ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ሰነ 13 2013 ዓ.ም. (6/20/2021) ጰራቅሊጦስሀ እፌኑ ለክሙ

ወመንፈስከ ቅዱስ ኢታውጽእ እም ላዕሌየ እስየኒ ፍሥሓ ወአድኅኖተከ ወመንፈሰ ዓዚዝ አጽንዓኒ” “ቅዱስ መንፈስካውን አይተግድፈኒ፥ ሓጎስ መድኅንካ ምለሰለይ፥ ፈትየ ክእዘዘካ ደግፈኒ” መዝ. 51፡11~12.
ብድምጺ ንምክትታል!

ጰንጠቆስጠ ማለት ሓምሳ፥ ሸውዓተ ሶምን እተደመሮ ሓደ መዓልቲ፥ ሓምሳ መዓልታት ድሕሪ ትንሣኤ ማለት እዩ። አይሁድ “ሻቮት” “Shavuot” ብዓል ሶሙናት፥ ብዓል ቀውዒ ወይ ብዓል መጀመርያ ፍረ አብ ጊዜ ቀውዒ ይብልዎ። ዝኾነ ስም ወይ ትርጉም ንሃቦ ብዓል ጰራቅሊጦስ ዘመልክቶ ናይ ምጽባይ መጨረሻ ጊዜ ከም ዝበጽሐን ናይ ሓደ ብተስፋ ዝጽበይዎ ዝነበሩን ምእንትኡ ኢሎም ሓደ ነገር ዝገበሩሉ አብ ፍጻሜ ከምዝበጽሐ ዘርኢ እዩ። ንአይሁድ ናይ እዋን ቀውዒ መጀመርያ ፍርያት እዩ፥ ንክርስትያን ብተመሳሳሊ ናይ ኢየሱስ ዓበይቲ ስራሓት፥ ናይ ሕማማቱ፥ ናይ ሞቱን ትንሣኤኡን መጀመርያ ፍረ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉ እዩ።

አብዚ ንኹልና አመንቲ ሓደ ትምህርቲ አሎ ማለት አብ ሕይወት ምጽባይ ዝብሃል አሎ። ከምቲ ሓዋርያት ዝተጸበይዎ ምጽባይ፥ እናጸለኻ ምጽባይ ብምሉእ ልብኻን አእምሮኻን አብቲ እትጽበዮ ገርካ ምጽባይ። ንሓምሳ መዓልቲ ተጸቢና ሎሚ ነብዕል አሎና። “ሓዋርያት ኩሎም ኃቢሮም ብሓንሳእ አብ ሓደ ቤት ነበሩ” ይብለና ግ.ሓ.። እዚ ፍሉይን ዓቢ ነገርን የስምዕ። ገለ ሰባት ምስ ከምኦም ዘመሰሉ ሰባት ክእከቡ ክጽልዩ ጥቕሙ አይርእይዎን፥ ሰንበት ሰንበት ብሓባር አብ መአዲ ክርስቶስ ምጽንባር አድላይነቱ አይርእይዎን። ዳርጋ አብ ቤተ ክርስትያን ምጽላይ አየድልን ይብሉ። እዚ ግን ከም ንሓደ ሰብ አብ መርዓ ወይ ቀብሪ ሓውካ/ሓፍትኻ አይመጽእን እየ ከም ምባል እዩ። አይመጽእን ንዝበለ እንታይ ከም እንብሎ ወይ ብኸመይ ከም እንርእዮ ኩልና ንፈልጦ ኢና።

