም ዝክእል ይፈልጣ እየን። በቲ ወፈራ ኣቢለን እቲ ንሳተን ዘካይድኦ ጻዕሪ ናይ ኵሉ ማሕበረሰብ ዓለምን ተቕዋማትን ናይ መንግስቲ ትካላትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ከከም ሓላፍነቱ ክሳተፍ ዝጠልብ እዩ፥ ደናግልን ገዳማውያንን ጥራሕ ዘካይድኦ ጻዕሪ ኰይኑ መታን ከይተርፍ ጻውዒት የቕርባ። ስለዚ ኵሎም ኣብዚ ውፈራ እዚ ሓድነት ክህልዎም ኣለዎ። ምክንኻን ክበሃል እንከሎ ነተን ኣብ መጻወዲያ ኣመንዝራ ሕይወት ዝኣተዋ ምድሓን ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ብዝተፈላለየ መዳይ ንግድ ሰብ ዘሳልጡ ናይ ገበን ጉጅለታት ምቅላስን ካብቲ ዝዝርግሕዎ መጻወድያ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምድሓንን ተተሓሒዙ ክኸይድ ከምዘለዎ እተን ደናግል ጻውዒት የቕርባ። ምዝመዛ ብጾታ ክውገድን፥ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ፍጥረት ንምዝመዛ ዘቃልዕ ኣጋጣምታት ምውጋድ ናይ ኵሉ ተልእኾ ምዃኑ የተሓሳስባ።
ናይ ታሊታ ኵም መርበባዊ ማሕበር ኣወሃሃዲት እናቴ ጋብርኤላ ቦታኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ንቍጠባ ንግድ ሰብ ናብ ቍጠባ ኽንክን” ክንቅይሮ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣጒሊሐን፡ እዚ ሓላፍነት እዚ ንዅሉ ንውፉያን ማሕበር ኣባላትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብ ኣባይቲ ስድራን ንኵለን ሃገራትን ዝምልከት ዕዮ እዩ። ዋጋ ዘኽፍል ተልእኾ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ትርጒም ንዘለዎ ዕላማ መስዋዕቲ ምኽፋል ንመላእ ዓለም ድሕነት እዩ ኢለን።
እቲ ዕለት 30 ሓምለ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ ሓደ ሰሙን ኣቐድሚምክን እተካይድኦ ዘለኽን “ጸረ ንግድ ሰብ ምክንኻ” ወፈራ ኵሉ ሰብ ነቲ ንግድ ሰብ ንኽሰንፍ ኣበርቲዑ ብቘራጽነት ክዋሳእ ዝሓትትን ከምኡ እውን ካብቲ መጻወዲያ ዝደሓኑን ዝደሓናን እቲ ኣደዳ ንግድ ሰብ ምዃን ዝፈጠረሎም ኣቝሳል ኣሕወዮም ናይ ዳግማይ ብጋሰ ታሪኽ ሕይወቶም ዘዝተወሉ ትስፍዉ ውፈራ እውን እዩ፥ እወ እቲ ወፈራ እቲ እንነብረሉ ዘሎና ኵነት ዓለም ዘጠብሎሖ እዩ። ቀንዲ ናይቲ ወፈራ ሸቶ ነቲ ብዅሉ መዳይ ዝካየድ ቃልሲ ጸረ ንግድ ሰብ “ምክንኻን” ዝብል እዩ። ስለዚህ እዚ ዓይነት ምክንኻን እዚ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘዘኽረና ኣርእስቲ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 8 ለካቲት ናይ ምወዳእታ ሕታም መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ጸረ ንግድ ሰብ ዝገለጽዎ ቍጠባ ክንክን ምድንፋዕ ዝብል ሓሳብ ኣድላዪ ምዃኑ ዘዘኻኽረና ወፈራ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ምዝመዛ ቍጠባ ዝጻረር ቍጠባ ዘነቓቕሕ ማለት ዘይኮነስ ነቲ ሓባራዊ ቤትና ማለት ንኽብሪ ሰባት ናይ ምክንኻን ክእለት ከነስተውዕሎ ዝገብር እውን እዩ። ነዚ ዘተባብዕ ምስክርነት ምቕራብን ዛንታታት ምእካብን ካብ ንግድ ሰብ ሓሳርን መከራን ንዝድሕኑን ነቶም ካብቲ ለብዒ ዝደሓኑ እውን ከይተረፈ ዘድሊ ጭቡጥ ሓገዝ ምቕራብ ወሳኒ እዩ፥ እቲ ማሕበር እዚ እውን የሳልጥ። እቲ ወፈራ እውን ኣብዚ ሓገዝ እዚ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ሓደራ ዝብል እዩ።
ኣተኵሮናን ጠመተናን ከነስግል ብፍጹም ኣይግባእን፡ ብዙሓት እቲ ንግድ ሰብ ካብ ተሞክሮኦም ኣዚዩ ዝረሓቐ ኮይኑ ስለ ዝስምዖም ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ኪቃለስዎ ዘይከኣሎም ኰይኑ ኪስምዖም ይኽእል፡ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎዶ? እወ ፍርሒ ክዕወት ከምዘይብሉ እየ ዝኣምን፥ ምስ ቍስሊ ካልኦት ርክብ ከይመስረትካ ገና ብዓንተውኡ ምፍራሕ ናብ ዘይ ምሹእ ኵነታት ከእትወና ይኽእል እዩ። ኣብቲ ምስ ታሊታ ኵም ማሕበር ቃል ኪዳን ዝኣተኹለን እተጸመድኩለን ዓመታት ብሓባር ምትሕብባር ንሓድሕድካ ምርኻብን ምድግጋፍን መሰረታዊ ምዃኑ ተገንዚበ እየ። ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ጽቡቕ ሓይልታት ብምትእኽኻብ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ እዚ ጉዕዞ እዚ ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕቲኡ ግዜ በይንና ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ስለ ዘይንኽእል እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ስለ ዘይንፈልጥ ኢና። ከምቲ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ማሕበር ታሊታ ኵም ንምቛም ብዙሕ እዋን ዝረኣኽዎ ብሓባር ምጥማት እንተ ተማሂርና እዚ ተኣምር እዚ ክፍጸም ይኽእል እዩ።
ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ጸረ ንግድ ሰብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት መልእኽቲ፥ ካብ ንግድ ሰብ ናጻ ዝኾነ ቍጠባ የጒልሑ፥ እዚ “ናይ ሓድነትን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ቍጠባ” ማለት እዩ። ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ካብ ንግድ ሰብ ናጻ ዝኾነ ቍጠባ ንፍሉያትን ንዝተወሰኑን ረብሓ ዝግደስ ዘይኮነስ ፍትሕን ምዕሩይ ሕግታት ዕዳጋን ዜተባብዕ እዩ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 8 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ጸረ ንግድ ሰብ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት መልእኽቶም፥
ንግድ ደቂ ሰብ ጥጡሕ ባይታ ዝረክብ ኣብቲ ብዘይ ቀጥዕን ስነ ምግባርን ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ደረታት ዘየግድሶ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል እዋናዊ ናጻዊ ርእሰ ማልነት ብጸቕጢ ኣብ ዘቑሞ ዕዳጋ እዩ፡ ነዚ ምስዓብ፥ ጥቕሚ ጥራግ ዝብል ምርጫታት ኣብ መምዘንታት ስነ ምግባር ዘይተመርኮዘ ይዀኑን በዚ ድላይ’ዚ መሰረት ከኣ ብዙሕ ግዜ ሰብኣውን ማሓድሮኣውን ዘኽብር ብዝመስል ኪደት ውልቃዊ ረብሓ ክዕብልል ይርአይ፡ እዚ ኸኣ ምርጫታት ንሰብ ከም ሰብ ብምርኣይ ዘይኮነ ከም ቁጽርን ተመዝማዝን ገርካ ካብ ምምልካት ዝነቕል እዩ።
ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥ መልእኽቶም፥
ትብዓት የድሊ ክበሃል እንከሎ፡ ካብ ስነ ምግባር ወጻኢ ብምዃን በቋራጺ መኽሰብ ምንዳይ ደፋር ምዃን ማለት ዘይኮነ፡ በንጻሩ ብዓቕልን ብዝግበር ሕንጸትን መኽሰብ ጥራሕ ብዘይብል መደብን ኣብ ማእከላይን ነዊሕን ውጽኢት ምዕታር ዝብል ልዕሊ ዅሉ ሰብ ዘማእከለን ንሰብ ዝጠቕምን ቁጠባ ውሑስ ምግባር ማለት እዩ፡ ትብዓት ክበሃል እንከሎ ምስ ሕጋውን ቅኑዕን መኽሰብ ዝተተሓሓዘን ናይ ስራሕ ዕድልን ፍትሓዊ ናይ ስራሕ ኵነት ዝፈጥርን ኤኮኖሚ ምርግጋጽ ማለት እዩ፡ ኣብዚ ከቢድ ቅልውላው ቍጠባ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን እዚ ዓይነት ትብዓት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን ቅልውላው ዝውውርን ንግድ ደቂ ሰባትን እናበዘሔ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኵላትና ከምእፈልጦ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ቅልውላው ብዘየቋርጽን ሓጺር ብዘይጥምት ብጽኑዕ ኣገባብ መልሲ ዝብህ ቍጠባ የድሊ።
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ጸረ ንግድ ደቂ ሰብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዘቖምዎ መዓልቲ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ካብ ምዝመዛ ናጻ ዝኾነ ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ተመክሮ ንምንቕቓሕ ኣሚቶም ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ዕለት 8 ለካቲት ንኽበዓል ዝደለየሉ ምኽንያት እታ ኣብ ሕይወትን ኣደዳ ምዝመዛን ጊልያነትን ተመክሮ ዝነበረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸረ ጊልያነት ኵላዊ ትእምርቲ ዝኾነት ጓል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስቲ ባኪታ ኣብ እትዝከረሉ ዕለት ብምዃኑ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ኮይኑ፡ እቲ ታሊታ ቍም ፡ ዝብል ናይ መላእ ማሕበራት ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ጉባኤ በቢ ዓመቱ ብዘሰናድዎ መደብ ዝበዓል ኮይኑ፡ እቲ ናይ ለምዘበን መዓልቲ ጸሎት ንጸረ ንግድ ሰብ እውን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመረብታዊ ውሕዘት ምክያዱ ይዝከር።