እቶም ሓዋርያት ብሓደ ተአኪቦም ነበሩ፥ ኢየሱስ እውን አብ ብዙሕ አጋጣሚ ይእከብ ነሩ። ሓዋርያት አሰር መምህሮምን ስርዓት አይሁድን ብምኽታል አብ አብያተ ጸሎታት አይሁድ አብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ይእከቡ ነሮም። አድላይን ከምዝኾነን እኳ ድአ ፍሉይ ነገር ከምዝኾነ ርእዮሞ ይእከቡ ነሮም። ሎሚ እውን አሽሓት ከየቋረጽና ሰንበት ሰንበት ብሓደ ንእከብ። አብ ምእካብ ብዙሕ ቍምነገር አሎ መጀመርያ ንአምላኽ ክትሰምዕ ዕድል ይህበካ፥ ንኸማና ሰብ ክንረክብ ባብ ይኸፍት፥ ጸገማት አብ አኸባ ይፍትሑ፥ አብ አኸባ ብዙሕ ትፍልጥ፥ ምእካብ ሓይሊ ይህበካ አብ እንስሳ እኳ ብሓንሳብ እንተለዋ ዋኒን አይደፍረንን አሽንኳ ሰብ። አብ ዝሓበረ ህዝቢ ጸገም ብዙሕ አይኮነን አብ ዝተፈላለየ አመት አድሕድ አብ ዘይብሉ ግን ጥፍአት ምብትታን አሎ። ሓዋርያት አብቲ ጽንኩር እዋን ብሓደ ነሮም ኩሉ ጊዜ ብሓደ መንፈስን ልብን ይጉዓዙ ነሮም እዚ ግን ዝተፈላለየ ርኢቶ ጠባይ አካይዳ አይነበሮምን ማለት አይኮነ። ልዕሊ ኹሉ ንኢየሱስ አንቢሮም ይጉዓዙ ስለ ዝነበሩ ፍልልያቶም ክፈትሑ ጸገም አይነብሮምን። እዚ አብ ብዓል ጰራቅሊቶስ ብዝያዳ ብግሉጽ ንርእዮ።

አብ ቋንቋ አይሁድ ቤተ ክርስትያን ዝብል ቃል ክንርእዮ ከሎና “ምእካብ” እዩ ዘስምዕ። አባል ቤተ ክርስትያን ማለት ተአኪብካ ምኽአል ማለት እዩ። ክርስትያን ክንእከብ ብሓደ ኮና ንአምላኽ ክንዝክር ክንጽሊ ባህርና እዩ። ሃይማኖትና ናይ በይንኻ ጥራሕ ገርካ እትርእዮ አይኮነን። በይንኻ ብዘይ ብጻይ ምዃን ናይ ክርስትያን አይኮነን። ንሕና ህዝበ እግዚአብሔር ኢና ከነምልኾ ኢልና ኽአ ብሓባር ንእከብ። ስለዚ እዩ ኩሎም ሓዋርያት ብሓባር መንፈስ ቅዱስ ክወርድ እንከሎ ብሓባር ተአኪቦም ዝነበሩ።

ዓሰርተ ሓደ ሓዋርያትን ምስ ገሊኤን አንስትን ምስ ማርያም አደ ኢየሱስን ምስ አኅዋቱን ሓቢሮም ክጽልዩ እንከለዉ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ። አብ ሓደ ቤት ምስተአከቡ፥ አብ ሓደ ልብን አእምሮን መንፈስን ምስ ኮኑ መንፈስ ቅዱስ ወሪድዎም። “ብሃንደበት ከአ ኸም ሓደ ብርቱዕ ሃቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ድምፂ መጸ ነታ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ”። ንሳቶም አብ ሓደ ቤት እዮም ነሮም ግን ድምጺ ንፋስ ንምልእታ እታ ቤት መልአ። ካብዚ እንታይ ክንብል ንኽእል? እንታይ እዩ ሉቃስ ክብለና ደልዩ ዘሎ? ነቲ ማርያም መግደላዊት ሓደ እዋን ንእግሪ ኢየሱስ በቲ ክቡር ጨና አልባስጥሮስ ዝቐብአቶ እሞ እቲ ዝነበርዎ ቤት በቲ ጽቡቕ ጨና ዝመልአ (ሉቃ 12፡3) ከምኡ ክሕብረና ኢሉድዩ?

ብዙሕ ምምርማር አየድልን እዩ ብሕጽር ዝበለ መንፈስ ቅዱስ ከም ክቡር ምኡዝ ጨና፥ ጨና ሓቀኛ ፍቕሪ አብ ሓደ ቤት ጥራሕ ዘይኮነ አብ ኩሉ ከበጽሕ እዩ ዝድሊ። እቲ ኢየሱስ ዘምጽኦ ምዑዝ ጨና ፍቕሪ አብ ኩሉ ክኵርንዓት ዓለም ክበጽሕ ኩሉ ፍጡር ከስተማቕሮ አቐዲሙ ነጊሩ ነሩ እዩ (ማር 13፡9)። መንፈስ ቅዱስ አብ ሓደ ቤት ምስተአከቡ ወሪዱ እቲ ዝነበርዎ ቤት ከአ ብድምፂ ንፋስ መሊኡ ይበለና። ንአምላኽ ዝበቅዕ ሕይወት እንተ ለበስና እሞ ብሓደ እንተ ጸለና መንፈስ ቅዱስ ብጸጋታቱ ክመልአና አይጽግሞን እዩ። ሕይወትና ክነጽሕ ካብቲ መኸላእታ መንፈስ ቅዱስ ኾይኑ ዘሎ ክንወጽእ እሞ አብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ ቤት ክንአቱ ሎሚ እዋኑ እዩ።

አብቲ ተአኪቦምሉ ዝነበሩ ቤት አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም “ልሳን ሓዊ ዝመስል ድማ ተራእዮም፥ ተመቓቒሉ ኸአ አብ ልዕሊ ነፍስ ወከፎም ዓለበ” ይብል። አብዚ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ነፍስወከፎም ከመይ ኢሉ ከምዝወረደ እዩ ዝገልጸልና። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ኩሉ ስልጣን ሂብዎም “ንስኹም ዝአሰርክምዎ እሱር ንስኹም ዝፈታሕክምዎ ፍቱሕ” እናበለ ስልጣን ሓላፍነትን ሂብዎም። ሓዊ ህላዌ አምላኽ አብ መንጎ ህዝቡ እዩ ዝገልጽ። አብ ብሉይ ኪዳን እንተ ረኤና አብ ዘጽአት ንሙሴ አብ ደብረሲና አብቲ ዝነድድ ዝነበረ ሓዊ ተርእይዎ፥ ንእስራኤላውያን አብ ጉዕዞ ምድረ ተስፋ ብለይቲ ብሓዊ ብነደ እሳት ይመርሖም ከምዝነበረ ነንብብ እዚ ኹሉ አምላኽ ምስኦም ከምዘሎ ንምግላጽ እዩ። አብ መዓልቲ ጰራቅሊቶስ ብአምሳል ሓዊ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ወሪዱ። እዚ ዝነግረና ሎሚ እውን አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ከምዝወርድ ሓንትስ አብ ሓደ ቤት አብ ሓደ መንፈስ ንሃሉ እምበር። ንነፍስወከፍና ነናትና ህያብ ተዋሂብና ኢና ዘሎና።

ሓዋርያት አብ ልዕሊ ነፍሲወከፎም መንፈስ ቅዱስ ምስ ዓለቦም ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ናይ ምዝራብ ህያብ ተዋህቦም እዚ መጀመርያ ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ። አብዚ ክንዝክሮ ዘሎና እቲ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝዓለበ እቲ አብ ልዕሊ ማርያም ዘጽለለ ቃል አምላኽ አብ ከርሳ ሓዲሩ ከማና ሰብ ዝገበረ እዩ። አብ ማርያም እቲ ቃል ሥጋ ኮነ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ቋንቋ ኮነ። ኢየሱስ ቃል አምላክ ንርእሱ ሰናይ ዜና ሓዋርያት ክሰብከዎ ዝጀመሩ እዩ። መንፈስ ቅዱስ አብቶም መንፈሳውያንን ብሓቂ ዝጉዓዙን ጥራሕ እዩ ዝሓድር።

ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊኦም ምስ ወረደ ነቲ ህዝቢ ክሰብኩ ጀሚሮም፥ ኩሉ እቲ አብ ኢየሩሳሌም ተአኪቡ ዝነበረ በብቋንቍኡ ይሰምዖም ነበር ይብለና ሉቃስ። አብ ብሉይ ኪዳን ባቢሎናውያን ዝተፈላለየ ቋንቋ መፈላለዪ ምኽንያት ናይ ዘይምርድዳእ ኮይንዎም። አብ መዓልቲ ጰራቕሊጦስ ግን ምኽንያት ሓድነት ኮይንዎም። ሓዋርያት ወላ እኳ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ናይ ምዝራብ ህያብ ይንበሮም ኩሎም አብቲ ቦታ ዝነበሩ በብቋንቅኦም እዮም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ። አብዚውን እንርእዮ እንተሎ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት እዩ። ስብከት ሓዋርያት ሓደ ወንጌል ብኹሉ ቋንቋታት ክዝረብ እዩ። በቲ እንፈልጦን እንሰምዖን ቋንቋ ክንገረና እንከሎ ምድናቕ መንፈስ ይፈጥረልና።

አብ ወንጌል ዮውሓንስ ፍሉይ ዝበለ ነገር ንርኢ መጀመርያ አብ መዓልቲ ትንሣኤ እዩ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወርድ። አብዚ ኩሉም ብሓደ እንከለዉ ኢየሱስ ከምዝመጽኦም ይነግረና። ብሓደ ምዃን አምላኽ አብ መንጎና ከምዝሓድር ይገብሮ። “ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ ተአኪቦምሉ አብዘለዉዎ አነ አብ ማእከሎም አሎኹ” ይብለና። ሓዋርያት ብሓንሳብ ምስተአከቡ ወሪድዎም። ብሓንሳብ ከለዉ ብሃንደበት “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን” እናበለ ከምዝመጽኦም ነንብብ። ኢየሱስ አብዘለዎ ሰላም አሎ። አብ ሕይወትና ቦታ ክንህቦ እንከሎና ንኹሉ ስቓይን ጭንቅን ሓዲግና ሰላም ፍቕሪ ቅሳነት ንረክብ። ሓዋርያት ኢየሱስ አብ መንግኦም ክርከብ እንከሎ ኩሉ ይሕደሶም ነሩ ሎሚ አብ መንጎና ንዓድሞ።

መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ እናበለ ኡፍ ኢልሎም ይብለና፥ አብ ዘፍጥረት እግዚአብሔር ንቀዳማይ ፍጥረት ብእስትንፋሱ ሕይወት ከምዝሃቦ ይነግረና ሓዲስ ሕይወት ተፈጢሩ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ኡፍ እናበለ መንፈስ ቅዱስ ከውርደሎም እንከሎ ሓደስቲ ፍጥረት እዮም ኮይኖም። መንፈስ ቅዱስ ምስተቐበሉ ተልእኮን ስልጣንን ተዓዲሎም፥ ብስሙ ኩሉ ክገብሩ ተፈቒድሎም። ነቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ክገብሩ ሓላፍነት ተቐቢሎም።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ተልእኮ ሓዋርያት ንሰውነት ክርትስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ከሕውይዋ ክሕድስዋ ሕይወት ክህብዋ እዩ። ኢየሱስ አብ ዓለም ዝመጽአ ንሕና ሕይወት ክንረክብ አብ ጸጋ አምላኽ መታን ክነብር እዩ። ሎሚ ነዛ ሰውነት ኢየሱስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያና ሓካይማን ፈወስታን ንሕና ኢና። ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበና ጸጋ ተጠቒምና ከይትሓምም ከይትፈላለ፥ ከይትደክም እንአልያን እንሕግዛን ንሕና ኢና። አብቲ እንወፍሮ ተልእኮ ወንጌል ነፍሲ ወከፍና ነናትና ህያባት ዝተወሃብና ኢና። ህያባትና ዝተፈላለየ ዓላማናን ትምህርትናን ግን ሓደ እዩ። ከምቲ ቅ. ጳውልስ ዝብለና ዝተፈላለየ አካላት ሰውነትና ዘሎና ግን አብ ሓደ ሰውነት ዝኾነ ከምኡ ኢና። ነዚ አምላኽ ዝሃበና ህያባት አብ አገልግሎት አምላኽን አሕዋትና ክነውዕሎ ትሑዛት ኢና።

ብዓል ጰራቅሊጦስ ናይ ተሓድሶን ናይ ተልእኮን ዕለት እዩ። ንኢየሱስ ክንልአኽ እሺ ኢልና መንፈሱ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ እንቕበለሉ ከምኡ ወንጌሉ አብ ኩሉ እነብጽሓሉ ዕለት እዩ። ቀዳሲና ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ልብና ሕይወትና ማኅደሩ ክንገብሮ ክሕግዘና እና ጸለና ብዓልና ነኽብር።

ብሩኽ በዓለ ጰራቅሊጦስ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

20 June 2021, 09:45